ብምክፍፋል

 

 

ብምክፍፋልን ምብትታንን ዝረጋገጽ ሃገራዊ ረብሓ የለን !!

 

ግበታዊ ስርዓት ህግደፍ ከም ስርዓት፡ ልዕሊ ልክዕ ዝኸፈአን ዝሓሰመን ዘቤታዊ ጨቛንን ገዛእን ኤርትራውያን'ዩ፡፡ ግበታዊ ስርዓት ህግደፍ ሕልፊ ካልኦት ጨቆንቲ ስርዓታት እኩይ ዝገብሮ፡ ብግፍዕን መሪር ጭቆናን የሕሲሩ ዝገዝእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህዝብታት ኤርትራ ፈላሊኻን በቲንካን፡ ብኹሉንትንኦም ዝተረመሱ ኣህዛብን፡ ዝፈሸለት-ዝወደቀት ሃገር ምፍጣር ቀንዲ ዋኒኑ ስለዝኾነ'ዩ፡፡


ግበታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብሰማሚ ፈላላይ ናይ ኣገዛዝኣ ጥበብ ፍጹም ዘስደምም ጥበበኛ'ዩ፡፡ ነዚ ድማ በዘለዎ ዓቅሚ ዕለታዊ ይነጥፈሉ፡፡ ካብዚ ድማ ብዉሑዱ ክልተ ዓበይቲ፡ ብናይ ቀረባን-ርሑቕን መስርሕ ዓወታት ዝቆጽሮም መኽሰባቱ ይሓፍስን ይነብረሉን፡፡ ቀዳማይ ረብሕኡ፡ ዝነቀሐ ንዘበታዊ ጨቋኒ መግዛእቲ ኣይፋል ዝብልን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝለዓዓል ህዝቢ ንከይህሉ ከም መሐየርን መዳቀቕን ሜላ ይጥቀመሉ፡፡ ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ዝተናወሐ መስርሕ ሕድሕድ ዘይተኣማመንን ዘይቃዶን፡ ሓድነቱ ዝቀተለ፡ ሃገራዊ ፍቅርን እምነትን ዝነከየ፡ ድኻ በተኽን ናይ ምጽዋር ዓቅምን ወንን ዘይብሉ፡ ሰብኣዊ-መንፈሳዊ ክብርታቱን ዝተወቅዔ፡ ነገራውን ሞራላዉን ጸጋታቱ ዝተመንዘዔን ትሕዝቶን ዋንነትን ኣልቦ ዝኾነ ሕብረተሰብ ምፍጣር'ዩ፡፡ ንኹሎም መጨቆኒ ትካላቱ፡ ደገፍቱን ኣምለኽቱን ድማ ከም መሳለጥያ ኩሎም እኩያት ዕላማታቱ ይግልገለሎም፡፡


ግበታዊ ስርዓት ህግደፍ ክንቃለሶ ተቀሲብና ዘለና፡ ንልዕልና ሕጊ ስለዝሓንገደ፡ ፍትሕን መሰላትን ሰለዝነፈገና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብመስርሕ ጠቅሊሉ የብርሰና ሰለዘሎ'ዩ፡፡ በዚ ወሪድና ዘሎ ጨቋኒ ዓመጽን ሃስያን ከምኡ'ውን ዝጽበየና ዘሎ፡ክምከት ዝግበኦ ሓደጋ ጽንተት ፈሊጥና፡ ቃልስና ክነጽንዕን ክነቀላጥፍን ሕጂ'ውን ባህርያትን ጥበባት ፈላሊኻ ግዛእን ቅተልን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣዳቒቕና ክንፈልጦ ይግባእ፡፡ ምኽንያቱ ጸላኢና እንተዘይፈሊጥናዮ ክንገጥሞን ክንስዕሮን ሰለዘይንኽእል፡፡
ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኩሎም ዜጋታት፡ ዓሌታት፡ እምነታትን ከባቢታትን በዚ ስርዓት'ዚ ብማዓረ ብዱላትን ግፉዓትን'ዮም፡፡ ደመኛ ጸላኢኦም ኣነጺሮም ክፈልጡ፡ ብዝወረዶም ወጽዓታት ሕድሕድ ክተኣማመኑ፡ ብዘለውዎ ሕሱም ሃለዋት ክደናገጹን ክሓብሩን ኣማራጺ ዘይብሉ ግዴታዊ ምርጨኦም ክኸውን ይግባእ፡፡ ደረጃ ንቅሓቶም ከበርኹን ሓድነቶም ዝያዳ ከስጥሙን ከደልድሉን የድሊ፡፡


