ዕዙዝ ሃገራዊ ጻዊዒት ንደለይቲ ፍትሒ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ !!

Print

logo2

ዝኾነ ህዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ታሪኽ ኣለዎ 24 ግንቦት 2016 ኣብ ሕለፍ ታሪኹን ህለው ኩነታቱን ተሞርኪሱ ድማ መጻኢታቱ ይእንፍት፣ ሕብረተ ሰባት ዝውንኑዎ ክብርታትን ወግዕታትን ባህሊዊ ጭዋነትን ሃገራውነትን

ካብ'ቲ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኦም ዝነቅል’ዩ። ሰለ ዝኾነ ድማ እቶም ንሰላማዊ ቃልሲ ኣንጻር ገዛኢ ኣትኪሎም ዝቃለሱ ዝነበሩ ናይቲ ግዜ`ቲ መንእሰያትን ዕላማ ዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ ንኸይሃስስን ናብቲ ሓቀኛ ናጽነት ፍትሕን ዲሞክራስን ንክንበጽሕ እቲ እናሻዕ እንሓስበለን ንሓዋሩ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰረተ ዘይብለል ታሪኽ እምብታነት ኒሕን ጀግንነትን ቀዳሞት ኤርትራውያን ምልስ ኢልና ምስ እንሪእዮ እዩ።

ነዚ ድማ ብምልኣት ኣፍልብና ነፊሕና እንኾርዓሎምን ሓያል ናይቲ እዋንቲ ቅያታት ኣንጻር ባርነት ቃልስታት ታሪኽ ብናይ ሽዑ መንእሰያት ናይ ሎሚ ኣቦታትናን ኣባሓጎታትናን ዝወነና ምዃና ከም እንንየተሎም ርጉጽ እዩ፡ ይኹን እምበር ነቲ ዝነበረ መድረክ ሰላማዊ ቃልሲ ሕቶ ንናጽነት ኣብ ምዕምባቡ ብውዲት ዕሱባት ምስ ተቖጽየ ንምህናጹ በቶም ነይቲ ግዜቲ ደለይቲ ፍትሕን ናጽነትን ኣቦታት ብሓያልን በዳህን ኩነት ዳግማይ ምትካሉ እኳ እንተተፈተነ ሰላማዊ ቃልሲ ናይ ምምላስ ተኽእሎታት እናጸበበ ኣብ ዘይካኣለሉ ድረጃውን ተበጸሓ፡ በዚ ድማ ዕጥቃዊ ቃልሲ ግድነታዊ ናይ መወዳእታ ምረጫ ሙዃኑ ብምስማር ናጽነት ንምድሊይ ብቕልሲ ጅግና ኣቦና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ናብ በረኻታት ብምውፋር ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ።

ኣብዚ መድረኽ`ዚ እውን ኣንጻር ሕሱምን ጨቛንን ባዕዲዊ ገዛኢ ምስ ኩሇንተናዊ ገዚፍ ዓቕምታቱ ከይተዲህሇ
ብምግጣም እዚ ውሊዴ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዲሊይ በጃ ህዝቡ ዘይጽወር ዝጾረ ኣብ ኣጻምእን ምዴረበዲን ኣብ ጎቦን
ስንጭሮን ኣብ ደርን ገዯልን ከርተት ከይኣኽሎነታ ዝውንና ሓንቲ ህይወቱ እውን ከይበቐቐ ንናጽነት ሃገር
ዘወፈየ፡ ጅግና በጃ ህዝቡን ሃገሩን ብወርቂ ቀሇም ታሪኽ ክውንን ዝኸኣሇ፡ ወራሲ ሕዴሪ እዞም ሙዑታት ጀጋኑ
ኣቦታቱ ምዃኑ እምበር ካልእ ምስጢር ስሇ ዝነበሮ ኣይኮነን። ስሇ ዝኾነ ዴማ እዩ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ልዑል
እምነት ዘንበረለን ተቃሊሳዩን ክንዱ ልሳኑ ዝኾኖ በሉሕ መስተውዓሉ ለኡኹን ሓርበኛ ዉለዴን ዝኾነ
ብዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ ነዚ ዕለት’ዚ ክበቕዕ ዝኻኣለ።

