ሓይሊ የለ መቕሊ - ግጥሚ ትግሪኛ

Eritrean Nahda Party

 የእምሮ ምስ ባኸነ

ምልኪ ኣብ ማእገር ምስ ተጻዕነ፣

ርእሰ ምርኮሳ ብጥሙየይ ሃልወሳ

ብዕሩቀይ ዘይለብሳ ኣይጭብጣ ኣይድህስሳ።

ኣጽፋረይ እናተቀንጠበ ብጽፍርና

የማነ ጸጋም ዘይጋጠም ወፍርና

በበይኑ ትሕዞና ሕልምና ጋህድና

ጊላን ባርያን ከመይ ሓደ ኮይና።

ሉሉይ ገርካኒ በዓል ሰናድር

ወድ በረኻ መሮር ዝሓድር

ኣይመስል ኣይስድር

ለውጢ ምዕባለ ዘየፍቅር

ምህሮ ኣእምሮ ዝበኾሮ

ተመክሮ ቀደም ብቀራቅሮ።

ክንዲ ምህሮ ክንዲ ሸቅሊ

ክንዲ ሓዳር ክንዲ ጠሊ

ጸጋ ትዕድልተይ ዘየለሊ

ኣገልጋሊ ምልኪ ብደወይ ክበሊ

ኣካቲተ ጥፍኣት ሓድጊ የለ መቕሊ።

ወዲ ዓጀብ

Top
We use cookies to improve our website. More details…