ዳግማይ ሕቶ ን one nation Eritrea:

Print

Dr. Abdu Khalifa- Part 2

ዳግማይ ሕቶ one nation Eritrea:

ዝመስለኩምን የኽስበና እዩ ትብልዎ ፖለቲካዊ መርገጽን መስመርን ሒዝኩም ክትጎዓዙን ክትቃለሱን መሰልኩም እዩ። ወላ እውን፡ እንተዘይተራእይኩም፡ መሰል ብሄር ናይ ገለ ክፋል ሕብረተሰብ ኤረትርያ ከይትቕበሉን ክትነጽጉዎን። ጸገም የሎን። ንኻልኦት ሰልፍታትን ውድባትን ግንባርን በርጌሳዊ ማሕበራትን ብዘይርትዓዊ ክሲ ክትጥቅኑ ግን ኣይግድን! ነቲ ክሳብ ሕጂ ክቡር ዋጋን ጻዕርን ከፊልኩም ዘጸበቕኩሞ ስምኩም፡ዝምጥን እውን ኣይኮነን።

 

እምንቶና፡ ንስኹም ኩኑ ዝኾነ ሰልፍን ግንባርን በርጌሳው ማሕበረ ሰብን፡ መንነት ወሃብን ከልካልን ኣይኮነን። እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተዋህበ ኣብ ባይታ ትርጉም ዘይብሉን ዘየርበሐን መንነት ብሄር(ጎደሎን ስንኩፍን ኣምር 9 ብሄራት) እውን ብዊንታ ሓደ ፋሺስት ሽፍታ ሰብ(ኢሰያስ) ንፖለቲካዊ ረብሓን ሃልኪን ተባሂሉ፡ ዝተዋህበ እምበር ቅዋማዊ ስርዓት ዝኽተል ባይቶ ዝሃቦ የሎን። እንታይ ረቢሕኩም ብሄር ትግርኛ ይኹን ካልእ ረኺብኩም ካብ ምርኢት ሳዕስዒትን ዳንኬራን ምድጋፍን ምድኻርን ምጥቓዕን ክሳራን ህልቂትን ዘይሓልፍ? ሓቢርና፡ ኩልና፡ ብዘርኢ ተጋሩን ንዓባይ ትግራይን ኢትዮፕያ ዝኽድሙ ሓሙሻይ መሳርዕ ተጋሩ ኣብ ኤረትርያ(ህግዲፍ) ንድከር ኣሎና። መንእሰያትናን ህዝብና ተገፊዑ። ተኣሲሩ። ተሓይሩ። ተረሺኑ። ሃሊቑ። ዓበይቲና፡ ዓበይቲ ዓድን ህዝብን፡ ናይ ፖለቲካ መራሕቲን(ከም 15) ስማውያን ሚኒስትራትን ዝመሰሉ እንታይ ረኺቦም? ንኣብነት ህዝቢ ዓፋር እንታይ ረኺቡ? ኣብ ልዕሊኡ ጽንታ ይፍጸም ኣሎ። ጸጋታት ዓዱ ድማ ይዝረፍ! ህዝቢ ትግርኛ እንታይ ከሲቡ? ሓንቲ! ጉልበቱን ደሙን ጸጋታቱን ይዝረፍ፡ ይምዝመዝ፡ ከም ሰቡ! ንግዚኡ፡ ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ዝመስሉ ነቲ ዝህረፍ ኮረሻ-ስልጣን ተወጢሖም ኮፍ እንተበልዎ፡ እቲ ጉዳይ፡ ከም ብማዕዶ፡ ኣብ ምድረበዳ ቀላይ ማይ ዝመስል ምርኢት ሚራዥ ጠባርን ኣህራፍን ኣጋጋይን ኣታላሊ ሜላ ጥራይ እንተዝርይኮይኑ ህዝቢ ትግርኛ ዝረአ ዝኸሰቦ ዓቢ ነገር እንታይ ኣሎ? ሕብረተሰብ ኤረትራዊ ወደባት ትግርኛ፡ ባዕሉ፡ ዝገደደ ግዳይ ጨኾናን ግፍዕን ጽንታን እዩ ኮይኑ ዘሎ። እቲ ረባሒ ኣካል፡ ደቂ ሹማንቲ መሳፍንቲ ትግራይን ተጋሩን ነበርን ገለ ብቁንጣሩ ጥቕሚ ዝሰድዑን ህዝቦም፡ዝጠለሙ ኤረትራውያን ባእታታትን እንተዘይኮኑ መን ረቢሑ? ዓድታትን ቁሸታትንን ገዛውትን ትግርኛ ይኹና ካልኦት ብሄራት ገረውረው ይብላ የለዋን እየን? ደቀን ፍቖዶ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ-ጽንግራሕ ኣይኣዎምን?! ኣብ ባይታ፡ ብተግባር፡ ቁሎሕ እንተ ኢልና፡ ኣተኩርና እንተ ተዓዚብናን፡ መን ክኸስብ ይርአ? ኣብዚ ዝኸስብ ትግራይን ተጋሩን እንተዘይኮይኖም እንታዋይ ኤረትራዊ ኣዩ ዝኸስብ?

