ብስም ናይ ዕርቂ ሽማግለ ናብ ህዝቢ ጀበርትን ህዝቢ ኤርትራን ዝወጸ ደምዳሚ ኣዋጅብመጀመርታ

Print

ብስም ናይ ዕርቂ ሽማግለ ናብ ህዝቢ ጀበርትን ህዝቢ ኤርትራን ዝወጸ ደምዳሚ ኣዋጅብመጀመርታ

بسم هلل الرحمن الرحیم

ንህዝቢ ጀበርትን ብፍላይ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ዕዙዝ ሰላምታ ነቕርብ፡ ኣስዒብና ነቲ ብስም ናይ ዕርቂ ሽማግለ ናብ ህዝቢ ጀበርትን ህዝቢ ኤርትራን ዝተዘርገሐ ደምዳሚ ኣዋጅ፣ ትሕዝትኡ ምስኣንበብና ከም ኣባላት ናይታ ሽማግለ ንዓና ወኪሉን ተዘርጊሑ ስለዘሎ ይትንክፈናን ይምልከተናን ስለዝኾነ እሞ ከኣ ብስም ኩላትና ኣባላት ሽማግለ ወጺኡ ብምህላዉ ብሸለልትነት ኸንሓልፎ ፍጹም ሕልናና ዘየፍቅዶን ናይ ትሽዓተ ወርሒ ታሪኽ ሽማግልና ምብልሻውን ብምዃኑ ዓይንና ዓሚትና ክነሕልፎ ኣይካኣለን።

እዛ ሽማግለ ብግላዊ ተበግሶ ኣባላታ ዝተበገሰትን ካብ ዝኾነ ትካል ህዝቢ ጀበርቲ ወይ ማሕበራት ጀበርትን ግለሰባትን ንኽትሽምግል ውክልና ዘይነበራ ምዃና ኩሉ ክፈልጦ ዝግባእ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ኣባላታ ሙሉእ ብሙሉእ ነበርቲ ከተማ ርያድ እዮም። ከምቲ ኣብቲ ጽሑፍ ብምግናን ተጠቂሱ ዘሎ ካብ ደማምን ስዊድንን ኣባላት ከምዘይነበሩዋ ክንሕብር ንፈቱ። ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ናህዳ ተረኪቡ ዘሎ ኩነት ንህዝቢ ጀበርትን ህዝቢ ኤርትራ ዘሰንበደን ብግዱሳት ሃገራውያን ጻዕርታት ብምክያድ ንምፍታሑ ብማለት ብዕለት 18/11/2016 ዓሰርተ ሰለስተ ኣባላት ዝሓዘት ሽማግለ ኣብ ከተማ ርያድ ቆይማ።

ካብዚ ዕለት እዚ ጀሚራ ካኣ ኣጀንዳኣ ሰሪዓ ዓሙቕ ክትዓት ድሕሪ ምክያድ ዝተፈላለየ ኣገዳስቲ መበገሲ ነጥብታትን ሪኢቶታትን ድሕሪ ምእካብ ስራሓ ንኸተሰላስል ተበገሰት። ካብቲ ኣገዳሲ ነጥብታት ዘመዝገበቶም፡

o ካብ ኣቐዲማ ሽምግልና ጀሚራ ዝነበረት ሽማግለ ነጥብታት ምእካብ፡

o ነጥብታት ፍልልይ ንምግምጋም መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ኣገዳሲ ሪኢቶታትን ምድላው፡

o ንጅምሮ ዘሎና ጉዳይ ከቢደን ነዊሕ ግዜ ክውስድ ከምዝኽእልን ኣሚንና፣ ብሓላፍነትን 

ብትዕግስትን ብምስጢር ምዕቃብን ብምርድዳእን ኣብ መጨረሽትኡ ንኸነብጽሖ ብሓባር            ተመጻቢዕና።

ኣብላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ነጥብታት መበገሲ ብምግባር ከኣ ብዕለት 29/11/2016 ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ናብ ክልቲኦም ተሰዲዱ። ናይ ጽሑፍና ትሕዝቶ ዝነበረ፡

