ወኪል ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ 5ይ ጉባኤ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ንሰልፊ ወኪሉ ተሳቲፉ

Eritrean Nahda Party

 

ኣብቲ ብዕለት 04 ጥሪ 2017 ዓም ዝተሰላሰለ 5ይ ጉባኤ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሳሆ ኤርትራ ሓው ዑስማን ዓብዱልሓምዲ ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ወኪሉ ተሳቲፉ፡ እቲ ኣብ ከተማ ዓድ ግራት ዝተሳሰለ ጉባኤ

ኩለን ውድባት ኤርትራ ዝተዓደመሉ ምንባሩን ኣብቲ ኣጋጣሚ ብስም ዝተጻሕፈ መልእቲ ኣንቢቡ ፡ ኣብቲ ዝተላእከ መልእቲ ከምቲ ዝኾነ ይኹን ውልቀ ሰብ ጉጅለ ውድብ -- ወዘተ ብምኽኒያት ዝላዓልን ዝውደብን ዝቃለስን ናይ ውድብኩም ምንቅስቓስ ሓርነት ሳሆ ድማ መንቀሊ ህዝባዊ ቃልሱ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ገበናትን በደላትን፡

ታሪኻዊ ክሕደትን ምንፋግ ሃገራዊ መንነትን ክብርን ወዘተ እዩ ናብዚ ናይ ቃልሲ መኣዲ ጸንቢርዎ ዝርከብ፡ እዚ ካብ ወጽዓ መላእ ክፋላት ሕብረተሰባት ኤርትራ ተወሊዱ ንድምር ውጽዓ ንምኽታም ጸረ ወጽዓ ዝቖመ ፖለቲካዊ ሓይሊ 5ይ ጉባኤኡ ኣብ ዘካይደሉ እዋን፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኤርትራ ካብ ዝኸፈኤ ናብ ዝባኣሰ ኣዝዩ ናብ ዝተሓላለኸን ዝኸደሉ እዋን ምዃኑ እቲ ጉባኤ ብዝዓበየ ውጼኢት ክወጽእ ዘለና ትጽቢት ዝለዓለ’ዩ ኢሉ።

Top
We use cookies to improve our website. More details…