መዓልቲ ጀበርቲ 2019

 

 

 

መዓልቲ ጀበርቲ 2019” ንመበል 13 ግዜ ኣብ ሃገር ጀርመን ሙንሽንግላድባኽ ብውዕውዕ ኣገባብ ተባዒሉ

ሕጂውን ከምትሉሙድ ዓመት መጸት፡ ኣብ ቕነ ዕረፍታት ፋስጋ ብዙሓት ደቂ ብሄረ ጀበርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ኣብ ሙንሽንግላድባኽ ኣብ ሃገር ጀርመን ተራኺቦም ንዘሕልፍወን መዓልታት ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበዩ፡፡ ተራኺቦም ጉዳያቶም ዝመኻኸሩሉን ኣዝዮም ኣገድስቲ ዛዕባታት በብርእስታትቱ ብዛዕባ ዲናውን ባህላውን ክብርታቶም፣ ሃገራውን ብሄራውን መንነታቶም፣ ከምኡ`ውን ማሕበራውን ቁጠባውን ሕቶታት ብምልዓል ዝዝትዩሉን ወርቃዊ ኣጋጣሚ መራኸቢት ቦታ ብምዃን ዘይሕከኽ ታሪኻዊ ጦብላሕታ ትገድፍ ኣላ፡፡ እዚ ዓመት-ዓመት ዝውደብ ኣጋጣሚ፡ መርኣያ ናይ መንነትካን ስርዓተ ክብርታት ሕብረተሰብካን ንምዕቃብ ዝግበር ሓያል ኤርትራዊ ተበጉሶ ኢዩ፡፡

ማዓልቲ ጀበርቲ ብተኸታታሊ ንመበል 13 ግዚኡ ኣብ ሙንሽንግላድባኽ ኣብ ሃገረ ጀርመን ብዘደንቕ ኣገባብ ኢዩ ተኻይዱ፡፡ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ጀበርቲ ካብ 18/04/2019 ክሳብ 21/04/2019 ኣብ ትሕቲ ‘’ ሓድነትና መሰረት ህላወና’’ ዝብል ቴማ እዩ ተስላሲሉ። ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ጀበርቲ 2019፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ካብ 13 ሃገራት ዝመጹ ከባቢ 150 ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡዎም ደቂ ብሄረ ጀበርቲ ኩነታት ንጥፈታቶም ንምግምጋምን ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ብምልዓልን ሕቶታት ብሄራውን ሃገራውን ማሕበረ-ባህላውን ቁጠባውን ኩነታት ንምዝታይ እዮም ተራኺቦም ቀንዮም፡፡

እዚ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝተኻየደ መደብ ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስትታት ዘተኮሩ ብብርክት ዝበሉ ብሙሁራትን ስብ ዓቢ ተሞኩሮን ወረቓቕቲ ድሕሪምቕራብ ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስትታት ዘተኮሩ መካትዒ ነጥብታት ሕመረቱ ዝገበረ ኣብ ጉጅለታት ተመቓቒልካ ዝተገብረ ርሱን ዓውደ ሰራሕ ውን ተኻዪዱ። እዚ ዓውደ ሰራሕ ”ሕቶ መንነትን፥ ምዕቃብ መንነትን እዋናዊ ሃገራዊ ዛዕባታትን ዘጠቓለለ ኮይኑ ተጋባእቲ ብዕምቆት ድሕሪ ምክታዕ ጽሟቕ ክታዓቶም ብመንገዲ ወኪላቶም ገይሮም ንታጋባእቲ ብዘደንቕ ኣገባብ ኣቕሪቦም። እዚ ከምዚ `ሉ ከሎ ብዝተፈላለዩ ዋዛ ምስ ቁም ነገርን ስርሓት ስነጥብብን መዘናግዕን ተሰንዩ ንተሳተፍቲ ናይ ሓጎስን ፍስሃን መንፈስ ፈጢሩ ነይሩ።

ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ጀበርቲ ካብ ካልኦት ዓመታት ፍሊይ ዘብሎ ነገራት እንተነይሩ ብርክት ዝበሉ ኣሓዋትና ደቂ ሃገርና ካብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰብን ማሕበራትን ኤርትራ ምሳና ኣብዚ ሓቢሮም ዕድመና ኣኽቢሮም ዮሃና ክብሉ ከምኡወን ቃሎም ከስሙዑ ብምርካቦም ነቲ ማዓልቲ ጀበርቲ 2019 ዓቢ ማዕረግን ፍናንን ሂብዎ ቐንዩ፡ እዞም ዝስዕቡ ሕብረተሰባት ኤርትራ ድማ ዕድመና ኣኽቢርኩም ብምምጻእ ምሳና ናይ ሓጎስና ተኻፈልቲ ብሙዃኖም ብሽም ኩሉ ጀበርቲን ማዓልቲ ጀበርትን 2019 ነመስግኖም።

