ጻውዒት ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ

 

                                   

ጻውዒት ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ -

ነዚ ኣብ መንጎ ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ዘይንጹር ርክባትንዘሎና ስክፍታታት ንምግላጽ ንዕለት 4/08/2018 ካብ ስዓት 14:00 ስጋብ 17:00 ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብከተማ ሎንዶን፣ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተዳልዩ ኣሎ። ኩላትኩም ኤርትራውያን የዕሩኽ ኤርትራን ናብዚ ሰላማዊ ሰልፊዚ ክትጽምበሩና ንዕድም።

ሕዝቢ ኤርትራ ንሰላም ብዙሕ ዝኸፈለን ዝደልዮን ዝቕበሎን እዩ። እንተኾነ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ጉዳዩ ጓና ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን ብሽፍንፍንን ዘይግሉጽን ዘይፍትሓዊን ስምምዓት ከይግበር፣ ኩሉ ዝግበር ውዑላት ንሕዝቢ ብግሉጽ ክንገርን ክዋስእሉን ንምሕጸን።

ከምቲ ኣብ ሓምሳታት ንቑሩባት ሰባት ሒዝካ ዝተገብረ ዘይቅኑዕ ውሳኔ ንሕዝቢ ኤርትራን ንሕዝቢ ኢትዮጵያን 30 ዕመታት ዘድመየ ዳግማይ ከይድገም ኩሉ ዝግበር ውዑላት ሕዝቢ ዝገልጦን ሕጋዊን ፍትሓዊን ክኸውን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዘይሕጋዊ ስርዓት ካብ ምሽራኽን ምውጋንን ምስ ውጹዕ ሕዝቢ ኤርትራ ክውግን። ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ብወግዒ መልእኽትና ከነማሓላልፍ።

 

ብደሓን ምጽኡ! ዓደምትኹም፥

ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ።

Top
We use cookies to improve our website. More details…