ብፈጻሚ ቤ/ጽ/ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ሓዘን

Print

Eritrean Nahda Party

 ብፈጻሚ ቤ/ጽ/ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ሓዘን ብምኽኒያት ትማል ዕለት 08 መጋቢት 2017 ብሞት  ዝተፈለየና ሓውናን ናይ ቃልሲ ብጻይናን ዶ/ር ምስግና ገብረመድህን።

 ኣብዚ  እዋን`ዚ ዳይረክተር ኢቫንጀሊካል ኮለጅ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነበር፡ እቲ ኣብ 1946 ኣብ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ከባቢታት ዓዲ ቐይሕ ዝተወልደ፡ ምሁር ናይ ካልቸራል ኣንትሮፖሎጂስት ዓሚቕ መጽናዕታዊ ፍልጠት ናይ ብዙሕ ሃይማኖታት ዝነበሮ፡ ክቡር ሓውናን ተደናጋጺ ሰልፍናን ብዘጋጠሞ ሃነደበታዊ ሕማም፡ ኣብ ትሕቲ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ዓሪፉን ብሓሙስ 09 መጋቢት ስነ ስርዓት ቀብሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ተፈጺሙን።

ክቡር ሓውናን ተደናጋጺ ሰልፍናን ዶ/ር ምስግና ገብረመድህን ክቱር ፍትወት ህዝቡን ሃገሩን ዝነበሮን ብህሉው ኩነታት ሃገርን ሕሰማቱን ናይ ህዝቡ ዓሚቕ ጓሂ ዝስመዖ ዝነበረ ምሁር ሃገራዊ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መጋባእያታት ነዚ ኩነታት ንምግላጽ ምስ መዲያታትን ዝተፈላለዩ መጻሓፍትን ብምጽሓፍ ኣንጻር እዚ ዘሎ ስርዓት የጋልጽ ምንባሩን፡ ብቐረባ ቅርበት ዘይርሳዕ ድማ ኣብ 2016 ኣብ ናይ ሰልፍና 3ይ ጉባኤ ተረኺቡ ኣብ ዘስመዖ ቃል ተስፋታት ንህዝብን ለበዋታትን ዘንተእለት ዘይሳዕ መደረ ኣብ ማህደር ሰልፊ ተሰኒዱ ምህላዉን ፡ እዚ ድማ ናይቲ ዝነበሮ ልምድታት ናይ ምምኻር ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራትን። ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ቫዮላ ክሳብ ዳይረክተርነት ዝሰራሓሉ እኩብ ናይ ምህሩነቱ ዝገልጽ ተመክሮኡ ምንባሩን’ዩ።

በዚ ናይ ሓዘን ኣጋጣሚ እምባኣር ኤርትራ ሃገርና ዓቢ ሰብ ምኽሳራን፡ ሰልፍና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ድማ ንኩሎም ስድራቤቱ መሳርሕቱ ኣዕሩኽቱን ንኩልና ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት የሃበና ይብል።

                                           ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
                                                      09 መጋቢት 2017

We use cookies to improve our website. More details…