• ወኪላት ማሕበር መታሕታውያን (ሙንኻፋዳት) ካብ ሃገር ጀርመን

• ወኪላት ማሕበር ያላ ናካቶ ሳሆ ኮሚኒቲ ካብ ኮሎን ሃገር ጀርመን

• ወኪላት ማሕበር ዓፋር ኮሚኒቲ ካብ ኮሎን ሃገር ጀርመን 

• ወኪላት ማሕበር ዓሳውርታ ኮሚኒቲ ምትሕግጋዝ ካብ ሎንዶን ሃገር እንግሊዝ

• ወኪላት ማሕበር ዓሳውርታ ኮሚኒቲ ካብ ፍራንክፎርት ሃገር ጀርመን

• ገዳይም ተቓላስትን ታሪኽ ስነድትን ደቂ ክርስትያን ከበሳን ካብ ሃገር ጀርመንን

ጥልያንንመርኣያ ክብረቶምን ምስጋናን ድማ ንነፍስወከፍ ወከልቲ ሕብርተሰባት እቲ ኩቡር ዝኾን ዕማመት ጀበርትን ናይ ተሳተፍትን ምስክር ወርቐት ክዕድል ከሎ ንገዳይም ተቓላስትን ታሪኽ ስነድትን ኣቶ ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፍሊፖ) ን ንኣቶ ተስፋይ ተምኖን ዝላዓለ ሽልማት “መዓልቲ ጀበርቲ”ን ምስክር ወርቕትን ዓዲሉ። ነቶም ነዚ መዓልቲ ጀበርቲ ክዉን ንምግባር ግዚኦምን ጉልበቶምን ዘወፈዩ ኣባላት ኣካያድቲ ሽማግለን ንጡፋት ተሳተፍትን ናይ ምስክር ወርቐትን ሽልማትን ክዕድል ከሎ ፡ ንኹሎም ወረቓቕቲ ዘቕረቡ ናይ ኣድናቖት ምስክር ወርቕታት ዓዲሉ።

ኣብ መጨረሽታ ኣብ መሰል ህዝቢ ንምሕላውን ፍትሒ ንምምጻእን ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ ክቡር ኣያና ኡስታዝ ማሕሙድ መ/ብርሃን ስፈር ዝላዓለ ሽልማት “ሓጂ ሙሳ” ሂቡ፥፡ ኣብ መወዳእታ ተጋባእቲ ንዝመጽእ ዓመት “መዓልቲ ጀበርቲ 2020” ዘዳልዉ 13 ዝኣባላታ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአት ዝበዝሑ መንእስያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዋ ሓዳሽ ኣዳላዊት ሽማግለ ብምምራጽ ነታ ዝነበረት ዝትኩኡ። እታ ዝተመርጸት ኣዳላዊት ሽማግለ ንነብሳ ብምፍላጥ ን ዝመጽእ “መዓልቲ ጀበርቲ 2020” ብዝበለጽ ክተዳሉ ምዃና ቃል ብምእታው ሓቢራ።

ኣብ መጨረሽታ በዚ ናይ መዓልቲ ጀበርቲ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚ ብምጥቃም እምቢ ን ምልኪ ብምባል ኩሎም ተሳተፍቲ መዓልቲ ጀበርቲ ዝተሳተፍዎ ናይ”ይኣክል” መልእኽቶም ኣማማሓላሊፎም። ወኪላት ማዕከናት ዜናን ሓበሬታን ጀበርቲ ነት ሚድያ ግሩፕ ከምእዉን AAN ሚድያ ግሩፕ ነቲ ኩሉ ንጥፈታት መዓልቲ ጀበርቲ ብዘደንቕ ኣገባብ ንህዝቢ ኣብ ምቅላሕን ምስናድን ዓቢ ተራ ተጻዊተን። በዚ ኣጋጣሚ ብሽም ማዓልቲ ጀበርትን 2019 ክነመስግነን ንፈቱ።

እዚ ሓጺር ጸብጻብ መዓልቲ ጀበርቲ 2019 ብኣካያዲት ሽማግለ ዝተዋሃበ መግለጺ ኮይኑ እቲ ሓቕን ክውንነትን መዓልቲ ጀበርቲ 2019 የንጻባርቕ። ብኻልኦት ውልቐስባት ዝውሃብ ሓበሬታ ኩሉ ናይ ውልቖም ርእይቶ እምበር ናይ መዓልቲ ጀበርቲ 2019 መርገጽን መግለጽን ከምዘይኮነ በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጽ ንፈቱ።

ሽማግል ኣዳላዊት መዓልቲ ጀበርቲ 2019 ኣፕሪል 2019 

Top
We use cookies to improve our website. More details…