ይኹን እምበርእዛ ዕለት’ዚኣ ንህዝቢ ኤርትራ በቶም ነዚ ዉፉይ ጅግና መሪሖም ዝመጹ ናይ ሽዑ መሪሕነት
ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እቲ ካብ መፈጠሩ ብሽርሒ ዝነቐለ ብውዲት ዝበስበሰ ናይ ተንኮል ኣጀንዳ
ዝተወጥሓ ዕሱባትን ጠላማትን ብደም ህዝቢ ዝጨቀዉ መሪሕነቱ ጥልመት ዝተፈጸመላ መዓልቲ ኮይና ጥራይ
ዘይኮነስ፡ ናይ ማዕርነትን ሓርነትን ሕቱኡ ተመንጠለላ፡ ናይቲ ካብ ኣቦታቱን ኣባሓጎታቱን ሂወቱን ንብረቱን፣

ዝኸፈለ ጡሙሑ ተኾሉፉ ብኣስገዲድ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ባርነት ተሸመመሉ መዓልቲ’ያ፡ ብምዃና ድማ ከይፈተወ ዳግማይ ናብቲ ነዊሕን መሪርን ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ብድምር ክከፍልን ክኣቱን ተፈረደላ ዕለት እውን እያ ኔይራ ክባሃል ይከኣል።

እወ!!  ከምቲ ዘይሓሰብካዮ ርኸብ ኣይመርገም ኣይምረቓ ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ድቦሊዊ
ሓደጋታት ኣብ ትሕቲ ሩኡይ ጥልመትን ውሽጣዊ ባርነታዊ ጭፍለቓ ብደዔን ዓመጽን ተሸሚሙ። እቲ ሃገራዊ
ናጽነት ክረጋገጽ ናብ ሜዲታት ኤርትራ ዝወፈረ ሓርበኛ ሓይሉ ክንዮ ምብራር መግዛእታዊ ስራዊትን ምርግጋጽ
ሃገራዊ ናጽነትን ንህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ዝሓለፈ ውጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ዝድብስ ዓይነት ከመይነትን ኣተሃናንጻን
መንግስታዊ ስርዓት ዛዕባታት ሓርነታዊ ዲሞክራስያዊ መሰሊትን ዉሑስ ከይገበረ ሕጹይ መስዋእትን ገንሸል
ናጽነትን ጥራይ ክኸውን ከምዘሇዎ ጥራይ ተገይሩ።

በዚ ድማ ንኣስታት ርብዒ ዘበን ድሕሪ ምእዋጅ ሃገራዊ ነጻነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ክብሪ ስኢኑ፡
ፖለቲካውን ሰብኣውን መሰላቱ ተነፊጉ፡ ኣብ ትሕቲ ዳግማይ መግዛእትን ባርነትን ገባቲ ስርዓት ዝነብር ዘሎ፣
እቲ ጠላሚ ህዝቢ ዝተኸተሎ ግጉይ ስርዓተ ምሕደራ ንምልካዊ ስልጣኑ ዘገልግል ካብ ዝደኯኖ ኣዕናዊ ፖሉሲ፡
ገለ ክንሪኢ እንኮሇና ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውዴባት ሓሸውየ ኣይነፍቅድን፡ ህዝቢ ጀበርቲ ዝባሃል
ኣይንፈልጥን ብሄርነት ህዝባዊ ግንባር እዩ ዝዕድል፡ ኣነ እየ ፈራዲ ኣነ እየ ሓጋጊ ብምባል ሰባት ብዘይፍርዲ ክእሰሩ
ክቕተሉ ኣለዎም፡ ባሓቲ ንግዲዊ ንጥፈት ኤርትራ ናይ ህዝባዊ ግንባር እዩ (09)፡

እዚ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ኤርትራዊ ኣስዒብዎ ዘሎ መሰረታዊ ሽግራትን ፈጢርዎ ዘሎ ዓቕሉጽበትን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ኣብኩሉ ቀጸሊታት ሃገር ኣተኣታትይዎ ዘሎ ሰብኣውን ማተርያሊውን ዕንወትን ብርሰትን ጥራይ ከይ ኣክል መንገዲ ሰላምን ርግኣትን ብምዝራግ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ከይተረፈ ብሰላም ክነብር ዘይክኣለ ብኩሉ መዳይ ነታ ሃገር ናብ ሓዯጋ ምብትታን ኣእቲዋ ምህላዉ ንማንም ኤርትራዊ ዘይንገር ሓቂ እዩ። እዚ ድማ በብተርታ ንኩሉ ኤርትራዊ በጺሕዎ ዘሎ እኳ እንተኾነ በተዓጻጻፊ ኣብ ብሄረ ጀበርቲ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ብትንታነ ክረኤ እንከሎ ግን ድርብ ምስ ማንም ዘይዳረግ ሙዃኑ ይበርሃልካ

ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተጋዲሊይ ፖለቲካዊ ብስለቱን ከየስፈሓ፡ ሕቡኣንን ሰብ እከይ ሕልምን ራእይ
ብምቅላስ ኣብ ውሽጢቲ ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ'ቲ ግንባር ንድፊ ባርነት ብምስኣል
ብሱዉራት ኣባላትን ስዉራት ትካላትን ነቲ ቃልሲ ኣብ ውሽጡ ጉጅለኣዊ ጃናዳ ብምኹማር ነቲ ደም ራሃጹን
መስዋእቱን ዝኸፈለ ዝበዝሓ ኣካል ገድልን ሓፋሽ ህዝብን ናይ ምጥላም ዝነበረ ኣካይዳ ዝተዓዘቡ ገባቲ ስርዓት
ናብ መንገዲ ጥፍኣት ዳኣ እምበር ናብ ሰላምን ዲሞክራስን ከምዘይብጽሕ ብምርዳእ ካብ ውልቀ ሰባት ክሳብ
እቲ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዓገብ ብምባል ብተግባር ዝምስከሩ ክኽኾኑ እንከለዉ፡ ምስክርነቶም ድማ ገንሸል ደቂ
ህዝቢ ዝኾኑ ካብ ግዜ ሓርነታዊ ገድሊ ዝጀመረ ክሳብ ከም ወዲ ዓልን ካለኦትን በቲ ግበታዊ ስርዓት
ዝወሰዶም ናይ ምቕታል ምሕቃቕን ሱጉምትታት ንዘልኣለም ዝዝከሩ ኣያታት ታሪኽ ሙዃኖም ኣምሰኪሮም
ሓሊፎም እዮም።

እዚ ድማ እቲ ስርዓት ሕልሚ ጸሊም ኣጀንዳታቱ ንምቕጻል ስልጣን ንምብሓትን ውልቀ መሊኽነት ንምንጋስን ብመራሒ ጉጅለ ግበታ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተሃንደሰ ሕጊ ኣልቦነት ከም ቀንደ ተጠቃሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብራስ ዝዓለመ ኣዋጅ ጥፍኣት ዝረኤ ኮይኑ ብቀደም ተኸተል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ወለዶ ንርብዒ ዘበን ዝዘነቡ ፍጹማዊ በደላት መጸባጽብቲ የብሎምን። ብኸፊል ገለ ንምባል ምድኻም ሃገራዊ መንፈስን መንነትን ፈላላይይ ተጻብኦ ሓድነት ዘይፍትሓዊ ዂናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ሳዕቤናቱን ግዱድ ዕስክርናን መላእ ሕብረ-ተሰብ ናብ ዓስከር ናይ ምቕያር ንድፍታትን ብመስርሕ ምዝመዛ ነጻ ጉልበት ምግባት ኩሎም ሽቕለታትን ኣቢልካ ብድኽነት ነቲ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ማሓውርካ ብምእታው ዝሰረተ ውጽዓ፡ ነቲ ተቓሊሱ ዘቃለሰ ህዝቢ ብቀይዲ በተኽነትን ሕጊ ኣልቦነትን ስቕታት ለኡምነትን ብምንጋስ ምብኻን ኣእምሮን ስደትን ብልሽውናን ምርሳይ ጸጋታት ሃገርን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ጥፍኣት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረድ ኣደራዕ’ዩ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘበን።

