ወኪል ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ ምስ ቤት ጽሕፈት

Print

Eritrean Nahda Party

ወኪል ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ኣሜሪካ ስቴት ዱፓርትመንት ተረኺቡ

ኣተሓባባሪ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድና ሰሜን ኣሜሪካን ካናዲን ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ ሓው ኑረዱን ዓብዯልቓድር ትማሊ ረቡዕ ዕለት 15 ሰነ 2016/ ብተበግሶ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዲያት ሃገረ ኣሜሪካ (ስቴት ዱፓርትመንት) ንሰልፊ ናህዲ ኤርትራ ብዝገበረሉ ዕድሜ መሰረት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዋይት ሃውስ ምስ ሰኒተር ኢምለይ ተራኺቡ።

 ሓው ኑረዱን ኣብቲ ርክብ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝርዛር ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዕዙይ ምሕደራ ህዝቢ ኩሉ መዲይ ናይ ጥሕሰት መሰላት ከይኣክል ሲዒቡ እውን ኣብ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ሽግራቱ ብምዝያድ ብፍላይ ንመንእሰያት ኤርትራውያን ተውሳኽ እዚ እውን ገደብ ዘይብሉ ግደድ ዕስክርናን ካሎኦትን መወሰኽታት ንስደት ይውሕዝ ምህላዉ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን እንተኾነ ካብ መበጊሲ ስደት ዝኾነት ኤርትራ ክሳብ ዝበጽሕዎ መደበራት ዘጋጥሞም ዘሎ ሞት መሸጣ ኣካላት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዘጋጠመን ግደድ መጥቃዕቲ ብሰፊሕ ገሊጽሎም።

ቀጺሉ እውን ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ነታ ሕጂ ኣብ ቀረባ እዋን ንኣጻራይት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝጸነሓት ኮሚቴ መብሪሂ ድሕሪ ምሃብ ፡ብወገን መንግስቲ ኣሜሪካ እውን ነቲ ኩሉ ተረኽቦታት ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምስማዕ ንኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ንሃገረ ኣሜሪካ ኣታሓሳሲብዎ ምህላዉ ብምንጻር ነታ ኣጻራይት ሽማግለ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ውድባትን ውልቀ ሰባትን ኣብ ጎኒ`ታ ሽማግለ ደው ኢሎም ብኹሉ መዲይ ክሕግዝዋ ተላብያ። ቀጺሉ ሓው ኑረዱን ኣብ ህሉው ኩነታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ዘላለየሉ ግዜ መንቀሊ ቃልሲ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ጉዲይ ጀበርቲ ተሓንጊጡ ምቅላስን ንዝተመንጠሎ መሰል መንነትን ንምምላስ ይቃልስ ምህላዉን ነዚ ቃልሲ ኣቦ ወንበር ኮይኑ ዝመርሖ ዘሎ ሓው ዓብደራሕማን ጣሃ ሙዃኑን ብምልላይ ንናይ ዓስርተ ዓመታት ንጥፈታት ሰልፊ ብሰፊሕ ተንቲኑ።

ብወገን ሰኒተር ኤምለይ ድማ ንኹሉ ዝተኻየዯ ቃልሲ ብምንኣድ ንዱሞክራስያዊ ቃልሲ ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ ኣብ ዓወት ንኽበጽሕ ብምምናይ ብወገን ኣሜሪካ ቀጻሊ ርክባት ክግበር ምዃኑ ብምሕባር ኣብ ዝቕጽል ሓምለ 2016 ርክብ ክግበር ሙዃኑ ቆጸራ ብምትሓዝ እዚ ዝተዋህበ መልእክቲ ኩሉ ናብ ዝላዓሉ ኣካላት መንግስቲ ኣሜሪካ ከተብጽሖ ሙዃና ሓቢራ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ

16 ሰነ 2016

We use cookies to improve our website. More details…