ፍትሓዊ ኩን፡ ነቲ ትኣምነሉ ድማ ኣብ ከውሊ ኮይንካ ዘይኮነ ዝባንካ ቀሊዕካ ተቓለሰሉ

Print

 ፍትሓዊ ኩን፡ ነቲ ትኣምነሉ ድማ ኣብ ከውሊ ኮይንካ ዘይኮነ ዝባንካ ቀሊዕካ ተቓለሰሉ

 ዘይቅኑዕ ባህሪ ወኒንካ ክንስኻ ንካልኦት ባህሪኹም ኣርሙ ኣስተኻኽሉ ኢልካ ክትምዕድ፡ ክትከስስ፡ ዘይንቡር

ወይ ድማ ከኣልክዎ ኢልካ ትብሎ ተበላጺ ኣረኣእያን’ዩ። ከም’ቲ ዘይብሉ ኣይልግስ ኣየለቅሕ ዝበሃል፡ ህዝባዊ
ደርባዊ ባህርን ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ዘይብሉ፡ ውልቀ-ሰብ፡ ጉጅለ ድዩ ውድብ ንምድንጋር እንተዘይኮይኑ፡
ብሓቂ ህዝባዊ ሓልዮት ሓዲርዎ፡ ጠቕሚ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ትካላዊ ኣሰራርሓን ተረዲእዎ፡
ዝሓሸ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ክጠልብ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብሓጺሩ ንዘይቅኑዕ፡ ቅኑዕ ኣይመኻይዱን።


ዘይህዝባዊ ወይ ዓማጺ፡ ወሳንነት ህዝብን ልዕልና ሕግን ከንግስ ኣይቃለስን። ስለምንታይ? ኣይእምነቱን።
ኣይናቱን። ስለዝኾነ ከኣ ዋላ ብልሳኑ ብዛዕባ ህዝባዊ ወጽዓን ኣድላይነት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን
ኣሰራርሓን ክዛረብ እንተተሰምዐ፡ ውሽጣዊ ደርባዊ ፖለቲካዊ ተፈጥሮኡ ዝዓደሎ እቲ ህዝብታት ከም
ህዝብታት ዘይፍትውዎ፡ ዝኹንንዎን ዝቃለስዎን ዘይቅኑዕ ኣንፈት ደኣምበር፡ ንሳቶም ዝደልዎ፡ ዝርብሕሉን
ዝቆጻጸርዎን ሓባራዊ ማዕርነታዊ ተጠቃምነትን ውሳንነትን ዘፍቅድ፡ ቅኑዕ ኣንፈት ክኽተል ኣይክእልን።
ስለዚ ከኣ ነቲ ዘይቅኑዕ ግን ከኣ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ዘሎ ናይ ዓፈናን ገበተን ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ተኪኡ
ዝሰርሓሉ ባይታ ንምፍጣር ደኣ ይጽዕር ‘ምበር፡ ብግልባጡ ጸረ-ደርባዊ ኣረኣእያኡን ጠቕሙን ዝኾነ ቅንዕናን
ፍትሕን ከንግስ ክስለፍ ትጽቢት ኣይግበርን። 

ስለዚ ዝኾነ ውልቀ-ሰብ፡ ጉጅለ፡ ማሕበራዊ ሓይሊ፡ ውድብ፡ ኣውያት ህዝቢ ይሰምዕ’የ፡ ብስቓዪ ህዝቢ
ይሳቐየ፡ ጸረ-ምልካዊ ስርዓትን ኣዕናዊ ፖሊሲኡን ፋሽሽታዊ ተግባሩን’የ። ብውሕዱ ሰላም ንምምጻእ፡ ህዝቢ
ካብ ምብትታንን ብርሰትን ንምድሓን፡ ህዝባዊ ንቕሓትን ህዝባዊ ሕገ-መንግስታዊ ሰነድን ዝዋሕሱ፡ ሕብረ-
ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምምጻእ እቃለስ ኣለኹ ዝብል እንተደኣ ኮይኑ፡ ሓቅነቱን ፍትሓውነቱን
ዘረድእ ንሓሳቡ ብተግባር ከሰንዮ ኣለዎ። ሓሳቡን ተግባሩን እንተዘይተጠዓዒሙ ግን “እግርን ከበሮን በበይኑ”
ከም ዝበሃል’ዩ ክኸውን። ሓሳብን ተግባርን በበይኑ እንተደኣ ኮይኑ፡ እቲ ብልሳን ዝግለጽን መለለዪ መሰረታዊ
ውሽጣዊ ባህሪ ዝኾነ ኣረኣእያን ኣይተጠዓዓመን ኣሎ’ዩ ዘመልክት። ስለ ሰላም ዝጭርሕ ብሓሳብን ብተግባርን
ሰላማዊ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ። ስለ መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላትን ዝዛረብ፡ ንገዛእ ርእሱ፡
ንሓቀኛ ክብረት መሰረታዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ደው ዝበለ ንምዃኑ ክንዮ ቃላት ብተግባር
ክዋስኣሉ ክዋደቐሉ ይግባእ። 