እንተኾነ ብወገን ደላይ ፍትሒ ዲሞክራስን ነዚ ግበታ ንምምካትን ንህዝቢ ንምድሓንን እንታይ ተገብረ ዝብል
ነዚ ንምምላሽ ድማ፡ ውድባት ሰልፍታት ሲቪክ ማሕበራት ውልቀሰባት ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ እከይ ሕልሚ ጠለምቲ ህዝቢ ዓገብ ብምባል እዚ ዘይባሃል ኣወንታዊ ቃልሲ ዘካየደ ክኾኑ፡ ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ግን ብፍሊይ ፖለቲካውያን ሓልይታት ዘካየድዎ ቃልሲ በዳሂ ኔይሩ ክባሃል ይካኣል እዚ ድማ ኣብዛሓ ውድባት ኣብ ቃልሲ ካብቲ ዝነብረ  ኣወንታዊ  ሕለፍ ተመክሮ ተበጊሰን ነቲ ዝብጻሕ ዘይመስል ዝነበረ ብዘተ ፍልልያት ምጽባብ ከምዝካኣል ብነዊሕ መሪርን ተደጋጋሚ ምፍንጫሊትን ዝበጸሖኦ ነቲ ናይ ግርጭት ኣፈታትሓ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ መርሆ ብምኽታል ክሳብ እዚ ጉዕዞ ዝበጻሓሉ ኮይኑ ኣብ ካላኣዊ ፍልልያት ግን ገና ተታሒዞም ይርከቡ፡፣           

ነቲ ቃልሲ ናብ ዛዛሚ ሽቱኡ ንምብጻሕ ብሓድነት ካብ ካልኣዊ ፍልያያት ንክወጹ ግን ናብ ማህደር ታሪኽ ኣቦታት ብምምላስ ከምቲ ቀዳማይ ሱዉእ ኤርትራ ኣቦና ሸክ ዓብዯልቃድር ከቢረዝ በልዎ'' ካብ ሽሕ ዓመት ውርደት ሓንቲ ዓመት ብኽብረት ምንባር ይበልጽ '' ዝብሎ መሰልን ክብረትን ብመሪር ቓልሲ ጥራይ ከምዝረጋገጽ ኣሚኑ ነብሱን
ብጾቱን ብኒሕ ዝነቐሎ፡ ነቲ ኣብ ዝባን ህዝቢ ዘሎ ውጽዓ ጠለምቲ ውሽጣዊ ባርነት ንምእላይ ታሪኽ ኒሕን
እምቢታት ቕርሲ ኣቦታትካ በርቢርካ እምቢ ንምልክን ባርነትን እምቢ ንሕሱር ባርነት ሕሱም ጊሊነት ትብል`ዶ?
ወይስ ኣብ ነብሲ ፍትወትን ተበላጺ መንፈስን ወዲቕካ ነታ ትዓኑ ዘላ ቤትካ ቤት ቃልሲ ቤት ክብረትን ቤት
ጽውነትን ቤት ሓድነትን ቤት ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ምእንታኻን ምእንታኣን ዝሓለፈ ነዊሕን ረዚንን ጉዕዞ
ዝተኸፈሎ መሪር ቃልሲ ብሓደ ቅልጽም ንጠላሚኻ  ምህራም ዘብቓዓኻ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ራሕሪሕካ
ዳግማይ ብጎጆ ውድብ ጥራይ ተመሲጥካ ጉዕዞኻ ብምስንኻል ናብቲ ንኽትዛረበሉ ተምሳጥ ዘይብለ መሪርን
ኣሰቃቕን ጉዕዞ ስደት ቀዲምካ ተውሳኽ እቲ ስርዓት ሓደስቲ ወለዶ ውለድካ ጠርኒፍካ ዝቀዳደሙሉ ዘለዉ
ኣቢልካ ኣብቲ ቤት እንዳማትካ ርዝነትካ ነኪኻ ከም ዝበለኻን ከምዝደለኻዮን ዘይምቹእ ናብራ ክትነብር
ትሕልን?

ኣይፋልካን ! ህዝቢ ኤርትራ ብፍሊይ ድማ ፖለቲካዊ ሓይልታት ገጽካ ድኣ መልስ ዘይወግሕ ጸላም የለን'ሞ ንስለ ሓድነትካ ድሕነት ህዝብኻን ንምውሓስ ኩሉ ሓይልታት ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣንጻር ግበታ ብሓባርን ብወለንታን ካላኣዊ ፍልልያት ብምስጋር ከም መበገሲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብምግባር ነቲ ዝተረፈ ሓይልታት ብምጥማር ነዚ ኣፍ ሞት ዘሎ ስርዓት ዳግማይ ከምዘይትስእ ንምስባሩ እቲ እንኮ መፍትሒ ሓድነት ደለይቲ ለውጢ እዩ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ይኸውን ብምባል’ዩ ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ ምስ ኩሎም ኣባላቱ ብሙዃን ብዘይሕለል ቃልሱ ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነቱ ከበስር ዝጽዕት፡ ንኽዕወተሉ ድማ ናይ ኩለን ሓይልታትን ወለንታ ንሓድነት ንክረክብ ከይደቀሳ እንዳሰርሓ፡ ንኹለ ናይ ውሽጥን ናይ ዯገን ተጻቦታት ብምምካትን፡ነቶም ኣብ ጎኒ እቲ ግበታዊ ስርዓት ኮይኖም ብስቓይ ህዝቦም ዝዛነዩ፡ ብድመ-ርሃጹ የሽካዕልለ ዘለዉ እዉን ብምኹናን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምውሓስ ሎሚ እውን ከቢድ መስዋእቲ ክኸፍል'ዩ።


