ጥሪ 6- 2022 ርሑስ በዓለ ልደተ ንኣመንቲ ክርስትና፡ርሑስ ሓዱሽ ዓመት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡

Print

 

 

Logo Website

            

ጥሪ 6- 2022
ርሑስ በዓለ ልደተ ንኣመንቲ ክርስትና፡ርሑስ ሓዱሽ ዓመት ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡


ብምኽንያት በዓለ ልደተ ክርስቶስ፡ ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ፡ ንኹሎም ኣመንቲ ክርስትና፡ ብፍላይ ካኣ ንኣመንቲ ክርስትና ኤርትራ እንኳዕ ኣብጸሓኩም ክብል ኣዝዩ ሓጎስ እስማዕኒ፡፡
እዚ ዓመት ርሑስ ዓመት ክኾነልና ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ከምኡ ውን ርግኣትን ጸጋን ዝብርክተሉ ክኸውን፡ ጎምበስ ኢልና ንፈጣሪ ክንልምኖ ይግባእ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኽካ ዝኸፈልካዮ ዋጋ ረዚን እዩ፡ ኣብዚ ዝዝከር ታሪኽ፡ ዓሪፍካ ቀሲንካን ፍትሒ ረኺብካ ኣይትፈልጥን፡ ካብቲ ዘስደምም ባህሪያታትካ ካኣ፡ እንተኺኢልካ ብጅግንነት እናተቓለስካ፡ እንተዘይ ክኢልካ ኻኣ ብትዕግስቲ እናተጻወርካ ትነብር ዓቢይ ህዝቢ ኢኻ፡ ኣብዚ እዋን በዓለ ልደት ሓዱሽ ዓመትን እተሕልፎ ዘለኻ ሓሳረ መከራ፡ ረኺብካዮ ዘለኻ ኣደራዕን፡ ንርእዮን ንሰምዖን፡ ንካታተሎን ኣለና፡ መሪር እዋን ተጻዊርካ ትከይድ ዘለኻ፡ መስዋእቲ ኣሰኪፉካ ዘይኮነስ ልቢ ኣዕቢኻ ምዃንካ ውን በጺሕናዮ ኢና፡፡ ነቶም ጸላእትኻ ከነዘኻኽሮም ንደሊ ካኣ፡ ንፍትሒ ዝኮነ መስዋእቲ ከፊልካ ተዓዊትካ ብርድግ እትብል ህዝቢ ምኹንካ እዩ፡ ንሕና ኤርትራውያን ምስጢር ዓወትና ሃይማኖታዊ እምነትና እዩ፡ ተኸተልቲ ኣብነትን ኣስተምህሮ ክርስቶስ-ነቢይ መሓመድን (peace be upon him (ሰልላህ ዓለይሂ ወሰለም) ምዃንና፡ መስዋእቲ ተማሂርና፡ ኣስተምህሮ ቁራኣን ኣልከሪም-ዙልም-ዓመጽ ከይትጻወር የገድደካ፡ ንሱ ካኣ ንስድራኻ፡ ሃገርካ፡ ንብረትካ መስዋእቲ ክትከፍል ይጠልበካ፡ ኣስተምህሮ ናይ ክርስትና ክርስቶትስ ውን ንዓለምን ወዲሰብን ንኸድሕን ከም ተሰወኤ ይነግረና፡ ኤርትራ ዝተዓደለት ሃገር ዝገብራ፡ ንዝተባረኹ ክብርታት ንኽንስዋእ ዘስተምህሩ ሃይማኖታት ስለ ዘለዋ እዩ፡፡
በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካባኻ ዝጥለብ፡ ሃገርካ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ውግእ ስለ ትርከብ ዘላ። ነቲ ብሳዕቤኑ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ህልውናኣን ህዝባን ከም ወትሩ ብጽኑዕ ሓድነት ከትምክቶን ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ክትካላኸል እዩ፡፡ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ራህዋ ርሑቅ ኣይኮነን እሞ ሰናይ በዓላት ንትምነየልካ።
ነዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ እውን ሕጽር ዝበለ መልእኽቲ ከምሓላልፈሉ እፈቱ። ድሕሪ 30 ዓመታት እምባገነናዊ ምሕደራ ባህሪያታትካ ይኹን ሕልናኻ ክትውከስ የማሕጽነካ፡ ብዘይ ምርቓን ቆጽሊ ህዝብን፡ ብሓይሊ ከላሽንኮቭ ኤርትራ ሃገርና ንልዕሊ ንርብዒ ክፍለ ዘመን ከትገዝኣ ጸኒሕካ፡ ኣብ እዋን ምሕደራኻ፡ ሃገርና ኤርትራ ብቕጠባ በሪሳ ህዝባ ደኽዩ፡ መንእሰይ ዋሕስ ልኡላውነትን ሃናጽ ሃገርን ከንሱ፡ ንህይወቱ ሓደጋ ብዝኾነ ናብ ዘይተጸንዔ ቦታ ሃጽ ኢሉ ክስደድ ተገዲዱ።


እዚ ድኽመትን ሕጽረትን ምሕደራ፡ መንግስቲ ባዕልኻ ዝመስከርካዮ ሓቂ እዩ፡ ስለዚ ንኽብሪ ዝተኸፍለ መስዋእትን ምውሓስ ቀጻልነት ልኡላዊት ሃገረ ኤርትራን ፍትሕን፡ ብዘይ ሓደጋን ብዘይ ወዓል ሕደርን ብሰላም ስልጣን ናብ ህዝቢ ከተመሓላልፍ እላበወካ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት ዓሰርተ ዝኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፖለቲካዊ ስልጣንን ወተሃደራዊ ሞከነናትን ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዮም እዮም፡ እቶም ዝተረፍኩም ካኣ ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ስለዘለኹም፡ ኣብዚ ዓመት ውን ክቅጽል እዩ፡፡

እዚ ትምኒት ዘይኮነስ ባህሪያዊ ስለዝኾነ እዩ፡ እዚ እቲ ሓቂ ካብ ኮነ በቢ ሓደ ካብ ዓለም እናተፈለኹም ክትከዱ ብኡ ኣቢላ ሃገር፡ መራሕ ኣልቦ ኮይና ክትፈርስ እንተኾይኑ ዕላማኹም ግን፡ ኣብዚ ብሩኽ መዓልቲ፡ ዘይምጥን ቃል ወይ ዘላዓዕል ጻውዒት ካብ ምጥቃም ንኽቁጠብ ኣይፋልኩምን እብል። ንሰራዊት ኤርትራ ብዝምልከት ኣብዚ ሃይማኖታዊ በዓል ሓዱሽ ዓመትን ኣብ ክንዲ ምስቶም ተፍቅሩዎም ስድራ ቤትኩም፡ ትፈትውዎም ኣዕሩኽቲ፡ ብሓጎስን ፍስሃን ተሕልፍዎ፡ ኣብ ግንባራትን ድፋዓትን ንኽብሪ ሃገርኩም ንምክልኻል ህዝብኹም ንውሕስነት ልኡላውነት ሃገርኩም ትኸፍሉዎ ዘለኹም ዋጋ ህይወት፡ ክብርን ሞጎስን ይኹንኩም ምስጋና ካኣ ይብጻሕኩም። እንደገና ዮውሃና ህዝቢ ኤርትራ


ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዋኣትና፡
ደር መሓመድ ብርሃን ኢድሪስ፡
ኣቦ ወንበር ሰልፊ ሕዳሰ ኤርትራ ንፍትሒ                                

We use cookies to improve our website. More details…