ናትና ከም ብሄር ምፍላጥን ምህላውን ዘይምህላውን ዝጎድኣኩም ወላሓንቲ የሎን። መንነት ዝህብን ዝኽልክልን ኣካል የሎን። ዝኽሕድ ክህሉ ይኽእል። ክትክሕዱ ትኽእሉ፡ ከም ሰብኩም፡- ንግዝያዊ ይኹን ናይ ሓዋሩ፡ ፖለቲካዊ ረብሓ ክትብሉ ንኣብነት ቁጽሪ ኣባላትኩም ክብ ኣብ ምባል። ህግዲፍን ኣጋዝያን ዝጥቀምሉ መስመር ፖለቲካዊ ጎስጓስ ምኽሳብ ኣባላት ትጥቀሙ ዘለኹም የምስለኩም፡ ኣሎ። ከምኡ ተጠቂሞም ኣባላቶም ስለዘበርከቱ። ተማራሚርኩም ዝረኸብኩም ትመስሉ። ትመስሉ እየ ዝብል ዘለኹ።

መንነት እኮ መለለይን መጸውዒን ሓደ ህዝቢ እዩ። "ኣቦና ዝሃበና ወንበር፡ ወዲቓ ኣይትስበር፡ ሞይታ ኣይትቕበር!" ኢልና ኢና ንኣምን። ንዘልኣለም፡ ነባሪት እያ። ወሃቢን ከልካልን የብላን። ንለማመኖን ንሓቶን "ኣጽድቐልና" ንብሎ ኣካልን ባእታን የሎን። ኣርባዕተ ነጥቢ። ንሕና ንሕና ኢና። ትግርኛ ኣይኮናን። ትግርኛ ግን ክቡር ዝኾነ ቋንቋናን ክፋል ባህልናን መንነትና እዩ። ዓረብ ኣይኮናን። ሶማል ኣይኮናን። ተጋሩ ወላ ኣምሓሩ ኣይኮናን። ኤረትራውያን ጀበርቲ ኢና። መበቆልና፡ ከም ካልኦት ኣሕዋት ብሄራት፡ ቤጃ በለውን ዝሕመረቱ፡ ሳሆ፡ ዓሳውርታን ብዓቢኡ ዘለዎ ኮይኑ ከም ንሓደ ዓቢ ሩባ፡ መገብቲ ወሓይዝ ዝጽምበራኣ፡ ካልኦት ዉልቀሰባትን ቤተሰብን ኣህዛብን እምነትን ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ተዋሲቦም ተጸንቢሮምን ርዒሞምን ኣብ መስርሕ ሕብረተሰብናን ምምስራቱን ከም ማንም ብሄር ዝተራእየ ሓቂን ክስተትን እዩ።

