ሕጋዊ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ርያድን ጀዳን

Print

Eritrean Nahda Party

ሓድነት ሰልፍን ኣባላቱን ዘዳኽም ኣብ ግላዊ ረብሓ ዘድሃበ መርዛም ስነ-ሓሳብ መሪሕነት ሰልፊ ንምብትታን እከይ ኣጀንዳ ንምትግባር ዕድል ዝሳኣኑ ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት ነበር ቀይዲ-በተኽ መደባቶም

ናህዳዊ ጀበርታዊ ዋዕላ ብዝብል ስያመ ዘኻየድዎ ኣኼባ ንሰልፊ ናህዳን ኣባላቱን ማሕበራት ጀበርትን ዘይውክልን ብሰልፍን ካሎኦት ዝተፈላለዩ ትካላትን ዝወጸ መግለጽታት ኣቐዲሙ ተሓቢሩ እዩ።

ከም ለመንቲ ኣብ ኣፍደገ መሳጊድ ዝገበርዎ ናይ ጻውዒት ዕድመ ካብ ርያድን ጀዳን ኣባላትን ዘይኣባላትን ኣደናጊሮም ናበይ ይኸዱ ከምዘለዉ ከየፍለጡን ኣብ ፍርቂ ኣኼባ ገዲፎሞም ንኸይከዱ ዘስገኦም ስድራቤቶም ከይሓበሩ ኣማኢት ኪሎ ሜትራት ርሒቆም ኣብ መዲና ግዴታዊ ኣኼባ ከምዝካፈሉ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ዝምስከሮን ታሪኽ ዝተመዝገቦን ኣብ ረብሓ ዝተመርኮሰ ቃልሲ ንህዝብና ሰልፍናን ከምዘየገልግ ዝሳሓቱ ሰብ ረብሓን ሕልና-ኣልቦ ባእታታን ውሳኔ ማእከላይ መሪሕነት ስለዘስገኦም ምንጻጎም ከይኣክል ነቲ ውሳኔ ዘንጸጎም ምኽንያት ካብ ሓቂ ዝራሓቐ መግለጽታት ብምብታን እከይ መደባቶም ንምዕዋት ቅድሚ ውሳኔ ብማእከላይ መሪሕነት ንዝተወሰዱ ፈተነታት ዳግማይ ብምንጻግ ቅንቅፋታትን ጸለመታትን ምዝራእ ብመደብ ኮነ ኢሎም ተተሓሓዝዎ ምህላዉ ብምርዳእ።

እንተኾነ ሰልፊ ብወከልቲ ናይ ኩለን ጨናፍር ኣብ መኣዲ ሳልሳይ ጉባኤ ጠርኒፉ ዘካየዶ ዓሚቕ ዘተ ንሕላዮት ሰልፍን ሓድነቱን ዝወሰዶም ሕድገት ጸማም እዝኒ ሂቦም ኣንፈቱ ዝሳሓተ ብስም ናህዳዊ ጀበርታዊ ዋዕል ዝገበርዎ ምትእኽካብ ብዝላዓለ ናይ ሕቶ ምልክት ብምሓዝ ፡ ጉባኤ ንክሳተፊ ዝተፈላለየ ናይ ጽሑፍ ዕድመ ሰዲዱ ከብቅዕ ፡ ድሕሪ ጉባኤ እውን ጸብጻቦም ድሕሪ ምቕራብ ዳግማይ ናይ ምምላስ ዕድል ብምህብ ዝበየኖ ሰልፊ ንሓድነቱ ንጹር ኣረኣእያን እምነትን ስለ ዘቐመጠ ጥራይ እዩ። እዚ ካብ ጸብጻብ ንምህዳም ዝተኣለመ ፈተነ ብናይ መደናገሪ ጽሑፋት ብስም ሰልፊ ብምዝርጋሕን ህዝቢ ከጋግዮ ህርዲግ ዝብሉሉ ዘለዉ መንቀሳቐሲታት ኣብ ጸፍሒ መሪሕነት እንከለዉ ዘጥረይዎ ንብረት ውድብ ምዃኑ ብምዝኽኻር ነቲ ፡ብወገን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራን መሪሕነቱን መሰረታቱን ዕጉስን ሕጋውን መዕለቢ ገይሩሉ ዘሎ ፡ኣብ ምምላስ ንብረቱን ድማ ሕጂ እውን ዕቱብ ቃልሲ ክገብር ሙዃና ነዘኻኽር።
ብተወሳኺ ኣባላት ሰልፊ ጨንፈር ርያድን ጀዳን ኣብ ተሕቲ ጽላል ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ዝተመረጸ ሕጋዊ መሪሕነት ተሰሊፍና እነካይዶ ቃልሲ ዝዓግተና ፍጹም ሓይሊ ከምዘየለን ብኣንጻሩ እኳ ዳኣ እቲ ሓቂ ናብ ኩሉ ንምብጻሕ ካብ ዝነበረና ሓይሊ ንላዕሊ ኣበርቲዕና ክንቃለስን ንምትዕንቃፍ ሰልፊ ብውሽጢ ክስርሑን ከስርሑን ዝጸንሑ በብሐደ ክንዝርዝር ምዃና ክንብሕር ንፈቱ።

ኣብ መደምደምታ ኣብ መዲና ዝተኻየደ ጉጅላዊ ኣኼባ ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨናፍር ርያድን ጀዳን ዘይውክል ምዃኑ ንኹሉ ተቃላሳይ ደላይ ፍትሒ ንሕብር።

                                                 ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
                                                ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
                                                ዓወት ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራ 

We use cookies to improve our website. More details…