መበል 68 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ቀደማይ ሱዉእ ኤርትራ ብሓድነትና ንተጻይ-ሓድነትና 29 መጋቢት 1949 ዓ/ም

Print

Eritrean Nahda Party

መበል 68 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ቀደማይ ሱዉእ ኤርትራ ብሓድነትና ንተጻይ - ሓድነትና 29 መጋቢት 1949 ዓ/ም ዝቢ ኤርትራ መራሒ ፖለቲካዊ ቃልሱን ልዑል እምነት ዘንበረሉ ኣቦ ሓድነትን ጥምረትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ተቃላሳዩን፡

ክንዲ ልሳኑ ዝኾኖ በሊሕ መስተውዓሊ ሉኡኹን ሓርበኛ ዉሉድን ዝኾነ ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ብሽርሓዊ ውዲት ዕሱባት ኣንድነታውያን መቕተልቲ ዝተፈጸመላ መዓልቲ ኮይና ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ናጽነት ሕቱኡ ተኾሊፉ ብኣስገዳድ ኣብ ነዊሕን መሪርን ቃልስን ከቢድ መስዋእትን ብድምር ክንከፍልን ክንኣቱን ተፈረድናላ ዕለት እውን እያ ኔይራ ክባሃል ይከኣል።

እወ! ወጽዓ ክሳብ ዘሎ ቃልሲ’ሎ፡ እዚ  ኣበሃህላዚ ታሪኻዊ ስነ-ፍልጠታዊ      መበገስን ትርጉምን ዘለዎ እኳ እንተኾነ ንዓና ከም ኤርትራውያን ግን ካብቲ    ሓረበኛዊ ተጋደሎ ቀዳሞት  ኤርትራውያን ታሪኽን ውርሻን  ወለዶታት’ዮ ሱረ መንቀሊኡ፡ እዚ  ረዚንን ገላጽን ኣባሃህላ ድማ ብዘይካ ብሰዓራይን ተሳዓራይን ፈጺሞም  ዘይዕረቑ፡ ማለት በዚ ሓደ ሸነኽ ዓፋኒ  ገባትን ረጋጽን፡ ስርዓት በቲ ካልእ  ሸነኽ ድማ መሰሎምን ክብርታቶምን  ዝተገፉ፡ ዉጹዓትን ብዱላትን ምህላዎም ስለረጋግጽን፡ ጽፍሕታት  ናይ ረጽሞም ድማ ከቢድ ዋጋታት  ዝሓትት ቃልሲ ደኣ’ምበር ብትሕትናን ለመናን፡ ብምጽውዋርን  ብምጽውወታን ዘይፍታሕ ምኻኑ ስለዝሕብርን’ዩ።

ሓይልኻ ተጠቂምካ ሰብኣውን  ዲሞክራሳያውን መሰላት ቀንጢጥ’ካ    ርስትን ነገራዊ ጸጋታትን፡ ካልኦት  መንዚዕ’ካ ኣብ ዘይ-ቤትካን ውራይካን  ገባራይን ሓዳጋይን፡ ዘይምሕር ጨፍጫፍን ቀታልን ክትከውን    መግለጺ ልክዕነት ዘይብሉ ስስዕን ፍርሕን ምጥፋእ ርእሰ ተኣማንነትን፡ ጭካነን ዳኣ’ምበር መለለይ ምልክታት፡ ሰብኣውነት ፖለቲካዊ ልቦናን ሓርበኝታዊ መስርሕ ኣይኮነን፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ካብ ሰብኣውነትን ፖለቲካውን ልቦናታትን ዝረሓቑ ሓርበኛታት ግፍዓዊ ዓመጻትን መቅተልትን ዝኾኑ ስሱዓትን ጨካናትን ተበራረይትን ተመሳሰልትን ባዕዳውያን ገዛእቲ ከይተናገፈ፡ ብጥቅላላት ዓስርተታት ዓመታት ዝድመሩ መዋእላት ዘሕለፈን መጠነ ኣልቦ ገፋዒ በደላትን ገበናትን ዝወረዶ ህዝቢ’ዩ ።ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተግልጸ ወጽዓ ( ጭቆና ) ክሳብ ዘሎ ቃልሲ’ሎ ኣብ ዝብል ርጉጽ ክውንነት ነቂሉ ቃልሲ ካብ ሃለወ ፍጻመታት መስዋእቲ ባህርያውን ንቡርን ቅሉልን ምኻን ኣሚኑ ንዝስዕቡ መረርትን ነወሕትን መስርሓት ቃልስን ረዘንቲ ሃገራውን ሂወታውን ክፍልታት ኣካላዊ ሕልናውን ሞራላውን ድልውነታቱ ኣረጋጊጹ ናጽነቱን ሓርነቱን ክጭብጥ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኣንጻር ባዕዳዊ ገዛእን ኩሎም ጸረ ሓባራዊ ህላውኡን ቀጻልነቱን ዝኾኑ ፈላለይትን ጸበብትን ሽርሓዊ ውዲታትን ውዳበታትን ገጢሙን ብጸብለልታዊ ዓወታቱ ባዕዳዊ መግዛእትን ሸራሕቲ ስነ-ሓሳባትን ውዳበታት ዕሱባት ወይጦታት (ኣንድነት) ስዑራት ዝገበረ ህዝቢ’ዩ።