ዝጎደለና ወይ ዝወሓደና መሊእና፡ ጸረ ደመኛ ጸላኢና ምእንቲ ከይንጸምድ፡ ዛዕባታት ኢራብ ናብዚ መሸንጎጓ ናብቲ ዘዋድዱ፡ ዕሱባት ልኡኻትን ወለንታውያን ባሮት ሰብ ሰራም ዋኒን ስርዓት ህግደፍን፡ ከምኡ'ውን ንሕስረት ሪዒሞም ንስለ ኸብዶም ሰግር መሪጾም ብሓይልታት ግዳም ዝተዓስቡ ሓንፈሽቲ ከምዘለው ዝፍለጥ'ዩ፡፡ ካልእ ድማ፡ ኣብ ቀጽሪ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዘየለው ዝመስሉ፡ መንቀሊኦም ውልቃዊ ሽግራቶምን ሰንፍነኦምን ዝመስል፡ ብበሃምነት ሰምዒታቶም ዝገርሑ፡ ናብ ረግረግ ታኼላ ጽልኢ ክወስዱና ንርእን ንዕዘብን ኣለና፡፡ ኣካላት ስርዓት ህግደፍን ወለንታውያን ባሮቱን ዉሁባት ጸላእቲ ሰለዝኾኑ፡ ብስሙር ቃልሲ ብደሆ ክበሃሉ፡ ከምኡ ድማ እቶም ንማንም ዘይውክሉ፡ ንሕና ንስኹም ክብሉ ዝውዕሉ ሕማቃትን ክብሪ ህዝቢ ዝደፍሩ በሃማት ዓገብ ክበሃሉን፡ እሩም መገዲ ንኽሕዙ ምእራሞምን ምሕጋዞምን ኣገዳስን ግቡእን'ዩ፡፡


እቶም ብረዚን ዋጋ መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝተረጋገጸ ሉኡላውነት ሃገረ ኤርትራ፡ ከም ውልቀ ሸቀጦም ንኽዋገዩ ብሓይልታት ግዳም ዝተኸትቡ ዕሱባት፡ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ቅድሚ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ደው ኢሎም፡ በኸቢድ ሃገራዊ ክሕደት ክኽሰሱ ምኳኖም ፈሊጦም ካብ ሕጂ ክዳለውሉ ይግባእ፡፡
ኤርትራ ናይ ኩሎም ዜጋታት፡ ዓሌታት፡ እምነታትን ከባቢታትን ኤርትራውያን ሃገር'ያ፡፡ ንኹሎም ድማ እኽልቲ ሃገር'ያ፡፡ ብምክብባርን ምድግጋፍን ድማ ክነብሩላ ይግባእ፡፡ እቶም ካብ ምክፍፋልን ምብታንን ኤርትራውያን ተረባሕቲ ዝኾኑ ኣካላት ስርዓት ህግደፍ ንጎኒ ሓዲግና፡ እቶም ዘይተረባሕቲ፡ መሰረታዊ መሰል ዲሞክራሲ ወይ መሰል ነጻ ሓሳብ ምግላጽ፡ ዝተረዳእኩምን በገባብ ትጥቀሙሉ ዘለኹም ዝመስለኩም፡ ክብርን መንነትን ኣህዛብ እናተናኸፍኩም ተጋጭው ዘለኹም ውልቀ ኣካላት፡ ደረት መሰል ምዝራብ ክትግንዘቡን፡ ካብ ዘይሓላፍነታዊ ዘይስነምግባራዊ ዘረባታት ክትቁጠቡ ንምዕድ፡፡ ሕልፊ'ዚ ኮይንኩም ህዝቢ ከተባልዑ ወፍርታትኩም ምስ ትቅጽሉሉ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብምልዕዓልን ብምንቛትን፡ ብመንገዲ ህዝባዊ መጋባኣያታት ናብ ተሓታትነት ክትቀርቡ ምኳንኩም ነዘኻኽረኩም፡፡

ኣስላማይ ክስታናይ፡ ከበሳ ደንከል መታሕት፡ ጸጋታት ስልማትን ሰብ ክብርን ጅግንነትን ኤርትራ'ዮም፡፡ ካብ ምክፍፋል ምፍልላይ ዝረጋገጽ ረብሓን ዓወትን የለን፡፡ ንዘለናዮ ዘይርጉእን ዘይንቡርን ኩነታት አመና ዘጋድድን፡ ንደመኛ ጸላኢና ግበታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ሓንሲሱ ከይሓየኸ ንኽውሕጠና ቀረብ ዘወናውን መኣዲ ምኳን'ዩ፡፡ ሰለዚ እቶም ፍትሒ እንደሊ ዜጋታት ሓላፍነታውያን ንኹንን ንጠንቀቕን፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና !!
ሓድነት ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ነባሪ'ዩ!!

ክፍሊ ዜና ሰልፊ ትንሳኤ ኤርትራ
ሚያዝያ 2020

 

Top
We use cookies to improve our website. More details…