ደምዳሚ ኣዋጅ ፡ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ (2)

Eritrean Nahda Party

ደምዳሚ ኣዋጅ ፡
ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ መበል 5ይ ምዱብ ኣኼብኡ ኣብ ትሕቲ ቅድም ቀዳድም ድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝብል ቴማ ካብ 28-31 ታሕሳስ 2018 ኣብ ዘሎ ግዝያት ኣሰላሲሉ።

እዚ ንልዕሊ ሰለስተ መዓልታት ኣብ መፈጸምታ ወርሒ ታሕሳስ ዝተኻየደ ኣኬባ ኣብ ኩነታት ፖለትካ ዓለምና፣ ዞባናን ከባቢናን ብሓፈሻ፡ ብቀንዱን ብፍላይን ድማ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ሰልፊ፡ ዘለው ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ዝራኣዩ ሓደስቲ ተርእዮታት ኣብ ዝምዕብሉሉ ዘለዉ ተኣፋፊ ኩነት ብዕምቆት ብምድህሳ’ዩ ተዛትዩ።


ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ነቲ ኣብ ዓለምናን ዞባናን ኩነታት ኣብ ዝዳህሰሰሉ፡ እቲ ናይ እንኮ ቀጽራዊ ዓብላልነት ፖለቲካ ዓለምና መዓይርቲ ተረኺብዎ ኣብ ዝተፈላላየ ሚዛትናት ዝዛዙ ዘሎ እዋን፡ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ እኳ እንተዘይኮነ፡ መን ዓለማዊ ጸጋታት በሓተን ዓለማዊ ልዕልነት ኣረጋገጸን ዝሰረቱ፡ እምቢታት ብዓውታ ዝቃላሓሉን፡ ቀዳምነት ናተይ ረብሓ ፖለቲካዊ ክብረይ ዝብል ድምጽን ንጥፈታትን ክስማዕን ክረአን ጀሚሩ ኣሎ።

ንሕና’ውን ሓያላን ተጽዕኖ ኣይንቕበልን፡ ናይ ካልኦት መሳርሒ ኣይንኸውንን፡ ብግሉጽ ንሓባራዊ ረብሓ ብሓባራዊ ሽርክና ደኣምበር ኣብ ትሕቲ ዘይብሩህ ዝምድና ንልኡላውነትናን ሰብኣዊ ክብርናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይነውርድን ዝብል ስምዒታት ብሓሳብን ብተግባርን ምቅልቓሉ ዓለማዊ ሓይሊ ሚዛን ክሕሎ ስለ ዝገብር ነታ ድሕሪ ዝሑል ኩናት ከም ተዓዋቲት ኮይና ንሓደ ርብዒ ዘበን ዓለማዊ ሓይሊ ሚዛን ወኒና ዝጸንሓት ኣሜሪካ፡ ከነርክባ ኢና ብዝብል ብሓድሽ ሓይሊ ሚዛን ቻይና ኣብ ስኽፍታ ዝኣተወት ኣብ ዘላትሉ መድረኽ’ዚ ዓለማዊ ጽልዋ ዘለወን ተወሰክቲ ሃገራት እውን ይቀላቐላ ምህላወን ብደረጃታት ጥራይ ተፈላለየን ዘለዋ ከም ብዓል ዓባይ ኤውሮጳ፡ ሪፓፕሊካዊት ሃገረ ቱርክን መሻርኽታን፣ ኢራንን መሻርኽታን ዘርእይዎ ዘለው ናይ ኣይንብርከኽን እምቢታን ካብ ግዝኣቶም ወጻኢ ጽልዋታት ንምምሕዳር ዘካይድዎ ዘለው ንጥፈታትን ርእሱ ዝኸኣለ ትኹረት ዘድልዮ እናኾነ ይመጽእ ምህላው ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብምስማር፡ ብቀንዱ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘለዎ ጽልዋ ድማ ከም ስትራተጂካዊ ናይ ቀይሕ ባሕሪ መስመር ኣገዳስነቱ ብምድላይ፡ ዝኸፍኤ ሙዃኑንን ውሽጣዊ ርእሰ ነጻነት ዝትንክፍን ጽግዕተኛታት ናይዘን ሓያላትን ኣሳሳይቶም ከም ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ብናይ ጎይተተን ትእዛዝ ንምፍጻም፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም መራሒ ግበታ ኢሳያስን መሰልቱን ዝበሉ ብሰላም፡ ቁጠባዊ ውህደትን ሃገራዊ ልኡላውነትን ዘደናግሩ፡ ናይ ዕሱባት ዕሱባት ተለኣኣኽቲ ፈጢረን፡ ብስም ምርግጋጽ ዞባዊ ሰላም ንምዝራግ ዘካይዳኦ ዘለዋ ንጥፈታት’ውን ዓሚቕ ምስትብሃል ዘድልዮ ዛዕባ ሙዃኑ ተሰማማሚዕሉ።