 ኣብ እዋኑ ዝሰገርዎም ፈተንቲ መድረኻት ቃልሲ ድማ ብድንገታዊ ስሚዒታዊ ረስንታትን በብሸነኹን ተፈናቲቱን ተበታቲኹን ዘይኮነ ብጥርኑፍ ዝተወደበ ኣገባብ ቃልሲ ዝነቀሉን መራኣይን ኣብነትን ናይ ውጹዕ ግን ከኣ ቁጡዕ ንቁሕ ውፉይ ዝኾነ ህዝቢ’ዩ። ኣብ መስርሕ ሓርብኛዊ ተጋድልኡ ዕዙዝን መሪሕ ግድ ዝነበሮም ውፍያት ብሓይሊ ህዝባውን ሃገራውን እምነቶም ዘለልዮ ካብ ጸቢብን ፈላላይ ክስተታት ነጻ ዝኾኑ ኣቦታት ሃገራዊ ሓድነት ንቑሓት ሓርበኛታት ከም ብዓል ሸኽ ዓብዱልቓድር ከቢረ ሃንዳሲ ቃልስን ፈላሚ መስዋእትን፡ ከም ብዓል ደግለል ራእሲ ተሰማ ኣስበሮም ከም ብዓል ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ወልደኣብ ወልደማርያምን፡ ካሎኦትን ዝኣመሰሉ ነይሮምን ወትሩ ኣብ ሕልናዊ መዘክሩን ሰነዳት መዛግብ ረዚን ታሪኹ ሰፊሮም፡ ካብ ውሉድ ናብ ወለዶታት እናስገሮም፡ መወከሲ ሕሉፍን ህሉውን ኩነታትን ፍጻሜታትን ፡መነየቲ ግምጃ ስልማትን፡ ክብርን ሰረት ቀጻልነቱ ገይሩ እናሻዕ ረዚን ክብርን ዝኽርን ሂቡ፡ የልዕሎምን የንብሮምን ከምዘሎ ንነፍስወከፍ ደላይ ሓቅን ፍትሕን ግሉጽ ርእሰ ነገር’ዩ።

መቀጸልታ ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ ዝግለጽን፡ ናብ’ዚ ሕጂ ዘለናዮ ዘመነ ጥልመታትን ብርሰታትን ሰጊርና ኣብ እንሪእዮ ድማ ምጭጫሕ ወይ ምብርዃት ግሉጹታትን ክዉላትን ዕሱባት ወይጦታትን፡ ፍሹል ወይ ሱዑር ሕልምታት ዘይተጋደፎም ሓለሞ፡ ንህሉው ጸገማት ፖለቲካዊ ምሕደራታት ከም ጹቡቕ ኣጋጣምን፡ መናሃርያ ዱጉል ሽርሕታቶምን፡ ተሃንን ሱሱዕ ህርፋናቶም ዘዕግብሉ፡ መዳኸምን ጥጡሕ መበገሲ መድረኽ ሓሲቦም፡ ቀንዲ ጉዳያትን ጸገማትን ህዝብታት ኤርትራ፡ ካልእ ምስሊ ኣትሒዞም ሃይማኖታዊ ጸገምን ሰነ-ሓሳብን’ዩ ዝብል ስም ሂቦምን ኣጠሚቖምን ጓል መንገድታት እናተለሙ፡ ንሱር በተኻዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንዝዓለመ ቃልሲ ከጎናድቡን፡ ኣብ ታሪኽ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ተራእዩን ተፈጺሙን ዘይፈልጥ ሓድሕዳዊ ግርጭትታ፡ ፍልልያትን፡ ዓሌት ሃይማኖት ኣውራጃ ሃጓፋትን ረጽምታትን ክድኩኑ፡ ኢደይ ኢድካ እጀታይ እጆታኻ፡ ክባሃሃሉሉን፡ ጸገማት ኤርትራውያን ከሸልሑን፡ ጽብጽባሕ እናራብሑ ክራሳረሱን፡ ድርጎኛታትን ኣሳሰይትን፡ ለገስትን ለቀብትን፡ ሕሱም መዋእለ ምልክን፡ ዕምሪ እንኮ ሰባዊ ስርዓት መላኽን ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፈ ሰበብ ከይብርዕን፡ ዝተሳወረ ሃልሃልታ ሰደድ እሳት ከይቅህም፡ ብምንብድባድ ልሙስ ዕላማታቶም ነኺሶም ይርከቡ።