በረኣእያኻ ዜጋታትን ህዝብታትን ንዘልዕልዎ ቅኑዕ ሕቶ ሰብኣዊ ክብረት ድዩ ደሞክራስያዊ መሰል እናኮነንካ፡
ዘይትሕዝቶኡን ዘይስሙን ሂብካ ብትሕቲ ሃገርነት እናኸሰስካ፡ ነቲ ብቃልስን መስዋእትን ዝተሃንጸ ኤርትራዊ
ሃገራዊ መንነት ክትብልልን ነበረ ክትገብርን ኣንፈት ሃገራዊ ሰራዝነት ተኸቲልካ እናሃለልካን ዘመን ኣምጸኦ
ዝተራቐቐ መራኸቢ ብዙሓን ተበሊጽካ ኣነ ደላዪ ፍትሒ’የ፡ ጸረ-መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ’የ እናበልካ
ምምዳር፡ ምጽሓፍ፡ መግለጺ ሕልና ኣልቦ በለጽ’ዩ። ፍትሓዊ፡ ህዝባዊ፡ ደሞክራስያዊ፡ ማዕርነታዊ ኣረኣእያ
ዘለዎ ዜጋ፡ ጉጅለ- ማሕበራዊ ሓይሊ፡ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ንእምነቱ ዝባኑ ቀሊዑ ብዓውታ ከይገልጽ ዘሰክፎ
ወይ ዘሕፍሮ ነገር የለን። እዚ ቅኑዕ ኣረኣእያ’ዚ፡ ብዘይካ ጸረ-ህዝቢ መንግስታዊ ጉጅለ ብቐረባ ኣብ ዝቆጻጸሮ
ቦታ፡ ኣብ ካልእ ተሓቢኡ ታሕቲ ታሕቲ ክኸይድ ዝግደደሉ ምኽንያት የለን። ቅኑዕን ህዝባዊ ተቐባልነት
ዘለዎ ኣረኣእያ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኩሉን ብቕሉዕን’ዩ ክዝረበሉን ክስረሓሉን ዘለዎ።

ፈይስ ቡክን ፓልቶክን ካብ’ቶም ሳይንስን ተክኖሎጂን ዝፈጠሮም፡ ኣብ በበይኑ ሃገራትን ቦታታትን
ዝቕመጡ፡ ደረጃ ትምህርቶም ኮነ ቁጠባዊ ትሕዝቶኦም ዘይራኸቡ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሓደ መድረኽ
ተራኺቦም ኣብ ዘገድሶም ኣርእስታት ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ ዕድል ዝፈጠሩ፡ ምዕቡላት
መራኸቢታት’ዮም። ንፈጠርቶም ወይ መሃዝቶም ከኣ ምስገና ይብጸሓዮም። ውጽኢት ሳይንስን ተክኖሎጂን
ዝኾኑ መራኸቢ ብዙሓን ፈይስቡክን ፓልቶክን ግን፡ ከም ብኣእምሮ ደቂ-ሰባት ዝተማህዙ መጠን፡ ሰባት
ዝሃብዎም ዘቃልሑን ዝምዝግቡን ደኣምበር፡ ንሓሳባት ናይ ሰባት ተኪኦም እዚ ጽቡቕ እዚ ድማ ሕማቕ
እናበለ መምዮም ዘቃልሑ ኣይኮኑን። ሕማቕን ጽቡቕን ከቃልሑ ዝውስን እቲ በዞም መራኸቢታት ዝጥቀም
ዘሎ ሰብ ወይ ሰባት’ዮም።

ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ገጻት ፈይስቡክ ክጸሓሓፉ፡ ኣብ መድረኻት ፓልቶክ ድማ
ክዘራረቡ ምርኣይን ምስማዕን ዝውቱር ኮይኑ ኣሎ። ኣጠቓቕማ ተክኖሎጂ ተመሊኹ ብኡ ገይርካ ሓሳብካ
ከተመሓላልፍ ምኽኣል ኣወንታዊ ጉኑ’ዩ። ክተባባዕ ድማ ይግባእ። እንታይ ዓይነት መልእኽቲ ተመሓላልፈሉ
ግን ክሕሰበሉ፡ ብሓላፍነት ክተሓዝ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ። ብግልጺ መንነቶም ሓቢሮም ቅኑዕን ሚዛናውን ፖለቲካዊ
ርእይቶኦም ዘቃልሑ ተቓለስቲ ዝሳተፍዎ ምዃኖም ከይዘንጋዕና፡ መንነቶም ሓቢኦም ክሳብ ሰብኣዊ ክብረት
ናይ ካልኦት ዘዋርድ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘቀሓሕር፡ ኣመንቲ ሓደ ሃይማኖት ምስ ኣመንቲ ናይ’ቲ ካልእ
ዘተፈንን፡ ንናይ ብሄርን ሃይማኖትን መልክዕ ውደባታት ብትሕቲ ሃገርነት ዝሰርዕ፡ ተስፋ ቆሪጹ ተስፋ
ዘቑርጽ፡ ናብ ሃገራዊ ሰራዝነት ዘእንፈተ መልእኽቲ ዝቃልሓሉ ብምዃኑ ግን ደው ኢልካ ምሕሳብ
ዘድልዮ’ዩ። ገለ ሰባት ፍጹም ክጥዕን ሕጋዊ ተሓታትነትን ዘይብሉ ስዲ መሳርሒ ኢሎም ዝገልጽዎ ዘለውን
ከምኡ ክብሉ ደስ ስለ ዝብሎም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ዝሓደሮም ሓላፍነታዊ ስኽፍታ
ብምብጋስ’ምበር። ስለዚ ድማ፡ ፈይስቡክ ፓልቶክን ብሰሪ ብግቡእ ዘይምጥቃም ኣብ ክንዲ ኣወንታኡ፡
ኣሉታዊ ጽልዋኡ ይዓዝዝ ስለዘሎ ኣሳተፍትን ተሳተፍትን እንታይን ብከመይ ኣገባብን እንተተገልገልናሉ
ይሓሽ ዝብል ክሓስብሉ ይግባእ።

ስለዚ ብፍላይ ኣብ’ዚ ሰላምን ፍትሕን ዝሰኣናሉ፡ ከም ህዝቢ ሓደጋ ምብትታን ከየጋጥመና ንስከፈሉ ዘለና
ወቕቲ፡ መጀመርያ ሰባት ስለ ዝኾና ሰብኣዊ ሕልና ክህልወና ይግባእ። ካልኣይ ንዓመጽ ንጽየን ፍትሓውያን
ክንከውን ኣለና። ሳልሳይ ናትና ኢልና ንኣምነሉ ፖለቲካዊ መንነት ክንውንን ኣለና። ራብዓይ፡ ንስብእናና፡
ንፍትሓዊ ርእይቶና፡ ንፖለቲካዊ መንነትና፡ኣብ ከውሊ ኮይና ዘይኮነ ብግልጺ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ተራኺብና፡
ፊት ንፊት ኣርእስቲ ብኣርእሲ፡ ርእይቶ ብርእይቶ ክንበሃሃለሉ ናብ እንኽለሉ መድረኽ ከነሰጋገሮ ይግባእ።
ከምኡ ንምግባር ከኣ ኩልኻ ብህግደፍ ተገፊዐ ንለውጢ ድማ ይቃለስ ኣለኹ ትብል ወገን፡ ፍትሓዊ ኩን። ነቲ
ትኣምነሉ ድማ ኣብ ከውሊ ኮይንካ ዘይኮነስ፡ ዝባንካ ቀሊዕካ ብእሩም ፖለቲካዊ ቋንቋ ንድሑር ናይ
ትምክሕቲ፡ ጽበትን በለጽን ኣረኣእያታት፡ ክትገርሓሉ፡ ከተቃልዓሉ ክትምክተሉ ኣለካ። ኣብ ድሕረት
ተረግሪካ ንድሕረት፡ ብትምክሕቲ ተነፍሕካ ንትምክሕቲ፡ ብፍትወተ ነብሲ ለሚስካ ንበለጽ ከተቃልዕ ኢልካ
ድማ ክትስዕር ምሕሳብ ግን ከንቱ’ዩ።


ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 17-04-2017

We use cookies to improve our website. More details…