ካባና እውን ኣብ ካልእ ብሄር ይኹን እምነት ብፍትወት ይኹን በስገዳድ ከይዶም ርዒሞም ዝተጸንበርወን ብሄራት ኣለዋ። ኣብ ታሪኽ ከም ጥርኑፍ ሕብረተሰብ ካብ ንጅምር ብውሕዱ1400 ዘቑጸርና ህዝቢ ኢና። ሓቢርና፡ ሽግርን ጸበባን ርህየትን መግዛእትን ስደትን ህልቂትን ጽንታን ተጻዊርና ዘሕለፍና ኢና። ኣብዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣሞ ኣብዛ ሓቢርና፡ምስ ህዝብና ደምና ዘፍሰስናላን ከቢድ ክሳራ ዝተሰከምናላን ኤረትርያ፡ ዳግማይ ውዲት ጽንታን ክሕደትን ክንርኢ እኳ እንተገረመና ፋልማይና ኣይኮነን። ናይ መጠረስታ እውን እዩ ኢልና ኣይንእምንን።

ስለዚ፡ ሰልፊ ሓንቲ ሃገር፡ ገለ ውልቀ ሰባት ካብ ሕብረተሰብ ጀበርቲ፡ ኣሉታዊ ተመክሮ ዓሌትነትን ወጽዓን ኣቖጢዑዎምን ህንጡይነት ረቢጽዎም፡ ነዲሮም "ጀበርቲ ጀበርቲ፡" ኢሎም እንተ ጨደሩን እንተኣጽመሙኹምን፡ ከምኦም ዓቕሊ ኣጽቢብኩም ነቲ ዝዓበየ ህዝቢ ኣዋሲንኩምን ከሲስኩምን ኣብ ዘየድሊ ሸኾርተታዊ ምንግራም ዘእቱ የብልኩምን። ግቡእ እውን ኣይኮነን። ንሶም፡ ክንደይ ካብ ሚእቲ ናይቲ ሕብረየስብ እዮም? 1% ኣይኮኑን! ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ሕብረተሰብ ጀበርቲ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልእ ሕብረተሰብ ኤረትርያ ብፍላይ ኣብ ትግርኛ ብብዝሒ ዝርአ ጠባይ እዩ። ዓቕሊ ኣይተጽብቡ በጃኹም።

"በጃኹም፡ ስለ ማርያም፡ ብሄር ሃቡና፡ እመኑልና፡ መሩቑልና'" ኢሉ እቲ ሕብረተሰብ ጀበርቲ ኣየጨንቐኩምን ኣይሓተኩምን እዩ። ኣይትሰከፉ። ጥራሕ፡ ቃልስኹም ኣጽፊፍኩም፡ ኣንጻር እዚ ከሓድን ጠላምን በላዒ ሰብ ዝኾነ ፋሺስታዊ ሽፍታ ስርዓት ተቓለሱ። ጉዳይና ባዕልና ኣለናዮ። ዐዕዮ ገዛና ነሳልጥ ጥራይ። ኣብ ጓል መገዲ ዘእቱ የብልናን። ኣብ መጻኢት ናጻን ሓራን ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤረትርያ ናይ ኩልና ዕጫን ብጽሒትን መሰልን እጃምን ግዴታን፡ ብብሄር ዲና ክንውደብን መሰልና ክንሓትትን ክኽበርን ሽዑ ነርክበሉ። ናይ ሕጂ ንግበር። ሕጂ ዝጠልበና መድረኽ፡ ሓቢርና ከመይ ጌርና ናብዛ ኩሉና ንብህጋ ሰላማዊትን ፍትሓዊትን ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤረትርያ ንበጽሕ እዩ።

