ሳክቲዝም…… መን እዩ? …. ዕላማኡኸ?

Print

ሳክቲዝም…… መን እዩ? …. ዕላማኡኸ?


ንዝኾነ ይኩን ነገር፡ ቅድሚ “ሓቂ” ወይ ”ሓሶት” ምባል፡ ቅድም ቀዳድም፡ እቲ ናይቲ ትሕዝቶ እርሲ ወይ ወናኒ፡ መን እዩ? ዕላማኡስ ንምንታይኮን እዩ? ቢልካ መርሚርካ ምፍላጥ፡ ሰብኣዊ ጥበብን፡ ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ቃልሲ ናይ ዘለዉ ሰባት፡ መስረታዊ ሳይንሳዊ ኣገባብ ቃልስን፡ ተርእዮ እዩ። ከምቲ ንኸልቢ፡ ሥጋ እናደርበኻ፡ ዕላማኻ ንምፍጻም ዝኽየድ፡ እቲ ገባቲ ኢሳያስ’ውን፡ ነቲ “ካብኡ ኣይሓልፍን’ዩ” ዝብሎ ሓበሬታ ጥራሕ፡ ብዝጠዓሞ መገዲ ከምዝመሉቕ ብምምሳል፡ ንስለ ዕላማኡን ረብሓኡን፡ ካብ ነጊሁ-ዝመሲ ይፍሕስ ምህላዉ፡ ጌና ዝዘንጋዕናዮ ነገር እመስለኒ። ማለት፡ ቅድሚ እቲ ሓበሬታ ንባዕሉ፡ እቲ ዕላማ ናይቲ ሓበሬታ (ወይ ወሃቢ ሓበሬታ፡ መን እቱ ሳክቲዝም?)፡ ብልክዕ ምፍላጥ፡ ኣገዳሲ ክነሱ፡ ነዚ ጥበብ’ዚ ሰጊርና፡ ናብ ናይ ዕንክሊል መጻወድያ ንጽመድ ዘሎና እዩ ዝመስል ዝሎ።


ስለዚ እምበኣር፡ ሳክቲዝም፡ ከምቲ ስሙ ዝዕላማኡ ከይከውን፡ ስክፍታይ ዓቢይ እዩ። መድረኽ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ስለዝኾነ፤ ደላይ ለውጢ መሲልካ፡ ካብ ሕምብርቲ ህግደፍ ደቂቕ ሓበሬታ፡ ከምትሕልፍ እናመሰልካ፡ ንናይ ሰባት ስምዒታትን ቀልብን ማሪካ፡ ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብቲ ዝተመደ ግዜን መድረኽን፡ ንኹነታት (ወይ ቃልሲ) ናብቲ ወናኒ ወይ ለጋሲ’ቲ ሓበሬታ ከምዝውዕል ናይ ምግባር/ምቁጽጻር ብልሓት እዩ። እንተ እቲ ብስም ሳክቲዚም ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝፍኖን ዝግለጽን ግን፡ ወዮ ድኣ ኣብ ግብራዊ ዓወት ዝተሳእነሉ እዋን ብምኻኑ ድኣ ዓሚሩ’ምበር፡ ከም ሓቅስ፡ “እዚ ድኣ፡ ህግደፍ ኣብ ዝሃለወሉ መሬት፡ ‘ከምዚ ተፈጺሙ’ እንተተባህለ፡ እንታይ ሓዲሽ ነገር ኣሎእዎ!” ቢልካ ዝሕለፍ እዩ። እተስ ብፈሊጥ እንተስ ከም መራጎዲ ተባሂሉ፡ ንሳክቲዝም፡ ገለ-ገለ ሰባት፡ “ሳክቲዝም፡ ስንኩል ደላይ ፍትሒ ካብ ውሽጢ”፣ ገሊኣቶም፡ “ካብ ስለላ ወያኔ (ኢትዮጵያ)”፣ ገለ ከኣ፡ “ዓሊ ዓብዱ እዩ”፡ ወዘተ፡ ይበሃል። ኩሉ እዚታት ግን ናብቲ ወትሩ እንዕዘቦ ባህልን ጽውጽዋይን ህግደፍ ዝመሳሰል’ምበር፡ ክትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን።