o ናይ ምሽምጋል ጠለብ ምቅባሎም ንኽሕቡሩና፡

o ወዳእ ነገር ብዕሊ ከፍሉጡና፡

o ዝካየድ ርኸክባት ብጽሑፍ ክኸውን ምሕታት፡

o ንራኸበሉ ፈላሚ ዕለተ ኣኼባ ምውሳን፡

ናይ ዕድመ ጽሑፍ ድሕሪ ምልኣኽና ክሳብ ዕለት 18/12/2016 መልሲ ስለዘይረኸብና ብዕለት 24/12/2016 ዳግማይ መዘኻኸሪ ደብዳቤ ለኢኽና። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ሽምግልናና ከምተቀብሉዎን ክራኸቡና ድልዋት ምዃኖምን ብስልኪ ድሕሪ ምርግጋጾም ምስኩሎም ርኽክባትና ብዘውጻእናዮም ነጥብታት ከምእንኸይድ ተሰማሚዕና ተበጊስና። ንክልቲኦም በብማዓልቱ ረኺብና ኩነታት ኣበጋግሳ ሽማግለ ድሕሪ ምግላጽ ቀንዲ ዕላማ ሽማግለ ነቲ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘይምርድዳእን ምግርጫውን ተረኺቡ ዘሎ ኣብ መቀራረቢ ነጥቢ ንምጻሕ እዮ።

ብተወሳኺ ብሓደ ኮንካ ምቅላስ ኣገዳስነቱ ከቢድ ምዃኑ ኣባላት ሽማግለ ብትሪ ኣረጋጊጾም። ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሰልፊ ነዚ ተረኺቡ ዘለ ኩነት ንኸይንበጽሕ ኩሉ መዳያት ተጠቂምና ክንዕወት ኣይካኣልናን።

እቲ ጉዳይ ኣብ ከምዚ ዘብጽሕ ምኽንያት ኣይነበሮን። ኮፍ ኢልና ንኽንዛራረብ ብዙሕ ሓቲትና ዕድል ክንረኽብ ኣይካኣልናን። ኣብ 2015 ኣርባዕተ ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት ነበር ውጽኢት ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት ኣይንቅበልን ብማለት ዝጀመረ ጉዳይ ኣብ ጥሪ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ ምርድዳእ መንገዲ ዓጽዮም ብኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ነበር ምሳና ትኾኑ ወይ ኣይንፈልጠኩምን ዝብል ቃል ድሕሪ ማለት ጉዳዩ ናብ ማእከላይ መሪሕነት ተመሓላሊፉ። ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ብወገኑ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ ብሕጊ መሰረት ውሳኔታት ተወሲዱ።

ዝተወስደ ውሳኔ ክሳብ ሳልሳይ ጉባኤ ምንባሩን፡ ንሳልሳይ ጉባኤ ክካፈሉን ጉዳዮም ኣብ ጉባኤ ንክዝረበሉ ጻዋዒት ተገይርሎም ከብቅዕ ከም ዘይመጹን፡ ድሕሪ ሳልሳይ ጉባኤ እውን ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕድል ተዋሂብዎም ከብቅዕ ዝተዋህቦም ዕድል ከምዘይተጠቀሙሉን ሓቢሮም። ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ዝኮነ ውሳኔታት ብማእከላይን መሪሕነትን ፈጻሚት ኣካልን ከም ዝውሰድ እቲ ዝላዓለ ኸኣ ኣብ ጉባኤ ዝተወሰደ ውሳኔ ምዃኑን ክስገር ከም ዘይክእልን ኣትሪሮም ሓቢሮም።

ብኣንዋር ኢብራሂም ዝምራሕ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መደረ ኣመጻጽኣ ሓው ዓ/ራሕማን ኣብ መሪሕነት ሕጋዊ ከምዘይነበረ፡ ተረኺቡ ዘሎ ኩነት ናቱ ውጽኢት ከምዝኾነን፡ ንገለ ገለ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ናይ ተረኺቡ ዘሎ ሓላፍነት ምስካም፡ ሰልፊ ብሕጊ ይኸይድ ከምዘይነበረ፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ከይሓበረና ንርያድ ሓሊፉ ዝኣመሰሉ ነጥብታት ጠቂሶም።

ብተወሳኺ ሽማግለ ዝብልዎ ኩሉ ብዘይገለ ምቅዋም ክቅበሉዎ ምዃኖም ገሊጾም። ኣብዚ ከይጠቀስናዮ ክሓልፍ ዘይግባእ ነገር ድሒሩ ዝመጸና ሓበሬታ ሓው ኣንዋር ኢብራሂም ነቲ ዘይሕጋዊ ዝበልዎ ናይ ሓው ዓ/ራሕማን ኣመጻጽኣ ኣብ መሪሕነት ዝበሎ ዘሎ ባዕሉ ኣብቲ ኣብ 2012 ዝተኻየደ ጉባኤ ከም ኣቦ መንበር ኣማራጺት ኮሚቴ ኮይኑ ባዕሉ የካይዶ ከምዝነበረ ክንፈልጥ ክኢልና።

ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕትን ኣባላት ፈጻሚትን ከም ዝነበሩ ረሲዖም ብሕጊ ንኸይድ ኣይነበርናን ማለት ኣበይ ንምብጻሕ ምዃኑ ተረዲእና እኳ እንተነበረ እታ ሓቂ ዓው ኢልና ክንዛረባ ኣይካኣልናን፣ እዚ ክንሽፍኖ ዘይካኣል መሪር ሓቂ እዩ።

ሽማግለ ኩሉ ድሕሪ ምስማዓ ስራሓ ነቲ ዝተረኽበ ተረክቦ ብእዋኑ ንምእላይን ናብ ንቡር ቦትኡ ንምምላስ ምዃኑ ከይረሰዓት ዓወትን ፍሽለትን ከጋጥማ ከምዝኽእልን ኣሚና ተካይዶ ኣኼባታትን ውጽኢቱን ብምስጢር ኽክዕቀብ ከምዘለዎን ብናይ ሓባር ድምጺ ተሰማሚዓ ኣኼባታታ ከተሰላስል ጀመረት። ይኹን እምበር ካብ ምትእትታው ናይ ገለ ገለ ዘይኣባላታ ከምዘይሰለመት ድሒርና ክንፈልጥ ክኢልና ኢና።

ኣብዚ ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝካኣል ጭብጢ ብኣንዋር ኢብራሂም ትምራሕ ሰለስተ ኣባላት ዝሓዘት ሽማግለ ንኢትዮጵያ ከይዳ እግሪ መንገዳ ምስ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺባ ኣብ መበገሲ ስምምዕ ነጥብታት በጺሓ ድሕሪ ምምላሳ ሽማግለ ለይትን ማዓልትን ንክትበጽሖ ትጽዕር ዝነበረት ነጥቢ ባዕሎም ብምብጸሖም ህላውነት ሽማግለ ኣድላይነት ከምዘይብሉ ብምርዳእ ሽምግልና ካብዚ ንላዕሊ ክትኸይድ ከምዘይክእል ብምርዳእ ስዒቡ ኣብዝተኻየደ ኣኼባ ብዝበዘሐ ድምጺ ሽምግልና ደው ክትብል ከምዘለዋ ተሰማሚዓ።

እቲ ብዝበዘሐ ድምጺ ዝተወሰነ ውሳኔ ብዋና ጸሓፊ ሽማግለ ዝጻሓፍ ደብዳቤ ብኣቦመንበር ሽማግለ ንኽልቲኦም ንኽዋሃብ ተሰማሚዕና ሽምግልና ኣብቂዕና። ኣቦ መንበር ሽማግለ ብወገኑ ነቲ ደብዳቤታት ኣብጺሑ። እንተኾነ ግን በቲ ጎናዊ ምትእትታዋት ዝበልናዮ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ኣቀዲሙ ብዋትስኣብ ተዘርጊሑ። እታ ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ተዳልያ ምስመጸትና ተቃዊምና ንኸይትወጽእ እውን ብተሪር ኣማሕጺና ኔርና።

ኮይኑ ግን ካብ ምውሳእ ደው ኣይበለትን። ሽማግለ ስራሓ ደው ምሰ ኣበለት ብሓላፍነት ዘይስምዖም ሰባት ዳግማይ ቃላት ኣመቓቒሮም ዝተገብረ ከምዘይተገብረ ዝተባህለ ከምዘይተባህለ ገይሮም ጎናውን ዘይተባህለን ዘይኮነን ካብ ስምምዕን መትከላትን ሽማግለ ወጻኢ ዝተኻየደ ጽሑፍ ብምዃኑ ንኹልና ኣባላት ሽማግለ ዘይውክል ምዃኑ ክንሕር ንፈቱ። ሽምግልና ኣማና እዩ ካብ ወገንን ምትእትታውን ነጻ ኾይኑ ክሰርሕ ከምዘለዎ እንዳማሕጸና ሓበሬታና ነብቅዕ።

ኣባላት ሽማግለ ርያድ

ሽማግለ ርያድ፣ ካብ ስዊድንን ደማምን ኣባላት ከምዘይነበራ ዳግማይ ክንሕብር።

መስከረም 29-2017

We use cookies to improve our website. More details…