መልእኽቲ ናብ ህዝብና፡

 

 

መልእኽቲ ናብ ህዝብና፡ ብምኽንያት ተመሓላላፊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡


እዚ ዘለናዮ ወቕቲ፡ብሰንኪ ለበዳ ተመሓላላፊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ዓለምና ኣብ ከቢድ ወጥሪ፡ሻቅሎትን ቅልውላውን ኣትያ ትርከብ፡ ንሕና ኤርትራውያን ከም ኣካል ማሕበረሰብ ዓለም፡ካብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ኩነታት ሓራ ክንከውን ዝከኣለና ኣይኮነን፡ እኳ'ዳኣ ምስቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህዝባዊ ሓልዮትን ወገንነትን ዘይስምዖ፡ግፍዐኛን ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት፡ዕለታዊ ስኽፍታናን ሰግኣትናን ረዚን'ዩ፡፡

ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሃገርና ብመንገዲ ሓደ ካብ ነርወይ ተበጊሱ ብዱበይ ኣቢሉ ናብ ኣስመራ ዝኣተወ ወዲ 39 ዓመት ኤርትራዊ ዜጋ ከምዝተረኸበ፡እቲ ስርዓት ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ክረጋገጽ ተኻኢሉ'ሎ፡፡ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ዝኸበርካ ውጹዕ ሓፋሽ ህዝብና ዕለታዊ ኣብ ተጠንቀቕ ኮይንካ ነብሰ ምክልኻልካ ክተዕዝዝ፡መባእታውን ቀንድን መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ዝበሃሉ ኣገባባት፡ ምድራትን ምቁራጽን ማሕበራዊ ርክባት፡ምቁጣብ ካብ መገሻታት፡ምሕጻብ የእዳው፡ምዕቃብ ካብ ናይ ኢድ ምልውዋጥ ሰላምታን ርሕቀት ፍንታተን ክተዘውትርን፡ዓለማውን ሃገራውን ትካላት ጥዕና ዘውጽእዎ መምርሒታት ብግቡእ ክተተግብር ጻዊዒትና ነመሓላልፈልካ፡፡
ምስ'ዚ ተኣሳሲሩ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ሓለዋ ጥዕና፡ ሞያዊ ዓቅምታትኩም ጸንቂቕኩም ከይተሓለልኩምን ድሕነት ጥዕና ሓፋሽ ህዝብና ንምርግጋጽ ክተግሁ፡ ብስም ውጹዕ ህዝብና ንጽወዓኩም፡፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣስገዳዳዊ ጅምላዊ ግፉታት ከይተካይዱን፡ ነቶም ብኣእላፍ ዝቁጸሩ ኣበየ ቦትኡ ብዘይ ፍትሓውን ዘይንቡርን ኣገባብን ኣብ ትሕቴኹም ተቀይዶም ንዘለው የሕዋትኩም ክትደናገጹን፡ ኣብ ምሕላው ጥዕነኦም ሓጋዚ ዝኾነ ወሳኒ ስጉምታት ክትወስዱ ብስም ውጹዕ ሓፋሽ ህዝብና ንጽወዓኩም፡፡
ኣብ ንግዲ ተዋፊርኩም ዘለኹም ደቂ ሃገር ነዚ ተኣፋፊ ኩነት መዝሚዝኩም ዕዳጋ ብምውቃዕ ቅልውላውን ጸቅጢ ዕለታዊ መነባብሮ ውጹዕ ሓፋሽ ህዝብና ከይተበኣእሱ ንጽውዓኩም፡፡ ኣብ ደገ ዘለኹም ንህዝብና ዓይንን እዝንን ኮይንኩም ሕጽረትን ሰእነትን ሓበሬታ ኣብ ምቅራፍ እትነጥፉ ዘለኹም፡ ሰብ ሞያ ሚድያ መራኸቢ ብዙሃን፡ ኣድህቦኹም ኣብዚ ወቅታዊ ጉዳይ ለበዳ ተመሓላላፊ ሕማም ብምግባር፡ ህሉው ኩነታትን ኣስተምህሮኣዊ ሓበሬታት ንህዝብና ክተስንቅዎን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ስደት ዘለኹም ዜጋታትና ነብስኹም ክትከላኸሉ ጻዉዒትና ብኣኽብሮት ነመሓላልፈልኩም፡፡

ፈጣሪ ንውጽዕ ሓፋሽ ህዝብና ይሓልወልና!!
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!
ሰልፊ ትንሳኤ (ናህዳ) ኤርትራ
መጋቢት 2020

Top
We use cookies to improve our website. More details…