ካብ መርገጻትን ጽልዋን ሸኽ ከቢረ ብምኽንያት መበል 68 ዝኽሪ መስዋእቲ ሸኽ ዓ/ቃድር ከቢረ

Print

ብኣወልኼር ዓ/ ሓፊዝ

ሸኽ ዓ/ ቃድር ከቢረ ኣብ'ታ ብፍልጠትን ብሃብትን ብሃገራውነትን ሙቅልልነትን ጸብለል ኢሎም ዝተራእዩላ ከተማ ኣስመራ፤ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ'ውን ትኹን ንመግዛእቲ ተማእዚዞምን ጃጂዮምን ካብ ዝነብርዋ፤

ሓንሳእን ንሓዋሩን በጃ ሃገሮምን ህዝቦምን ብምዃን ሰንበት 27/03/1949 ብደሞም ኣርውዮማ፤ ዘይመሓው ኣሰር ተወፋይነት ገዲፈሙላ ኣብ 47 ዕድመኦም ተሰውኡ ።

እቶም "ካብ ሚእቲ ዓመት በጊዕ ኮንካ ምንባር ሓደ መዓልቲ ኣንበሳ ኮንካ ሙማት"'ዩ ዝምረጽ ዝብል ኣብ ኩሉ መርገጻቶም ዘንጸባርቅ ዝነበረ ናይ ወትሩ ጭርሖ ሸኽ ከቢረ፤ ጸላኢ'ውን ናይ ቀልዓለም ከም ዘይኮነ ስለ ዝኣመነ፤ ከቢረ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ በጊዕ ከይኖም ከምዘይነብሩ፤
ካብ 47 ዓመት ንላዕሊ ኣንበሳ ኮይኖም ክነብሩ ምግዳፎም ከኣ ንሕልምታት ሃጼያዊት ኢትዮጵያ ምዝራግ ስለ ዝኾነ፤ እቲ ኣንበሳ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ጎደና ሰራየ ራዕ ከም ዝብል ተገብረ።

ኣንበሳ ክቅተል እንከሎ ደቂ ኣንበሳ ከምዘይዓብዩ ዝገመተት ኢትዮጵያ፤ግምታታ ጌጋ ምንባሩ ንምርዳእ ዳርጋ 12 ዓመት ወሰደላ። መሬት ኤርትራ በናብስ ተመልኤት፤ ወይጦታት (ወኻሩ) ኸኣ መእተዊኦም ጠፈኦም።

ኣብታ ግናይ ዕለት ነቲ ኣንበሳ ዝቀተለት ርኽስቲ ኢድ፤ ንደቂ'ንበሳ ንምቅታል ፍልዲፎርስ እንተበለት፡ ኮማንድስ፤ ሚግ እንተበለት F15፤ ነበልባል እንተበለት ዘማች፤ …….. እንተበለት
ክትዕወት ኣጸገማ፤ ኣብ ጎደና ሰራየ ይኹን ኣብ ኩሉ ጎቦታትን ስንጭሮታት ጎላጉልን ኤርትራ
ዝፈሰሰ ደም ተኣኪቡ ንመግዛእቲ ጸራሪጉ ክኸይድ ከኣ ግድን ኮነ።

ሸኽ ከቢረ ዝበሉዎ ዝፍጹሙን ሓያል ጸላዊ ምንባኣሮምን ካብ ዘርእይ ኣብነታት ፡-
1- ሓደ ግዜ ንምንብርካኾም ተባሂሉ ኣብ ምራራ ዝነበራ ከብቶም ከም ዝዝመታ ተገብረ'ሞ፤
ወኪል ሃይለስላሴ ኮሌኔር ነጋ/ ንሸኽ ከቢረ ንቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ድሕሪ ኣብኦም ዘለዎ ኣኽብሮት ምግላጹ፤ ተዘሚተን ንትግራይ ክሰግራ ዝተታሕዛ ከብቲ ናትኩም ምዃነን ምስ ተረጋገጸለይ፤ ከብትኹም ክምለሳኹም ምዃነን ባዕለይ ክሕብረኩም ስለ ዝደለኹ'የ ግና ንስኹም ኸኣ ኢሉ ….. ብዋጋ ናይዚ ፖለቲካዊ ሕድገት ክገብሩ ከምዘለዎም ዘስምዕ ጠለብ ምስ ኣቅረበሎም፤ካብቲ ኮፍ ዝበሉዎ ብድድ ኢሎም " እዝን እትን ፡ ፖለቲካን ከብትን እንታይ
ኣራኸቦም" ብምባል ንዝተቀድሓሎም ሻሂ ከይሰተዩ ጠንጢነሞ ኸዱ ።

2- ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ ነቲ ምስ ምምጻእ እንግሊዝ ዝተኸስተ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከም ሸኽ ከቢረ ገይሩ ዝተጓዬ ኣይነበረን።ንቋንቋታት ዓረበኛን ጣልያንን ሕጋዊ ኣስተርጓሚ ሸኽ ዓ/ቃድር ንርእሶም እንግሊዘኛ ክመሃሩ ምጉያዮም ነቲ ሓድሽ መድረኽ ብቁዕ ኮይኖም ክርከቡ ዝደለዩ ፖለቲከኛ ምዃኖም እንተላይ'ዩ ዘርኢ።

ኣብ ኩለን ኣብያተ-ትምህርታት ኣስመራ እናዞሩ ምስ መምህራንን ተማሃሮን እናተራኸቡ ስለ ኣገዳስነትን ረብሓን ትምህርቲ ይገልጹ ከምዝነበሩ፤ሕጽረት መማህራን ንምቅላል ምስ መንግስታት ሱዳን ምስሪ ከምዝተመኻኸሩ፤ ንማህደረ ትምህርቲ ንዓዲ ጥልያን ምስሪ ከም ዝለኣኹ፤ ነቶም ማህደረ ትምህርቲ ዘይረኸቡ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኢደ-ጥበብ ክመሃሩ ይደፋፍኡ ምንባሮም፤ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ክመሃራ ከምዘለወን፤ብተግባር ኸኣ
ካብቶም ቀዳሞት ኣዋልድ ደቆም ንትምህርቲ ዝለኣኹ ምንባሮም ይፍለጥ።

ኣብ ሸብሮ ተማሃሮ ማንታ ኣጋኣዝያን ዝነበረት፤ ቅድም ናይ ግሊ ቤት ትምህርቲ ደሓር ሓውሲ ናይ ግሊ ዝነበረት ኣብኣ ምምሃረይ ሓበን ዝስማዓኒ ቦነቨለንቲ (ኣስላምያ) ክትምስረት ዝገበሩን ቀዳማይ ኣማሓዳሪኣን ሸኽ ከቢረ ምንባሮም ምስ ፈለጥኩ ደስ ዘበለኒ ነገር ነይሩ።

እዞም ብትምህርቲ ብዙሕ ዝተገደሱ ብዙሕ'ውን ዝተማህሩ፤ኣብ ኩሉ ፖለቲካዊ መደረኦም ኣገዳስነት ትምህርቲ ከይጠቀሱ ዘይሓልፉ፤ "ነጻነት ብዘይተማህረ ሕብረተ-ሰብ ትርጉም ኣይለብስን'ዩ" እናበሉ ንትምህርቲ ዝጽውዑ ዝነበሩ ኣቦ፤ ንቀረባ ከባቢኦም ክሳብ ክንደይ ኮን ጸልዮም ይኾኑ ኢለ ከጽንዕ ፈተንኩ፤ ብዘለኒ ውሱን ኣፍልጦ ተበጊሰ ንብደረጃ ዶክተር ዝተመረቁ ጥራሕ መዓቀኒ ወሲደ ዝበጻሕኩዎ ከምዚ ዝስዕብ'ዩ፡-

1- ዶክተር ሳልሕ ከቢረ’ ………………………… ካብ እንዳ ሸኽ ከቢረ
2- ዶክተር ሳፊ ኢማም ………………………… ካብ እንዳ ሓጂ ኢማም ሙሳ
3- ዶክተር ጣሃ መ/ ኑር …… ……… ካብ እንዳ ሙሳ መ/ኑር ሸኽ ዓብዱ
4- ዶክተር ያሲን ኣበራ ……..........................................…… ካብ እንዳ ኣበራ ሓጎስ
5- ዶክተር መሓመድ ቁስመላህ …............................…. ካብ እንዳ ሓጂ ቁስመላህ
6- ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ……………………………….. ካብ እንዳ ብርሃኑ ኣሕመዲን

ካለኦት ዘይበጻሕኩዎም ክህልዉ ከምዝኽእሉ ግምት ኣሎኒ፡ ግና ዋላ ምስ'ዚ ግምተይ'ዚ'ውን
ካብ ወለዶ (ጂል) ከቢረ፤ ናይቲ ግዜ'ቲ ኣዕርኽቶምን መቃልስቶምን ነዚ ፍሬ'ዚ ምርኣይ ቀሊል
ኣይኮነን። ዕድመ ናይ ዝነውሔ ኣይኮነን እንተበርከተ'ዩ። ሸኽ ከቢረ ክስውኡ እንከለዉ ወዲ
47 ዓመት ጥራሕ'ዮም ነይሮም።

ኽብሪ ንኹሎም ስዉኣትና
ዕደመ ንኤርትራዊ ጆኦ ፖለትካዊ ሓድነት
AAHafiz Mar 2017 (ን2ይ ግዜ)

We use cookies to improve our website. More details…