ብቐንዱ ጠንቅን ተሓታትን ናይዚ፡ ኣብ ልዕሊ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ስቅያት ፡ገበናትን ኩለመደያዊ ቅልውላዋትን ፡እቲ ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝፈለሓ ፍልሖ ምድሪ ቤትን ጃንዳ ጥፍኣትን ዝኾነ፡ ንልባውን ግሩህን ሰውራ ህዝቢ ኤርትራ፡ መዝሚዙን ተደጉሉን፡ ሓፋሽ ንዕላማታቶም ብስጋይ ስጋኻ ቅድመይ ቅድሜኻ ኣብ ዝውፈይሉ ህሞት፡ ብናይ ቅንጸላን ዓፈናን ገበናት ተሰንዩ፡ ረዚን ዋጋታት ሰውራኦም ዝኾነ ናጽነቶም ገቢቱ፡ ፍትሕን ሓርነትን ሎኪቱ፡ ዓወታት ኤርትራውያን ኣብ መሬታዊ ናጽነትን ሉኡላውነትን ንኽድረት ዝፈረደን፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቱ ኣእላፍ ሰማእታት ኪሒዱ ዳግማይ ናይ ስለላ፡ ዓፈና ጭፍጨፋን ቅንጸላን ትካላት ኣጣይሱ ኣብ ትሕቲ ዘ-በታዊ ባርነታት፡ ኣድካይን ፈላላይን መሓየርን መግዛእታዊ ጥበባት ምልኪ ብምንጥጣፍ ኣብ ምብራስ ሓፋሽ ህዝቢ ተጸሚዱ ዝርከብ እንኮ ሰባዊ መላኺ ስርዓት ብጠላሚ ኢሰያስ ዝምራሕ እዃ እንተኾነ፡ ንቀታልን በታንን ስነ-ሓሳብን ተግባርን ናይዚ ጠላሚ ድማ ዘተግብሩ ተዓሲቦም ዝሓድሩ ዑሱባት ወይጦታት’ውን ካብ ታሓታትነት ተንሸራቲቶም ይኹን ተዓጺፎም ዘየምልጡ ትሑዛት ባእታታት እዮም። 

ንኤርትራ ከም ሃገርን፡ ሃገረ ብዙሓትን ዘስምይዎ እቶም ብብዙሕነቶምን ፍልልዮምን፡ ንሓደ ረፋድ እውን ይኹን ባዕላውን ሓድሕዳውን ጸገማት ፈጢሮም፡ ተሸጊሮምን ተላቲሞምን ዘይፈልጡ፡ብጭዋን ስልጡንን ህዝባዊ ስነ-ምግባራዊ ምሪሕታትን ኣነባብራን፡ ተሓቛቒፎም ዝነባበሩለን፡ ኣብ እዋን ጸገምን ራህዋን ጥሙራት የእዳዎም ዘይፈላለያ፡ ብፍቶታዊ ሓድነቶም ዝልለዩን፡ ሓደ ኮይኖም ንተጻይ ሓድነቶም ብሓድነቶም ዝሓምሸሹን ዘዋረዱን፡ ሰራሓትን ወነንትን፡ ደርማስን ህዝባዊ ቅያታት ዝኾኑ ብሄራትን ህዝብታትን ኤርትራ እዮም፡ እቲ ብሰረትን ጥንታውነትን ዝግለጽ ጸጋዊ ኣካውናታቶም ድማ ዝከባበሩን ዝኾርዑሉን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ግርሩም ስልማትን ሕቡን መለለይን ኮይንዎም፡ ተሰሊሞምን ማዕሪጎሙሉን ዘንተእለት ክነባበሩ’ዮም።

ኣብ መደምደምታ ካብቲ ብደመኛ ሓፋሽ ህዝብታት ኤርትራ ዝኾነ እንኮ ሰባዊ ገባትን መላኽን ስርዓት ህግደፍ ጀሚርካ ብድሕሪኡ ዘለዉ ቅሉዓትን ዘይቅሉዓትን ሰብ ዕጥቂ ጥሩምባን መለኸትን ኣግኣዝያዊ ዝማረ ኣብ ሶንኮፍ ተልመዴናት ዝርከቡን ካለኦትን፡ ርኳን ዓፍራ ሓቒንካ ዝኾኖን ዝወጾን የለን’ሞ፡ ከበሮ ሓምሓም ኣይትሃምሕሙን፡ ኣይትህለኹን ንብሎም፡ እንትምንታይ ሕሉፍን ህሉውን ሓርበኛዊ ተጋድሎ ሓፋሽ ህዝብና ምውካስ ደኣ ተሳኢንኩም እምበር ቅድሚ ዛኣገረ እቶም ፍሹላትን ሱዑራት ዝበርዓኑ፡ በቲ ጽንኩር ከም ዓረ ዝኾነ ሓድነት ህዝብታት ኤርትራ እዩ፡ ስለዚ ሕጂ እውን ከም ትማል ብሓድነትና ንተጻይ-ሓድነት ክነበርዕኖ ኢና !!

29 መጋቢት ወትሩ ህያው ምስክር
ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዕለተ ሓድነት’ያ !!

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
29 መጋቢት 2017

We use cookies to improve our website. More details…