ሃገራዊ ጻውዒት ብሰልፊ ትንሳኤ (ናህዳ) ኤርትራ

Print

 

 

ሃገራዊ ጻውዒት ብሰልፊ ትንሳኤ (ናህዳ) ኤርትራ


ካብ መፈለምትኡ ኣካይዳን ኣተሓሳስባን መሪሕነት ስርዓት ግበታዊ ህግደፍ፡ኣዕናዊ ብምንባሩን ነዚ ኣዕናዊ ባህርያቱ ከም መዕበያ ፖለቲካዊ ባህሊ ሰለ ዝወረሶን፡ ንህዝብታት ኤርትራ ድሕሪ'ቲ ዝኸፈሎ ረዚን መሰዋእትን ዘረጋገጾ ሃገራዊ ናጽነትን፡ብልዕልና ግዝኣተ ሕጊ፡ ብሰላም፡ ብዲሞክራሲ፡ ብልምዓት፡ብሓባርን ምክብባርን ከነባብሮምን ናብ ስልጣነ ዕብየት ክመርሖም ዝከኣሎ ኣይነበረን፡፡ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ፡ኣዕናዊ ፖለቲካዊ መዕበያ ባህርያቱ ዝያዳ ኣማዕቢሉ፡ናብ ፍጹም ጭካነ ብምውራድ፡ጸላእን ጸረ ህዝብታት ኤርትራ ኮይኑን፡ናብዚ ሎሚ ዘለናዮ ኣስካሕካሒ ኩነተ ህላወን፡ መጻኢ ሓደጋታትን ድማ ኣሳጢሕና ይርከብ፡፡


ጨካንን ገባትን ስርዓት ህግደፍ፡ንኹሎም ህዝብታት ኤርትራ ግዳይ ኣዕናዊ ሰራም ፖለቲካዊ መዕበያ ባህርያቱ ገይርዎም'ዩ፡፡ ንእምነቶም፡ክብርታቶምን ርዝነቶምን የሕሲሩ፡ ንስደት፡ ድኽነት፡ ድሕረት፡ ሕስረትን ብርሰትን ክቃልዑ'ኳ እንተገበረ፡ህዝብታት ኤርትራ ንስለ ህላውነቶም፡ ኩሉንትናዊ ሓርነታቶም ክብርታቶም ክቃለስዎ ድማ ኣስገዲድም ይርከብ፡፡እዚ ይኹን ዳ'ምበር ንሕና ኤርትራውያን ከከም ወጽዓናን ተረድኦናን፡ የቃልሰናዩ ዝበልናዮ ፖለቲካዊ ራእያታት ዓጢቕና፡ ዝመረጽናዮ ኣገባብ ቃልስን ጥበባት ውዳበታት ተኸቲልና ንዓመታት ኣብ ቃልሲ ጸሚድናን፡በብግዚኡ ድማ ተቃውሞታትና እናበርከተ መጺኡ'ዩ፡፡ ኮይኑ ግን ክሳብ ሕጂ፡ ብሰንኪ ባዓልቤታውን ዉሁባት ሽግራትናን፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝዳረግን፡ ንምእላዩ ዘብቀዓናን ፖለቲካዊ ሓይሊ ከይወነና ምጽናሕና ዘይስገር ሓቂ'ዩ፡፡በዚ ድማ መድረኽ ዝጠልቦ ቃልሲ ብዘይምክያድና፡ክሳብ ደምበ ተቃውሞ ውህደት የብሉን፡ግብራዊ ስራሕ'ውን የብሉን፡ናብ ምባል ደረጃ ምብጽሑ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭብጢ'ዩ፡፡
ኩነተ ዘይብቁዕነትና፡ ወጽዓ ሓፋሽ ህዝብና ዝያዳ ክበራኸትን ክመርርን፡ዕምሪ ጨካን ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ድማ ክነውሕን ገይሩ'ዩ፡፡ሎሚ ሎሚ ድማ፡ብፖለቲካዊ ጥፍሽናን ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎን ድሩትነትን ክሳቀ ዝጸነሐ ስርዓት ህግደፍ፡ብስም ዘይንቡር ሰላምን፡ ሸፈጣዊ ሸራሒ ሽርሕታት መተንፈሲ መሳኹቲ ረኺቡ፡ንፋስ ክውቃዕ ጀሚሩን፡ክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ቀንጢጡ ብሉኡላውነት ሃገር ክዋዘ ንምርኣዩ ኣብቂዕና ጥራይ ዘይኮነ፡እቶም ኣብ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎን ቅልጽምን ህዝቢ ኤርትራ ዝተሳዓሩ ባዕዳዉያን ገዛእትን፡ብዘይ ማያትን ወደባትን ኤርትራ ሂወት ኣልቦ ኢና ዝብሉ፡ዘይእጀቶኦም ክግብቱ ንዝሕንሕኑ ህሩፋት ሰብ ሪሒብ ሽውሃት ሓለምትን ጥዑሳትን፡ሓደጋ ክወድቁናን ናብ ዘመነ ኣርባዓታት ሓምሳታት ክመልሰና ድኽምቲ ሃገር ፈጢሩ ዲል ሂብዎም ይርከብ፡፡በዚ ድማ ቃልስታትና ብድሆታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፡፡


