ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሎንዶን ዑዉት ኣኬባ ኣካይዱ፣

Print

Eritrean Nahda Party
ሰልፊ ናህዳ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ''ሕጂ ውን ድህነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኹሉ'' ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብዕለት 21 ጥሪ 2017 ካላኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኣዕዊቱ።

Eritrean Nahda Party ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ حزب النهضة الإرتري

ካብ ዝተፋላለየ ከተማታት ዓባይ ብሪጣንያ ብርክት ዝበሉ ኣባላትን ደገፍትን ሰልፊ ናህዳ ዝተረኸብሉ ኣኼባ፣ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊን ኣቦ ወንበር ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያን ሓው ጀማል ፍትዊ ንፖለቲካዊ ገምጋም ኤርትራ ኣመልኪቱ ካብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ ኣብ ኩሉ ቀጸላታት ሃገር ተኣታትዩዎ ዘሎ ሰብኣውን ማተሪያላውን ዕንወትን ብርሰትን፣ ነታ ሃገር ናብ ሓደጋ ምብትታን ይመርሓ ምህላውን ብጽሟቅ መሰረታዊ ሓቅታት ኣብ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን፣ ፖለቲካውን ዲፕሎማሲያውን ድሕሪ ምብርሁ፣ እዚ ቅልውላው እዚ ብፍላይ ኣብ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ዱኹማት ኣካላት ሕብረተሰባት ኤርትራ ዘምጽኡ ሳዕቤናት ብዝርዝር ኣቐሚጡ።

ከምሳዕቤኑ ድማ ኣብዚ ቅንያት'ዚ ኣብ ዓዲ ወደርኪ ዘጋጠመ ኣብ ልዕሊ 80 ዝኾኑ ሰላማዊ ህዝቢ ዝተገበረ መጭወይቲ ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑን ሃገርና ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብላን ብምግንዛብ ብኹሉ ፣መዳያዊ ስሙር ዓቕሚ ህዝብና ብምውዳብ ንምውጋዱ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሰልፊ ናህዳ መሪሕ ታራኡ ከምዝጻወት ኣብሪሁ። ቀጺሉ ደምበ ተቓውሞን ሃገራዊ ባይቶን ኣመልኪቱ ኣደራዕ ውጽኢት ግርጭታት ብምዃንን ነቲ ስቓይ ተሓንጊጡ ዝበርስ ዘሎ ህዝብን ነቲ ንዑኡ ዘዕርብ ዘሎ ናይ ሓባር ጸላኢ ክሳብ ምርሳዑ ኣብጽሑወን ከምዘሎን፣ ናይ ሓላፍነት ኮረሻ ዝሻመውን ዝሓልሙን ዘለው ኣብ ምስሳይን ምዕዛብን ግዜና ዝበልዕ ዘሎ ኣካይዳ ቃልሲ ዳግማይ ርኢቶ ናይ ምግባር ሓንትን ናይ መወዳእታ መፍትሒ ሃገራዊ ባይቶ ከም ዝሰፈሔ መቃለሲ መድረኽ መጠን ውድብና ንጡፍ ተሳተፍነቱ ከጎልብት፣ ብሓደ ወገን ኣጋጢሙዎ ካብ ዘሎ ደውታ ንኽወጽእን ግቡእ ገምጋም ብምክያድ ዘየዳግም ትምህርቲ ንኽረኽበሉን ኣብ ምግባር ካብኡ ዝጥለብ ኣበርክቶ ንኽገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣቦ ወንበር ጨንፈር መደሪኡ ብምቕጻል ንቐዳም ዕለት 28 ጥሪ 2017 ኣብ በርሚንግሃም ዝጽዋዕ ዘሎ ኣኼባ ንሰልፊ ናህዳን ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ከምዘይ ውክልን ብስም ኣራሚት ሽማግለ ብሙሳ በሺር ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ምንቅስቓሳት ንረብሓ ህዝቢ ዝጻረርን ህሉው ኩነታት ህዝብና ኣብ ግምት ዘየእቱ ምዃኑ ኣራጋጊጹ። ብተወሳኺ ኣባል ማእከላይ መሪሕነትን ተሃጋጋዚ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት ሰልፊ ሓው ዩሱፍ መሓመድ ንዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣፈታትሓ ውሽጣዊ ኩነታት ሰልፊ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ብመሰረት ውሳኔ ሳልሳይ ጉባኤ እቶም ሓንኮልቲ ቃልሲ ንዝቕረበሎም ዕድል ብዘይምቕባሎም እቲ ውሳኔ ኣብ ልዕሊኦም ከምዝተተግበረ ኣስሚሩሉ። ኣብ መወዳኣታ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንዝመጹ ርኢቶታት ሕቶን መልስን መብርሂ ብምሃብ፣ ንዝቐረበ ለበዋታት ከምዘብጽሑ ብምርግጋጽ ኣኼቦኦም ብዓወት ዛዚሞም።

ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
22/01/2017

We use cookies to improve our website. More details…