Print this page

ብሓልዮት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተዳለወ ክፉት ሃገራዊ ሰሚናር ፖለቲካውያን ሓይልታትን ህዝብን ብዓወት ተዛዚሙ።

24 July 2017

ብሓልዮት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተዳለወ ክፉት ሃገራዊ ሰሚናር ፖለቲካውያን ሓይልታትን ህዝብን ብዓወት ተዛዚሙ።


ትማሊ ቀዳም 22 ሓምለ 2017 እቲ ብሓልዮት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተዳለወ፡ ሃገራዊ መዛተይ መድረኽ (ሰሚናር) ኣብ ትሕቲ ብሓድነትና ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናንዝብል እዋናዊ ቴማ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንሓደ ማዓልቲ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ መዛተይ ዛዕባታት ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ዝሰርዐ ሰሚናር ኣሰላሲሉ። ኣብ መኽፈቲ ሰሚናር ቃል ኣዳላዊት ሽማግለ ሰሚናር ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው የኑስ ኢድሪስ ካብ ዘስመዖ መደረ፡ ’’ኣብዚ ሰሚናር 22 ሓምለ ንኹሎም ሃገራዊ ዛዕባታት ማለት ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን፡ ኣታሃላልዋ እቲ ግበታዊ ስርዓት ኩነታት ደምበ ተቓውሞ በቲ ዕላማ ሰሚናር ዝድለ ዕዉት ትጽቢቱ ንምትግባር ኣበርክቶ ሓርበኛታት ኣቦታት ኣብ ሕሉፍ ቃልሲ እቲ ዘይመውት ራእያ ዝዓሰሎ መወከሲ ብምግባርን ክሰላሰል መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ

ብስነ-ጥበባውያን ዝተዳለወ ንውዕለት ረዚን ዝክሪን ሕድርን ቀዳሞት ሓርበኛታ ዝምጥን ናይ ግጥምን ማሰን መሳጥን መሃርን ኣላዓዓልን ብዝኮነ ኣገብ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ናብቲ ስሩዕ መደብ ሰሚናር ብመራሕቲ ኣኬባ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዓብዱራሕማን ጣሃን ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ሓው ሑሴን ዓብድልዋስዕን ቦታ ብምሓዝ፡ ናብቲ ቀዳማይ ኣጀንዳ ብሓው ዶ/ር መሓመድ ብርሃን ዝቀረበ ናይ ተራ ቃልሲ ኣብ ታሪኻዊ ገድላዊ ሓርበኛዊ ቃልሲ ናይ ኣርባዓታት ዘተኮረ መጽናዕታዊ ጹሑፍ እኩል ግዜ ብምሃብ ድሕሪ ምምያጥ፣  ቀጺሉ ብምክትል ኣቦ ወንብር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ ኣብ መንቀሊ ቃልሲ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ፖለቲካዊ ራእያን ሃገራዊ ራእያን ብሰልፊ ተታሒዙ ዘሎ ዕላማ ሕቶ ብሄረ ጀበርቲ እምነትን ኣገዳስነቱን ኣብዚ ቃልሲ ዘተኮረ መሃሪ መጽናዕታዊ ጹሑፍ ድሕሪ ብምቕራብ ተሳተፍቲ ሰሚናር ካብ ውልደት ክሳብ ሎሚ ኣመለኻኽታ ኣብ ልዕሊ ሰልፊ ዝነበሮም ብግሉጽ ኣቐሚጦም፡ ኣብ ሃገራዊ ዕላማታት፡ ውድባዊ ዕላማታት ሕቶ ብሄርን ብሄረ ጀበርትን ኣገባብ ቃልሲ መጻኢ ራእያታት ዝምልከቱ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ብጉቡእ ምላሽ ሂቡሎም።
ቀጺሉ ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ብሓው ዓብዱራሕማን ጣሃ ዝቀረበ ዛዕባ ናይ ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባና ሓድሽ ምዕባሌታትን ንኤርትራን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዘእቱ ናይ ቀረባ ግዜ ሓደጋ ዘነጽር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ተርእዮታትን ጽልዋታትን ኣብ ደምበ ፍትሕን ኩነታት ብሰንኪ ግበታዊ ህግደፍ ክንዮ ኣጋጢምና ምብትታን ህዝቢ ሕጂ እውን ብዝላዓለ ደረጃ ጉዳይ ሉኣላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ይሳጣሕ ምህላዉን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ዝድህስስ መጽናዕታዊ ጹሑፍ ብተሳተፍቲ ሰሚናር ብዕምቆት ድሕሪ ብምዝታይ ብኹልና ደለይቲ ፍትሒ ብክፉት ዓይኒ ክረኤ ዘለዎ ጉዳይ ሙዃኑ ኣስሚሩሉ፡ ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ ዛዕባ ብሓው ዮሃንስ ኣስመላሽ ኣቦ ወንበር ኤስዲለ ፡ ንዝቐረበ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ብደሆታቱን መጻኢ ዕድላቱን ዝብል ገምጋማዊ መጽናዕቲ፡ ብፍላይ ንኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ብንጹር ገላጽን ስእሊ ኣብሪሁ፡ ነቲ ዘቕረበ ሰነድ ተዛተይቲ ሰሚናር ዝሰማሞሉ ምንባሩን፡ ካብቲ ዝተገልጸ ጸገማት ንክወጽእ እቲ እንኮ መፍትሒ እቲ ሕጂ እውን ናይ ሓባር ቃልሲ ሙኳኑ ብምስማር፡ ኣብ ነቲ ተሰኪምዎ ዘሎ ኩለመዳይ ጸገማት ብኸመይ ክወጽእን ህዝቢ ንምድሓን ቁሩብነቱ ከረጋግጽን ንዝብል ዝተኻየደ ዘተ ናይ ሓባር ርእቶ ሒዙ ወጺዩ።


ኣብ መዛዘሚ ሰሚናር ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዓብዱራሕማን ጣሃ ንኩሎም ነዚ ዕደመ ሰሚናር ተቀቢሎም ንምዕዋት ሃገራዊ ዘተ ኣብዚ ኣደራሽ ዝተረክቡ ውድባትን ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝመጹ ናይ ፖለቲካ ንጡፋትን ውልቀ ሰባትን ብምምስጋን ነቶም ኣብዚ ዘይተረኽቡ ዘይካኣሉ እውን ኣብ ዝቕጽል ከምዚ ዓይነት መድረኻት ቀሪቦም ከበርክቱ ብምምናይ፡ ሎሚ ብሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተወሰደ ተበግሶ ንምርኻብን ንምዝታይን ደለይቲ ፍትሒ ዝተካየደ ብመሰረት ርእቶታት ኣብዚ ሰሚናር ክባሃል ዝዋዓለ እቲ ተበግሶ ብልቅን ብሓባርን ናይ ውድባት ንምቕጻሉን ነቲ ኣብ ጹቡቕ ኩነታት በጺሁ ዘሎ ኩነታት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ቦቱኡ መሊስና በዚ ድማ እቲ ውጺኢት ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ብምብራኽ ናብቲ ንደልዮ ዓወት ከሰጉመናን ወጽዓናን ውጽዓ ህዝብናን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክንቀርፍ ከምዘቀላጥፈልና እምነቱ ገሊጹ።

ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
22 ሓምለ 2017

EnpNahda

Latest from  EnpNahda

Related items

Login to post comments
We use cookies to improve our website. More details…