ቀጺሉ ንኹነታት ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ ብዛዕባ ሰላም ፍቕሪ ይቕረታ ዝብሉ መንፈሳውያን ቃላት ኣብ ፖለቲካ እናሓዋወስካ ንደቅሰባት ክትማርኽ ብምፍታን ዝተጀመረ መድረኽ ነዊሕ ከኽይድ ዝኽእል ስልቲ ከምዘይኮነ ዝኾነ ለባም ዘስተብህለሉ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ እቲ ብስሕታን ሽፍጣንን ጌጋን ተበጊሱ ኣእላፍ መንእሰያትና ዝተኸፈሎ ናይ ዶብ ዃናት ዘስዓቦ ናይ ፖለቲካ ግድላት፣ ቡጡዑማት ቃላት ጥራይ ዘይኮነስ ብሕጋውነትን ብህዝባዊ ተሳትፎን ዝፍታሕ ምንባሩን፡ ኣብ ሸነኽ ማሕበራዉን ቁጠባዉን በቲ ህዝቢ ዝሓቶ መሰረት ብምግባር፣ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ፣ ግርጭት ናብ ግጭት ከይተለውጠ፣ ምስ ዋናታት ተጻባእቲ ቀሪብካ ኢሂን ሚሂን ምባልን፣ ልዝብ ምዝውታርን፣ ብሁዱኡን ጹፉፍ ኣጋባብ፣ እንካን ሃባን ምባልን፣ ንኹሉኻ ክዓርቕ ዝኽእል ብመሰረት ብይን ኮምሽን ዶብ ንምትግባሩ፣ ከም ሳልሳይ ኣካል ነጻ ዝኾነ ኣካል ሃልዩ፣ ንዝኮነ ዳንነትን ዘድልዮ በኣገባብ ንኽፍታሕ፣ ኢድ ከየእተኻ፣ ብፖለቲካዊ መንገዲ ንኽትፈትሖ ዘለካ ጉዳያት ሙኳኑ ብምግንዛብ፣ ቅድም ቀዳድም ህዝቢ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ሰላም ቦቱኡ ክሕዝ ምግባሩን ነቲ ዘሰሓሕበ መሬት እውን ዲማርኬሽን ናይ ዶባት ምግባርን ይግበኦ ምንባሩን፡ ምስእዚ ዘይፍለ ድማ ንናይ ኹናት ገበነኛነት በብመዳያቱ ድማ ምግላጽን፣ ጽልእን ቅርሕንትን ዳግማይ ከይናኸስን ንሓዋሩ ክሃስስን ሙሉእ ዕርቂ ንምግባሩን ነዚ ዝዕዘብ ሳልሳይ ኣካል ውክልና ምሃብን፣ እቲ ፖለቲካዊ ክርክራት ናጻ ፕረስ ዝካታታልዎን ዘቃልዕዎን፣ ንሕዝቢ ብዘይ ሕብእብእ ሓበሬታ ክረክብ ምስ ዝግበር ጥራይ እዩ ብትክክል ስምምዕ ሰላም ይትግበር ኣሎ ዝባሃል ዝነበረ፡ እዚ ግን ካብ መሰርሕ ደሞክራሲ ኮነ ፍትሒ ዝራሓቐ፡ ንግበታዊ ጉጅለ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጭፍላቑ ብዘውሕስ ክግበር ምጽንሑ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባርኮት ኮነ ርእይቶ ዘየካተተ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እውን ምስ ክፋል ህዝቢ ሰላም ምስ ክፋሉ ድማ ዘጣቁስን ዝፈላላይን ናይ ዓብላልነትን ግበታን ዕድል ዝፍሕርን መስርሕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይቀሰነሉን ህዝቢ ኢትዮጵያ ተውሳኺ መናደዲ ዝኾኖ፡ ውሑስ ሰላም ዘይሙዃኑን ካብቲ ቀዳማይ መግለጺና ሓቢርናዮ ጸኒሕና፡ ሕጂ እውን ገለ ውጺኢታት ናቱ ኣብዚ ቅነ`ዚ ጀምሩ ዘሎ ምዕጻው ዶባት ዛላምበሳን ራማን ኑጹር ናይ ተጻብኦ ምልክት ሙዃኑን እዚ ንፍቕርን ሰላምን ይቕሬታ ኢድና ዘርጊሕና፣ እናበልካ ዝግበር ፕሮፓጋንዳ ዘይንጹርን ሕቡኣት ኣጀንዳታት ዝተጎልበበ ነቲ መሰረታዊ ግርጭት ፍታሕ ዝህብ ከምዘይኮነን ብምንጻር ዳግማይ ርእቶ ዘድልዮ ሙዃኑ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሪእዎ።


ንውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪቱ፡ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ታርኽ ባዕዳዊ መግዛእቲ’ውን እንተኾነ ዘይበጽሖ ሕሰምን በደልን ክወርዶ ከምዝጸነሐን፤ መራሕቲ እቲ ግበታዊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምብራስን ንምብታንን ገና ይሰርሑ ምህላዎም ብምምልካት፡ ሕሰም መራሕቲ ግበታዊ ህግደፍ፡ ዝመረረ እንተመረረ፤ ከም’ቲ እቲ ጉጅለ ዝሓለንዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጃጂዩን ተበታተኑን ከምዘይተረፈን፡ እኳ ደኣ ሓያል ንቕሓትን ትብዓትን ወኒኑ፡ ኣንጻሮም መኪቱ ይቃልስ ምህላዉን ኣይፋል ክብሎም ከምዘይእግሞ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ በቲ ኣብ ኣስመራ ዝረኣናዮን ቀጺሉ ዝመጸን ገናእውን ዝቕጽል ዘሎ፡ ተኣምር ህዝባዊ ናዕቢ ኣክሪያን ሓርበኛ ሱዉእ ሓጂ ሙሳ ብመስዋእቱ ኣረጋጊጹልና ምህላዉ ብዝግባእ ድሕሪ ምግምጋም ኣብ ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታቱ ድማ ግበታዊ ስርዓት ኢሳያስ ምስሊ ኤርትራውነት ተጎምጊሙ ኣብ ክንወጾ ዘይንኽእል መድረኽ ከሳግረና እዩ ጻዕሩ፡፡

እዚ ክኣ ናይ ፈለማዊ ሕልሙን ውጥኑን ከም ዝኾነ፣ ካብ ግዚእ ገድሊ ኣትሒዙ ብጩቕ የብሎ ከም ዝነበር ንሰምዖ ዘሎና ኮይኑ፡ አብ ኩሉ ኣህጉራዊ ርክባት ዝግበር ዝነበረ፣ ንግጭት ወይ ሰውራ ኤርታራ መዕረፊ ንምርካብ፣ ዝካፈሎ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ዋዕላታት፣ ርክባት ምስ ናይ ኣህጉራውያን ጋዘጠኛታት፣ ዝካይዶ ዝነበረ ቃለ መጠይቓት፣ ብዛዕባ ፈደረሽን ኮንፈደረሽን፡ ብዘይ ጉቡእ ኣጋባብን ግዚኡ ሓልዩ ዝይመጸ፡ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ምስ ግዝየ ኣዋሃሂዱ፡ ኣጣጢሑ ነቲ ናይ መጀመርያ ሕልሙ፣ ንምትርጉዋሙ ይቃዳደም ምህላዉ ጎሊሑን በሪሁን ክርኣ ወይ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ምህላውን ብሓደ ድምጺ ተሰማሚዒሉ፡፡


ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ንደምበ-ቃልሲ ንዲሞክራሲ ኣመልክቱ ኣብ ዝዘተየሉ ድማ፡- ደምበ-ተቓውሞ ብሓፈሻ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝቃለሱ ዘለዉ ውድባትን ሰልፍታትን ድማ ኣብ ዝዘተየሉ፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ካልኣዊ ፍልልያቶም ንጎኒ ገዲፎምን በዚ ህሉው ኩነት ከይተጻዕደ ዳግማይ ውዳቤ ጌይሩ ቃልሱ ብዝያዳ ናህሪ ክውስኽን፡ ንሰፊሕ ሃገራዊ ጽላልና (ኤሃባደለ) ድማ ብፍላይ ካብ’ቲ ኣጋጥምዎ ዝጸነሐ ውሽጣዊ ቅልውላው ወጺኡ፡ ክልኣይ ጉባኤ ክኣትውን ነዚ ዘሎ ሓድሽ ኩነት ብሓደ ተሪርን ሓያልን ቅልጽም ክምክቶምን ኣብ መዓላ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንምውዓሉ ኣብ ማንጎ ፖለቲካዊያን ውድባት (ኤሃባደለ) ዝከድ ዝጸንሓን ዘሎን ሓባራዊ ሰሚናርን ምስ ሲቪክ ማሕበራት ሓዊሱ ኣብ ኩሉ ዞባታት ዓለምና ውጺቱን፡ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ምዕባለን ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈትን ዝነኣድ ምዃኑ ገምግሙ፡፡

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲኣዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ናብ 2 ይ ሃገራዊ ጉባኤኡ ኣትዩ፡ ጉባኤኡ ብዓወት ከሰላስል መታን ነታ ተሪፋ ዘላ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክትስገር ብዝዓዘዘ ክቅጽለሉ ምዃኑ ድማ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ በዚ ኣጋጣሚ ኣረጋጊግጹ፡ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንህልዊ ኩነታት ሰልፊ ኣመልክቱ ኣብ ዝዘተየሉ፡ ንኹሉ እቲ ከይድታት ዝጸንሓ ብምፍታሽ፡ንዝምድናታቱ ዝምልከት ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒን ብፍላይ ምስ ሰልፍና ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ ራእያን ዘለዎም ኣብ ጉዳይና ንሕቶ ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ዝሰርዑ ሓይልታት ኣመልኪቱን ኣብ ሓድነት ደምበ ተቓውሞ ኣቶኪሩ ከምዝሰርሕን፡ ብፍላይ ካኣ ንህልዊ ኩነታት ንውሽጣዊ ኩነታት ሰልፊ ስርሓቱን ብዕምቆት ብምርኣይ ነቲ ዝጸንሓ ዝሰላሰሎም ናይ ዝሓለፉ መደባት ኣፈጻጽማ ብምግጋም፡ ኣብ መዳይ ኣፈጻጽማ ዝተራእዩ ሓያላትን ድኹማትን ጎድንታት ፈቲሹ፡ ኣወንታዊ ሸነኻት ዓቂቡ ንምምዕባሎም፡ ዝተራእዩ ሕጽረታት ኣለልዩ ንምእራሞም ከምዝጽዕት ብምርግጋጽ፡ ንመጻኢ ዝዓሞም መደባት ሓንጺጹ፡ ከይዲ መደባቱ ንምዕዋት ኣብ ኣብያተ ጽሕፈቱ ናይ ተሓጋገዝቲ ፈጻሚ ቤትጽሕፈት ኣባላት ብምጽዳቕ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ጎስጓስን ዜናን ሰልፍና ብዝላዓለ ደረጃ ኣብ ምስራሕ፡ ደረጃ ዕብየት ከምዘርኣየን፡ ውዳቤ ንምሕያል ድሮ ዝተተኽሉን ገና ውን ኣብ ዝተክሉ ዘለዉ ሓደስቲ ጨናፍር ኣቶኪሩ ዕላማ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕትን ማሕበራትን ብፍላይ ምስ ህዝባውያን ማሕበራት ኣመልኪቱ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ንጉዳያት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ኣገዳስነቶም ኣብ ሰልፊና ብዕምቆት ገምጊሙን፡ ንመጻኢ ኣንፈት ናይ ቃልስውን ንምዕዋቱ ኩሎም ጨናፍር ኣባላትን ተሳትፎ ብዝያዳ ከወፍዩ ብምልባው፡ ሰልፊ ነቲ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ዘንቀሎ ቃልሲ ነቲ ኣብ ትሕቲ ብምቑሕ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣዚዩ መሪር፡ መግዛእታዊ ወጽዓ የሕልፍ ንዘሎን፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ እዋን ከቢድ ማሕበረ- ቁጠባዊ ቅልውላው ተደምርዎ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ወዲቑ፡ ከቢድ ሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ኣንጸለልይዎ ዝርከብ ህዝቢ ሓራ ንምግባር ከይተጻዕደ ይቃልስ ምህላዉን ቃልሱ እውን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝላዓለ ጥርዙ በጺሑ ምህላዉ ብምግምጋም ንምብሳር ዓወቱ ድማ ኩሉ ህዝብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ደገፍትን ተደናገጽትን ሰልፊ፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ፡ ዝኸፍእ ጸላኢ ከምዘይብሉ ብምርዳእ ንህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሖ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ወጽዕኡ ንምዕጻፍን፡ ሃገራዊ ክብርታቱን ደሞክራስያዊ መሰላቱን ንምርግጋጽ፡ ከምኡ‘ውን ብሩህ መጻእኡ ንቀጻልነቱን ንምውሓስ፡ ኣብ ጎድኒ ሰልፍና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኮይንም ዕዙዝ ናይ ቓልሲ ኣበርክትኦም ከረጋግጹ ጸዊዑ፡፡


