25.10.2021 ዛጊት መሰረት ዘይብሉ ጠቐነ ክሲ ምጽናት ዓሌት ኣብ ትግራይ ብኤርትራ

Print

 

 

ERPJ  Media logo

25.10.2021
ዛጊት መሰረት ዘይብሉ ጠቐነ ክሲ ምጽናት ዓሌት ኣብ ትግራይ ብኤርትራ


እዚ ኣብ ሰሜን ኤትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ስዒርካ እውን ተሳዓሪ ትኾነሉ ህይወት ብዓሰርተተት ኣሻይሕ ዝቕጸሩ ዜጋታት ዘጥፍእ ዘሎ፡ ዘይሓላፍነታዊ ዕጥቃዊ ተጻብኦ እዩ፡ እዚ ሕጂ ብስምዒት ተሰንዩ ዝካየድ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ይኹን ስትራተጂካዊ ረብሓ ዘይብሉ፡ መሰረታዊ ህዝባዊ ጠቅሚ ዕላማ ዘይገበረ፡ መሬት ሰላም ምስ ኮነ ተሓታቲ ከምዝህልውሉ ፈጺሙ ኣየጠራጥርን። ኤርትራውያን መንቀሊ ቃልስና ንጹር እዩ ነይሩ፡ ንሱ ኻኣ ፍትሕን ራሕዋን ደሞክራስን፡ ከምኡ ውን ብሰላም ምንባር እዩ፡፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ተሰሪቱ ዘሎ ኣምባ ገነናዊ ስርዓት፡ ባህሪያውን ዝተቓለስናሎም፡ መሰላት እንተ ነፈገና’ኳ መልእኽትን ሕድርን ልዕሊ 80 ዓመታት ዝተኻየደ ቃልሲ ደው ኣይክብልን እዩ፡ ኤርትራ ብዝምልከት ጉዳያት ካኣ ኣብ ዚኾነ ይኹን ኣዋን ኣይንቋመረሉን፡ 30 ዓመታት ንፍትሕን ደሞክራስን ተቃሊስና ሕጂ ውን ቃልስና ቀጻሊ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣመልኪቶም፡ ዝተፈላለዩ ኤርትርውያን ባእታታት ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ብቃልን ጽሑፍን ርእይቶ ክህቡን መርገጽ ክወስዱን ጸኒሖም’ዮም። ኣብ ዕለት 5 ጥቅምቲ 2021 ኣርባዕተ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ዝዋስኡ ጉጅለታት ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን መራሕቲ፡ ኣብ ትግራይ ምጽናት ዓሌት ከም ዝፈጸሙ ዝሕብር ጽሑፍ ናብ ፕረሲደንት ጆ ባይደን ልኢኾም፡ ብኡ መሰረት ካኣ እቲ ማዕቀብ ክጋፋሕ ተማሕጺኖም፡ እዚ ስጉምቲ፡ መድረኽን ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ብጠቕላላ፡ ከምኡ ውን ፍልሊያትና ኣብ ድንበ ተቓውሞ ብዕቱብ ዘገንዘበ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ጸገማትና ዘካብድ ሓጋዚ ዘይኮነ፡ ግዜኡ ዘይሓለወ፡ ኤርትራውያን ይኹኑ ማሕባረ ዓለም ብዕምቀት ዘትዩ ዘይበጸሖ፡ ዘይዓገበሎምን፡ ተኣፋፍን ሓደገኛን ዛዕባ ሒዝካ ናብ ዓለምለኻዊ ናይ ፖለቲካ መድረኽ ምኻድ ቅኑዕ ኣይንብሎን።


ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ፡ እዚ ጽሑፍ ከነውጽእ ዝገደደና እቲ ክስን ሳዕቤናቱን ኣዝዮም ሓደገኛታት ስለ ዝኾኑ እዮም፡ ኣብዚ ውግእ ኤርትራ ከም ሃገር፡ ተሳቲፋቶ ስለ ዘላ፡ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ናብ ሰራዊት ኤርትራ ዘቕነዔ ምዃኑ ኣየጣራጥርን፡፡ ብኡ ኣቢሉ ንኤርትራ ተኸሳሲት ሃገር ይገብራ። ናብ ውልቀ ሰባት ዝቐርብ ክሲ፡ ተኸሰሲ ምስ ሞተ ክሱ የብቕዕ፡ ሃገር ክትክሰስ እንከላ ግን ናይ ታሪኽ ተሓታቲት ይገብራ። ንወለዶታት ዝምልከት ካኣ ይኸውን፡ ጀርመን ህያው ኣብነት’ያ፡ ምጽናት ዓሌት ዓቢ ገበን ኮይኑ ታሪኻዊ በሰላ ዝገድፍ፡ ዘሕፍርን ኣጸያፍን ፍጻመ ኣዩ፡ ኣብዚ ግዜ ብኤርትራውያንን፡ ካልኦትን ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራን ሰራዊታን ተበጊሱ ዘሎ ወፍሪ ምጽናት ዓሌት ናይ ሎምን መጻእን ትውልድታት ኤርትራ፡ ሓፊሩን ሓኒኹን ተሸቕሪሩ ተሰኪፉን፡ ናይ ሞራል ትሕትና ተሰሚዕዎ ብሕንከት ዘይውዳእ ዕዳን መስዋእቲ እናኸፈለ ንኽነብር ዝዓለመ ኣዩ።

