ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ብሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ካናዳ

Print

Eritrean Nahda Party

ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ዕለት 19 መጋቢት 2017 ኣብ ቶሮንቶ ካናዳ ንህዝቢ ኣኼባ ኣካይዶም።

ኣብዚ ኣኼባ እዚ፤ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ መግለጺ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራን ሓፈሻዊ ምዕባለ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ከምኡ ውን ኣብ ወርሒ 8፣2016 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ዕዉት 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቦም።

01

እቲ ጉባኤ ታሪኻዊ ኣብ ር እሲ ምንባሩ ብኹሉ መምዘኒታት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝታኻየዱ ጉባኤታት ብዓይነቱ ዝተፈልየን ዝማዕበለን ነይሩ። ድሕሪ 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብዝሓየለ መልክዕ ተወዲቡ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ምህላዉ ተገሊጹ።

ብተወሳኺ ንጉዳይ እቶም ካብ ሰልፊ ዝተወገዱ ዓንቀፍቲ ብዝርዝር መብርሂ
ብምቕራብ እቲ ኣብ ል ዕሊኦም ዝተወስደ ስጉምቲ ኣድላዩ ምንባሩ እኹልን
ኣዕጋቢ መብርሂ ቀሪቡ።

02

ንግፍዓዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ብምስራሕ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢንምዕዋት ይሰርሕ ምህላዉ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንህዝቢ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ካብ ቶሮንቶን ከአቢኣን ዝተረኽበ ተሳተፍቲ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ከም ዝነበሩ ተፈሊጡ።

ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረበ ዝተፈላለየ ሕቶታት ኣዕጋቢ መብርሂ ክህቡ ከኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ንንጥፈታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንምውዳብ ንጨንፈር ካናዳ ዝውክሉ ጊዚያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ብምምራጽ እቲ ኣኼባ ተደምዲሙ።

ዓወት ንዉጹዕ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዓወት ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
ውድቀት ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ

20 መጋቢት 2017

We use cookies to improve our website. More details…