ደጊምና ንሓተኩም ዘሎና ግን፡ ሓደ ዓቢ ክፋል ሕበረተ-ሰብ ኤረትርያ፡ ማለት ሕብረተሰብ ጀበርቲ፥ ብእሽካዕላል፡ ኣጓኒኻን ኣዋሲንካን ኣናሺኻን ኣቆናጺብካን ዘይሕብሩ ለሚጽካን፡ ሕጂ ብናይ ካልእ ዘይርትዓዊ ክሳራ እንጀራኻ ክጥዕመልካ ምብሳል ስእሊ ካልእ ጸለሎ ቀቢእካ፡ ስእልኻ ኮሓሒልካ ኣጸቢቕካ ምዕባይን ምስ ምንታይ ይቑጸር? ደው በለለይ ክብለጸልካ ዝዓይነቱን፡ ምስ ኣጉል ምምጽዳቕን በለጽን ኣይቁጸርን? ከም መሳልል ንመን ረጊጽኩም፡ ናብ ላዕሊ ዘሊልካ ምድያብ? ሰልፊ ናህዳ ኤረትርያ ረጊጽካ፡ ንገለ ካብ ኣጋእዝያን ዝሓከሉን በካይዳ እቲ ሽፍታዊን ገንዘባዊ ምጥፍፋእ ዝመልኦ ኣካይዳ ኣጋእዝያን ዝኾረዩን ዘይዓገቡን ኣእዳዎም፡ ዝሰሓቡን የግዳስ ብጽልኢ ኣስላምን ጀበርቲ ኤሬትራውያን ዝተጸለሉ ፋሉላት ንምኽሳብ ድዩ? ብዝሒ ኣባልነት ንምኽዕባትን ምብዛሕን? ኣብዚ ህሞት ከምዚ ዓይነት ባህሪ ምርኣይኩም፡ ኣነ ብውልቀይ፡ ከምኡ ይመስለኒ። ተጋግየ እንተ ኮይነ ይእረመላ። ከምኡ፡ እንተኾይኑ ግን፡ ንግዚኡ ትኸስቡ ትኸኑ፡ ኣብ ቀጻሊ ግን፡ ነብሰ-ቅትለት ፈተነ ኮይኑ ጥራይ ዝተርፍ። ኣብ መንጎኹም ወኻሩን ኣዛብእን ኣእቲኹም፡ ዘርብሓኩም ኣይመስለንን! ሰልፍኹም፡ ቁጽራዊ እምበር፡ ዓይነታዊ ኣይከውንን።

ሰልፊ ናህዳ ኤረትርያን፡ ዋን ኔሽን ኤረትርያን፡ ጎኒ-ንጎኒ ተሰራሪዐን ተሓቛቒፈን ተኸባቢረን ንናጽነት ኤረትርያ ካብዚ ፋሺስትን ናዚን ኣጽናትን ኣገልጋሊ ባዕዲ ሽፍታ ምምሕዳር ኢሰያስ ንምልቓቅ ምቅላስ ኣይሓይሽን?

ሰልፍኹም ስለምንታይ ኣዕናዊን ተጻባኢን መንገዲ መሪጻ?

ብኣፍ No division ትብሉ፡ ብተግባር ግን፡ ስምን ቃልስን ካልኦት ሰልፍታት ተጸልሙ? እዚ ንቕድሚት የመርሽ ይመስለኩም?

ስለምንታይ ግዜና ኣብ ሕድሕድ ምዝልላፍን ምውድዳርን ነሕልፎሰልፊ ናህዳ ኤረትርያ ትወስደልኩም፡ ኩላሶ-መኣዲ የለን። ስለምንታይ እዚ ኩሉ ተጻብኦ?

ብውልቀይ ዝሓቶ፡ ምክብባር ጥራይ እዩ። ኣብ ርትዒን ምኽንያትን ወድዓውነትን ጭብጥን ዝተመርኮሰ ነቐፌታን ምትእርራምን እውን እኣምን ነዚ ምትእርራም ኣውን እጠልብ። ምስ ኣኽብሮት። 

ኣነ ሓደ ንነብሰይ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ንማንም ዘይውክል፡ ወላ ዝወጻእኩላ ቤተሰብ እውን ትኹን ዘይውክል፡ ኣሹንካይዶ ንብሄረይ፡፡ ኤረትዊ ዜጋ፡ ሓውኩምን ጽቡቕኩምን ዓወትኩምን ዝምነ እየ።

ወደሓንኩም።

ብደ/ር ዓብዱ ከሊፋ

We use cookies to improve our website. More details…