ኣብዚ ሰሙን እዚ’ውን፡ ሳክቲዝም፡ ናይ ድንጋጸ ድዩ ናይ ለግጺ፡ ብዛዕባ’ቲ ህቡብነት ዘለዎ፡ ኃይለ ወ/ትንሳአ “ድሩዕ”፡ ሰብኣዊ ክብርን ባህልን ሥነ-ምግባርን ብዘይብለን ቃላት ኣተኣሳሲሩ፡ ካብቲ ናይ ማእሰርቱ ብዝኸፍአን ብዝሓሰርን ኣገባብ፡ “ካብዛ ዓለም ተፈልዩ” ብምባል፡ ንዓለም ኣቃሊሑ ኣሎ። እዚ ኣገላልጻ እዚ ንባዕሉ፡ ካብ ዝኾነ ይኹን፡ ናብ ናይ ህግደፋዊ ባህርን ባህልን ዝቀረበ ይመስል። በዚን ወዲ ኸምዚን ንኸይድ እንድሕሪ ኾይና፡ መደብ/ፕሮግራም/ዕላማ ወኒና ንኽንከይድ፡ ዕጹብ ኪኾና እዩ። እዚ ናይ ሎሚ መቅድም ኮይኑ፡ ንጽባሕ ሓደ ካልእ ተዋስኦ ስዒቡ ክዳለወልና ምዃኑ፡ ክንስሕቶ የብልናን። ኩነታት እቶም ንዲሞክራስያውን ቅዋማውን ሥርዓት ሕዝቢ ኤርትራ፡ ክብጀዉ ድሕር ዘይበሉ፡ ኃይለ(ድሩዕ)ን ካልኦት ብዙሓት ሃገራውያንን፡ ልዕሊኹሉ ንዓና ንደለቲ ፍትሕን ንቤተሰብ ጀጋኑን እምበር፡ ንብባህልን ቛንቛን ህግደፍ ገይሩ፡ ብናይ ብርዒ ስም ዝዛረብ፡ ኣይምልከትን። ብኣንጻሩ ጀጋኑና ጌና ሕያዋን እዮም።


መደብ ለውጢ ክህልወና እሞ፡ ንመደብና ወኒና ብመደብናን ራኢናን ክንከይድ፡ ዘድልየና እመስለኒ። እዋናዊ መድረኽናን ሕሳብናን፡ ብኸምዚኣቶም ኣብ ዕንክሊል ምእታው ዘይኮነስ፡ ነቲ ኃይለ ወ/ትንሳኤ (ድሩዕ)ን ኩሎም ብጾቱን ሓበናን፡ ዝኣወጁልና “ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ውራይ”፡ ብሓዲስ መንፈስ ምግባር እዩ፤ እዚ ውራይ ምትግባር እዚ እዩ ምልክት ናይ ህልውናናን ህልውና ብጁዋትናን፤ እንተበኸና’ውን ምእንቲ ርእስና ድኣ ንብከ’ምበር፡ ካልእስ ሕስራን እዩ፤ ብንፋስ ዝመጽእ፡ ምስቲ ንፋስ ይቐጽል፤ ንሕና ሰብ ድሙቕ ራእይ ግን፡ ዕለተ-ሱባዔ ካብተኸፍተ፡ ከምታ ለበዋ ተባዕ ሃገራዊ ኣያናን ኣቦናን፡ ውራይና ድኣ ንግበር ነቀላጥፍ !!!

ክ. ይሥሓቕ (ለንደን)

24/2/2018

 

We use cookies to improve our website. More details…