መግለጺ ብዛዕባ ብስም ናህዳዊ ጀበርታዊ ዝካየድ ዋዕላ

Print

Eritrean Nahda Party

 

መግለጺ ብዛዕባ ብስም ናህዳዊ ጀበርታዊ ዝካየድ ዋዕላናብ ኩሉን ፈተውትን መሓዙትን ሃገራት፡ ናብ ኩለን ደምበ ተቃውሞ ሓይልታት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተመስረተ ብሓፈሻ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ካብ ጨቛኒ ኣረሜናዊ

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምንጋፍን ጨካን እከይ ተግብራት ስርዓት ካብ ህዝብና ንሓዋሩ
ንምእላይን፡ ብፍላይ ከኣ ታሪኽን ህላውንትን መሰልን ህዝቢ ብሄር ጀበርቲ ዝነኸረ
ውልቐ-መላኺ ስርዓት ኣሊኻ ብግዝኣተ ሕጊ ትማሓደር ሃገር ምህናጽ እዩ። እዚ ኣብ
ወርሒ ነሐሴ 2016 ዘካየዶ ሳልሳይ ጉባኤኡ ዳግማይ ኣረጋጊጹ እዩ።


መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ በቶም ጉባኤ ኣብልዕሊኦም ናይ ምስጓግ ውሳኔ ዝበየነሎም
ግለሰባት ብስም ናህዳዊ ጀበርታዊ ዋዕላ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ንዕለት 29 ታሕሳስ
2016፡ ጉዕዞ ሰልፊ ኣብ ዝሓለፊ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንክካየድ
ዝዝርጋሕ ዘሎ ዕድመ ድሕሪ ምርኣዩ እዚ ዝስዕብ ይሕብር፡


  1) መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ነዚ ዝካየድ ዋዕላ ኣይጸወዓን፡
  2) ገምጋም ስራሕቲ ሰልፊ ብስርዒታዊ ኣገባብ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ይካየድ፡
  3) ውጽኢት ዋዕላ ብሩሑቅ ይኹን ብቐረባ ንሰልፊ ናህዳ ኣይምልከትን።
እዚ መግለጺ እዚ ንህዝቢ ኤርትራን ንኩሉን ፈተውትን መሓዙትን ሃገራት ብሰንኪ
ዝካየድ ዋዕላ ክርከብ ንዝክእል ዝኾነ ጉዳይ ሓላፍነት ከምዘይብሉን ከምዘይስከምስ
ይሕብር።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
ቤት ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ
27/12/2016

We use cookies to improve our website. More details…