ብሓደ መልሓስ ክልተ ተናቆቲ

Print

Eritrean Nahda Party
ብሓደ መልሓስ - ክልተ ተናቆቲ

ብድኹም ጎኒ መታለልቲ
ንረብሓ ስልጣን ኣቀደምቲ
ወዳጀ ፍልስፍና ኣራሚት ባሃልቲ
ኣብ ክንዲ ምስማይ - ናይ ስልጣን ባሃግቲ
ብሽም መስረት ሸቀጥቲ

ንኩሉ ምኽኣል - ወላ እንዳ ጣዓመካ ዕረ
ሕጊ ሕጊ ምዃኑ - ንኹሉ ብማዕረ
ሕጊ ምኽባር - ኢዩ እቲ ዝላዓለ

ብድኹም ጎኒ - ንህዝቢ ምውላዕ
ውጽኢቱ ውድቀት - ብንፋስ ዝባራዕ
ፍሽለቱ ኪቢድ ኢዩ- ናይ ሓሶት ጠራዕራዕ

ኣብ ሓደ ሰልፊ - ውሽጣዊ ጉጅለ ዝተኸለ
ሚስጢሩ ከይፍለጥ - ንኹል ዘተላለ
ፍጹም ኣይጋገይን - ኣነ ኣነ ዝበለ
ብኽእለት ዘረብኡ - ደሚቁ ዝልለ
ለከ እንዶ ብቀደሙ - የማን ጸጋም ዝበለ
ሎሚ በሪሁ ተንኩል - ናይ ዓንቃፊት ሽማግለ

ዓስርተ ዓመት - ኣብ ስልጣን በይንኻ
ጽብጻብ ከይተቅረብ - ካብ ሰልፊ ተፈሊኻ
ኣይትተንክፉኒ- ምባል እንታይ ኢዩ ብልሕኻ
ግብረ-ስናይ ከቢረ ማዓስ ኮይኑ ናይ ኣቦኻ

ይትረፍ ኣነ ኢየ - ናዓይ ጥራይ ምባል
ከይተፈለጠካ - ኣስር ዲክታቶር ምሓዝ

ጉዳይ ህዝቢ ምርሳዕ -ንበይንኻ ምስዕሳዕ
ኣይጥዑምን ኢዩ - ኣብ ኣልቦነት ምጥላዕ
ሓቅነት ሸፊንካ - ንሓሶት ምዃላዕ

ብድኹም ጎኒ - ንህዝቢ ምውላዕ
ውጽኢቱ ውድቀት - ብንፋስ ዝባራዕ
ፍሽለቱ ከቢዱ ኢዩ- ንበይንኻ ጥራዕራዕ

ተሰጊሩ ኢዩ ኣፍሺልናዮ ኢና
ኣብ ጉባኤ ምብጻሕ ሓድነት ጥራናፌና
ሃጢሞም ጢፊኦም ዝደለዮ ከጥፍኡና

ወይ ደቀይ ዘይተመረጽኩ
ሓላፍነት ዘይተዋሃብኩ

ኢልካ ውደብ የለን ፈሪሱ
ዋዕላ ኢሎም ነብሶም ክድብሱ
ብኽምዚ ምስምስ ካኣ ስልጣን ክለብሱ

ዕልማኒይን ኮይኖም ኣብ ጀርመን ፈሪሞም
ኢልክሙና !!!

ኣብ ከንያ ምስ - መድረኽ ተኻፊሎም
ኣጸሊምክሙና !!!

ንመስል ብሄረን - ሃይማኖትናን ረጊጾም
ኢልኩም ክትፈልዮና !!!

እዚ እንዲዩ ተንኮልክሞ - ውዲት ተግባራትኩም
ዘይፈሽል ዲዩ መሲልኩም!!!

እቲ ሃገር ናይ ኩሉ ምዃና ዲኹም ዘንጊዕኩም
ስልጣን ኩርሲ ኣታሊላትኩም!!!

ወይ ኩሉ ዘይፈልጣ ኤርትራ ኣላትኩም
ምስ ደንበ ተቃውሞ ኩፍ ዘይተብለኩም
ናይ ምልክት ሕቶ - መልሲ ካባኹም !!!

ብደገ ማዓር ብውሽጡ ዕረ ኣድራሻኹም
ብግስ ከይበለ ፈሺሉ ሽጣራኹም
ዓይኒ ብለይ ስኒ ብለይ ኮይኑ ኣካይዳኹም
ንሕና እንተ ዘይሓዝና ስልጣን ኢልኩም
ምፍራስ ውድብ ዝመረጸኩም
ንገለ ገለ ጉሩሃት - ዘታለልኩም

በሉ ንሕናስ ብኹሉ ዓቅምና
ብሓድነት ጥርናፌና
ንምዕዋት ስልፊ ናህዳና

ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ተቃለስቲ
ኢሂን ምሂን ክንባሃል ክንዝቲ

ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጉዳይ ሃገርና
ንዝግበር ናይ ሓባር ኣኬባታትና
ንካፈል እምበር ንስምዕ ንህብ ካኣ ራእዬና
ንገለጽ ነነጽር እንታይ ኢዩ መርገጽና
ኣብ ህሉው ኩነታትን መጻኢ መደባትና
ናይ ቀረባ ይኹን ናይ ርሑቅ እስትራተጂና

ናህዳዊት ሰልፍና ብኹሉ ኩነታታ
ነቅ ኣይትብልን ኢያ ጽኑዕ ኢዩ መስረታ
ናይ ወልቀ-ሰባት ኣይኮነትን ኩሉ ኢዩ ዝፈልጣ
ጽላል ናይ ጀጋኑ ሰብ ስረ ሸጥ ማዓንጣ
ውርሻ ኣቦታቶም ሰብ ጽኑዕ ዋልታ
ህርፋን ስልጣን ዘይብላ ብፍጥረታ
ረብሓ ሃገር ረብሓ ህዝቢ ኢዩ ምልክታ
ንመሰል ንሓርነት ኢዩ ቃልስታታ

ኣብነት ይኹኑ - ጀጋኑ ሓርበኛታትና
ሕድሮም ይኽበር - ጀጋኑ ሰማእታትና
ኣሰሮም ተኸቲልና - ክነድሕና ኢና ሃገርና

ደላይ ፍትሒ

ናህዳዊ

We use cookies to improve our website. More details…