ቀጺሉ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ንኹሎም ውድባት ደልይቲ ፍትሒ ፖለቲከኛታት፣ ይኹኑ ህዝባውያን ማሕበራት ከምኡውን ሲቪካውያን ማሕበራት በዚ ህሉው ኩነታት ተኾርኪሮም ብሓደ ተጠሚሮም ካብቲ ዝጸበበ ባይታ ወጺእኩም ብሓደ ድምጺ ናይዚ ግበታዊ ስርዓት ህግፍደፍ ከተቃሉዑን ንባይቶታትን መንግስታት ዓለም ድምጽኹም ከተስምዑን ነቲ አብ ውሽጢ ሃገር ንፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለስ ዘሎ ህዝብና፡ ሞራላዊ ደገፍ ክንኮኖ ብምጽዋዕ  ኩሉ ዓይነት ናይ ዓለም ሰባኣዊ መሰል ተጣበቅትን ህዝብና ዝወርዶ ዘሎ መከራ ፈጺሙ ከምዘይጎደለን እዃ ደኣ ይዛይድ ምህላዉ ብምስትብሃል ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ግበታዊ ስርዓት ኣብ ኩሉ ንጥፈታቱ ክኹንንዎ መልእክቱ ብምሕላፍ።


ኣብ መደምደምታ ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ከምኡ’ውን ምክልኻል ስራዊትን ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ካኣ ኣባላትን ተደናገጽትን ሰልፍና እንዃዕ ናብ መበል 13 ዓመት ምምስራት ስልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ጻሓኩምን ድሕሪ ምባል፡ ጥሉልን ሰናይ ሓድሽ ዓመትን 2019 ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዝብሰረላ ዓመት ክትከውን ብምምናይ፡ እዚ ሓድሽ ዓመት ምስ ዝጅመር ዘሎ ሓድሽ መድረኽ’ዚ ንምግጣም ኩሉ ዓቕምታትና ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ከቕንዕን ህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰትን ምብትታንን ንምድሓንን ዓቕምታትና ኣስጢምና ብጽንዓትን ተወፋይነትን ከምቲ ልሙድ ሓድነት ገይርና ክንቃለስ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ጸዋዒቱ የቕርብ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት
ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
01 ጥሪ 2019

Top
We use cookies to improve our website. More details…