ንኹልና ኤርትራውያን፡ኣብ ምንዳይ ፍትሒ ተሰሊፍና እንቃለስ ዘለና፡ንኹልና ማዓረ ዝገብረናን ዘሰማማዓና ናይ ሓባር ዝኾነ ጨካን ጠላሚ ጸላኢ ስርዓት ኣለና፡፡ ነዚ ስርዓት'ዚ ንምውጋድ በብሸነኽና ክንቃለሶ'ኳ እንተጸናሕና፡ዓቅምታትና ክላፈንን ክወሃሃድን ብዘይምኽኣሉ ክነድመዓሉ ኣይከኣልናን፡፡ ከም መቀጸልታ'ዚ ድማ ብሕቶ ሃገራዊ ሓድነትና ክንፍተንን፡ግዳያት ሽርሒታት ጠላሚ ስርዓት ህግደፍን፡ ኣዕናዊ ፈላላይ ኽስተትን ከምኡ'ውን መፍቶ ገለ ገለ ብድሕረታትን ጽበትን ጸቢብ ኣመለኻኽታን ዝቅንዘው ባእታታት ክንከውን ጸኒሕናን ኣለናን፡፡
ቀንድን ካልኣዊ ሕርያ ዘይብሉ፡ መፍትሒ ወይ መዋጽኦ ሽግራትና ዝኸውን፡ናይ ሓባር ጸላኢና ብሓባር ምግጣሙን ምእላዩን'ዩ፡፡ ግብራዊ ክውንነት ናይ'ዚ ንምጭባጥ ድማ፡ ኩልና ኤርትራውያን ብዝወረደና ግፍዓዊ ወጽዓታት ሕድሕድና ክንተኣማመን፡ ብሕውነታዊ ሓልዮታት ክንቀራረብን ክንተሓቛቆፍን፡ ሃገራዊ ሓድነትና ካብ ዉዲታዊ ብከላን ሽርሽራን ክንከላኸል ግድን ይኸውን፡፡ በዚ ኣቢልና ድማ ሃገራዊ ሓድነትና ኣጽኒዕና፡ ዓቅምታትና ኣወሃሂድና ተርኒዕና ምስ'እንዓይ፡ ደመኛ ጸላኢና ስርዓት ህግደፍ ዘይንኣልየሉን፡ ድሕነትን ቀጻልነትን ህዝብናን ሃገርናን ዘይነረጋግጸሉ እንኮ ምኽንያት የለን፡፡


በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ሰልፍና ሰልፊ ናህዳ (ትንሳኤ ኤርትራ)፡ ንዕዙዝነትን ዕምቆትን ሃገራዊ ሓድነትና ቀዳምነት ብምስራዕ፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትና ንምቅርራብ ከይተሓለለ፡መቀራረብን መዛተይን መድረኻት ብምፍጣር ክዓይ ጸኒሑ'ዩ፡፡ ሕጂ'ውን ኣተሃላልዋ ኩሎም ሓይልታትና ብምርዳእ፡ ደቂቕ ገምጋምን ሰፊሕ መጽናዕታት ብምክያድ፡ሓይልታትና ብኸመይ ይጥርነፉን ይሰርሑን ዝእምት፡ኣብ ሃገራዊ ሓድነትና ዘሰማማዓናን ናብ ሓደ ጥርኑፍን ድልዱልን ባይታ፡ከምጸኣና ይኽእል'ዩ ዝበሎ ንድፈ ሓሳብ ኣዋዲዱ ኣብ ምጽፋፍ ከምዝርከብን፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ድማ ንሰፊሕ ዘተ ከውርዶ ምኳኑ ይገልጽ፡፡
ምስ'ዚ ተኣሳሲሩ፡ ሰልፊ ናህዳ (ትንሳኤ ኤርትራ)፡ ኩሎም ሃገራውያን ተቃለስቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት፡ ጥርናፈታት ባይቶ ይኣክል፡በርገሳውያን ማሕበራት፡ግዱሳትን ጸለዉቲ ውልቀ ሰባት፡መራሕቲ ሃይማኖት፡ዓበይቲ ዓዲ፡ምሁራት፡ደቀንስትዮን መንእሰያትን ቀዳምነት ንሃገራዊ ሓድነትና ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ሂቦም ብዝሓየለ መልክዑ ክቃለሱ፡እዋናዊ ሃገራዊ ጻዊዕታት እናመሓላለፈ፡ምስ ኩሎም ቀዳምነት ድሕነት ህዝብን ሃገርን ሰሪዖም ተወፍዮም ዝቃለሱ፡ኣብ ሕቶ ሓድነት ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፡ሃገራዊ ናጽነቱን ሉኡላውነቱን ዘይጉርበስ ጽኑዕ እምነትን መትከላትን ዝውንኑ ሃገራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ማሕበራትን ጥርናፈታትን፡ተቀራሪቡ ክሰርሕ ዘለዎ ልዑል ቅሩብነትን ድሌትን የረጋግጽ፡፡


ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ! ውድቀት ንጨቛንን ገባትን ስርዓት ህግደፍ!
ሰልፊ ትንሳኤ (ናህዳ) ኤርትራ
18 መጋቢት 2020

We use cookies to improve our website. More details…