ኣብዚ ኣጋጣሚ ብምግባር እውን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ዘቕርቦ ጻዊዒት ፋሽስታዊ ምስልን
ኣረመናዊ ፍጻሜታትን ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን ስርዓት ህግደፍ እዚ ካብ ኮነ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምላሽካ? 
ፍለጥ`ዩ፡ ኣይፋል ንምልኪ ምስበልካ ንታሪኽን ሕድርን ዝወርስ ባህርን ንባርነት ኣብ መሬትካ ዘይቅበል
ኣእምሮ ዝነበሮ ተባዕ ንትሕተ ሃገራውነት ዘየናሕሲ ኣካይዳን ንባዕዳዊ ገዛኢ ብግቡእ ዘለለየ ዝስዓበ ጀግንነትካ
ግዜ ከይ በለዔ ድማ ሕድሪ ክቡር መስዋእትታና ብምጽናዕ ኣብ ኣሰሮም ብምእሳር መስርሕ ቃልሲ ከይበተኽካ
ኣብ ዛዛሚ ሽቱኡ ንምዕራፍ፡ ፍትሓውን ዲምክራያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ
ዝለበሰካዮ ጋማ ብናይ ኣብዚ ኣብ ውሽጣዊ ባርነትን ግበታውን ብምድጋም 24 ግንቦት ብገዛእ ቅልጽምካ ወናኒ
መሰል ርእሰ ውሳኔኻን ናጽነትን ለኣላውነትን ኤርትራ ጋህዲ ክትገብሮ ኢኻ።


ኣብ መዯምዯምታ ኩለ ደላይ ፍትሒ እዚ ግበታዊ ስርዓት ብስንኪ ኣቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዘካይድ
ምትእትታው ንልኣላውነት ኤርትራ ካብቲ ናይ ዝሓለፉ 25 ዓመተታት ኣብ ዝላዓለ ደረጃ ኣብ ሓደጋ ኣብጺሕዎ
ምህሊዉ ቀጻልነት ናይዚ ስርዓት ድማ ክሳብ ክንደይ ንህዝብን ሓገርን ሓደጋ ሙዃኑ ብምርዳእ ሃገር ብምልእታ
ከይበጻሓ ኣንከሎ ኩሉ ዓቕምና ኣንጻሩ ብምስላፍ ንለውጢ ንቀላጠፍ፡ ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ሃገራት ዓለም
ብፍላይ ድማ ጎረባብቲ ሃገራትና ምእንቲ ቀጻልነት ዘለዎ ሰላም ቅሳነትን እዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምውሓስ
ንቓልሲ ኣንጻር እዚ ግበታዊ ስርዓት ዝወፈረ ሓይሉ ብኩሉ መደይ ሓገዝኩም ከተወፍይሉ እንዳጸዋዕና፡
ንኹሎም ዓለምለኻውያን ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ UNHCR ካልኦት ኩሎም ዝምልከቶም ትካላት… ኣብ
ውሽጢ ሃገር ኤርትራን ኣብ ስደት ን ኣብ በረኻታት ዓለም ኣብ ትሕቲ ዘይ ሕጋውያን ነጋዶ ሰብ ዝርብ ህዝቢ
ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ሰባኣውን ፖለቲካዊ ጥምየትን… ጸገማት ብኽፉት ዓይኒ ብምዕዛብ ቅልጡፍ ሓገዝ
ክትገብሩሎምን ኣብልዕሊ እቲ ስርዓት ዝከበድ ማዕቀብ ክግበርሉ ደጊምና ደጋጊምና ንጠልብ፡


ዝክርን ሞገስን ንኩሎም ሱዉኣትና !!!
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ !!!

ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ

24 ግንቦት2016

We use cookies to improve our website. More details…