ኤርትራዊ፡ ኤርትራውነቱ ክጽየፍ ኤርትራውነቱ ክኽሕድ፡ ብኡ ኣቢሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምብራስ ዝካየድ ዘሎ ሰራም ወፍሪ ምዃኑ ብሩህ’ዩ። ክሲ ህልቂት ዓሌት ናይ መላይን ዶላራት ዕዳ፡ ወተሃደራዊ እገዳ፡ ምምብርካኽ ሃገረ ኤርትራ ናይ ስነ ልቦና ጸገም ይፈጥር። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ከምዚ ዝበለ መልእኽቲ ምስዳድ ቅኑዕ ጌርና ኣይንርኦን እቲ ዘስደምም፡ ዜጋታት ኤርትራ ነታ ኣብ‘ዚ ውግእ ርትዓውነቱ ብዘየገድስ ዝተሳተፈት ሃገር፡ ብምጽናት ዓሌት ምኽሳሶም እዩ። ኣብ ታሪኽ ሃገሮም ብህልቂት ዓሌት ክትክሰስ ጻውዒት ከቕርቡ ኣይስምዑን፡ ምጽናት ዓሌት ተባሂሉ ኢልካ ዝበሃል ዘይኮነስ ናቱ ሳይንሳዊ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎ ብመጽናዕቲ ዝብጻሕ ክሲ እዩ፡ እዚ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ንግዜኡ ካብ ጠቐነን ጸለመን፡ ዝሓልፍ ኣይኮነን ምኽንያቱ፡


1. ሕጋዊ መሰረት የብሉን፡ ንኽሲ ምጽናት ዓሌት ዝበቕዑ ስነ ፍልጠታዊ መርትዕታት ቀሪቦም ብዝምልከቶም ኣካላት ተለልዮም ዝተዋሃበ ይግባይ ዘየሰንፎ ብይን ስለዘይኮነ።
2. ናብ ናይ ውግእ ፕሮፓጋንዳ ዝዝርግሑ ቃላትን ሓረጋታትን ኣቲኻ ጸግዒ ዝሓዘ ወድዓውነት ዝበኾሮ መግለጺ ስለዝኾነ፡፡ ኣብዚ ውግእ ኩሎም ሸነኻት፡ (ትግራይ፡ ዓፈር፡ ኣምሓራ) ነናቶም ኣሃዛትን ምስክርነትን ኣቕሪቦም፡ ናይ ዘርኢ ምጽናት የጋጥመና’ሎ፡ እናበሉ ጥርዓን ዘቕርበሉ እዋን፡ ፈሊኻ መርገጽ ምውሳድ ሓጋዚ ኣይኮነን፡፡ ኣብ እዋን ውግእ እታ ቀዳመይቲ ግዳይ ሓቂ ስለ ዝኾነት ምጥንቃቅ ናይ ግድን እዩ፡፡ ስለዚ ሃገርን ትውልድታትን ክጎድእ ዝኽእል ሕቶታት ኣብ ክንዲ ምልዓል ብኸመይ ኣብ ሓደ መጺና ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ነረጋግጽ ኢልና እንተ’ተበገስና ዝሓሸ እዩ።
ህዝብን ሃገርን ኣብ ዓቢ ሽግር እንከሎ ዘይምልከተና ተኣፋፊ ዛዕባ ኣልዒልና ምስሕሓብ ንጉዳይናን ጉዳይ ጎረባብትናን ኣይጠቅምን ዝብል እምንቶ ኣዩ ዘሎና። ካብዚ ተበጊሱ ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ እዚ ዝስዕብ ጻውዒት የቕርብ፡
1. ነጻ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ኢሻራዊ ብሰብ ሞያ ዝተሰነየ መርመሪ ጉጅለ ቆይሙ ንግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራ፡ ዚጋታት ትግራይ፡ ከምኡውን ቆልዑትን ኣንስትን ሽማግለታት ዓፈር፡ ኣብ ልዕሊ ንጽሃት ሰላማውያን ዜጋታት ወሎን፡ ጎንደር፡ ማይ ካድራን መርሚሩ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቕርብ።
2. ውግእ ኣብ ኢትዮጵያ ፍታሕ ከምጽእ ስለ ዘይክእል ብምርዳእ ብ27 ታሕሳስ 2020 ዘቕረብናዮ ጻውዒት ብምሕዳስ ደው ክብል ከምኡ ውን ብዘተ ክፍታሕ።
3. ሓገዝ ናብ ግዳያት ውግእ ብዘይ ምዝንጋዕን ምዕጋትን ክበጽሕ።
4. ሰራዊት ኤርትራ ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ክሳብ ዘይተደፈረ ኣብ ዶብ ሃገሩ ኮይኑ ዶቡ ክሕልውን ክካላኸልን ንላቦ፡፡

ሰላምን ስኒትን ንኣህዛብ ቅርኒ ኣፍሪቃ።
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና
ኣቦ ወንበር ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ
ዶር መሓመድ ብርሃን

            

We use cookies to improve our website. More details…