ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ዕዉት ኣኼባ ኣካይዱ

Eritrean Nahda Party

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብዕለት 17 መስከረም 2016 ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ውጽኢት 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ፣ ብርክት ብዝበሉ ደገፍትን ተዳናገጽትን ዝተኻፈልዎ ዕውት ኣኼባ ኣካይዱ።

ኣቦ ወንበር ጨንፈር፣ ዛዕባ 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኣመልኪቱ፣ ዲሞክራሲያዊ ባህሪ ዝሓዘ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ነጻ ናይ ክትዕን ሓሳብካ ምግላጽን ከፊቱ ዕዉት ጉባኤ ዛዚሙ ክብል ኣሰፊሑ ገሊጹ።

2016 09 20

ኣስዒቡ ሓው ዩሱፍ ዑስማን፣ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ፣ ሰልፊ ዓቢ ዝላ ከመዝግብ ዘኽኣሎ ካብ ዲሞክራሲያዊ ባህሪ ተበጊሱ ንርእሱ ነቂፉ ውድቡ ንምድሓን ዝወሰዶ ዘኽርዕ ታሪኻዊ ሓላፍነት እዩ ክብል ብተወሳኺ ገሊጹ።

ብተሳተፍቲ ዝቀረበ ድጋፍን ለበዋታትን

ጽልግልግን ውልቃውነትን ለጊሱ እዩ ደጊም፣ ኣጆኹም ኣብ ግድንኹም ኣለና ዝብሉ ሓያል ለበዋታት ኣቅሪቦም።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሳዋኣትና

ዓወት ነቲ ሰሪሑ ኣስቡ ዘይረከብ ውጹዕ ብዝቢ ኤርትራ

20 መስከረም 2016

Top
We use cookies to improve our website. More details…