ሓደገኛነት ጎስጓስ ስብከት ጥሩፍነት ኣጋኣዝያን

Print

 

 (ብያሲን ዑመር)- This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

ሓደገኛነት ጐስጓስን ስብከትን ጥሩፋት "ኣግኣዝያን"

መእተዊ ብሓደ ንነብሱ "ተስፋጽዮን" ዝብል መወራዘዪ ስም-ብርዒ ዘጠመቐ ወይጦን ብመማስልቱ ዮሴፍ ገብረህይወት ዝበሃል (ክሳብ ትማሊ ምስ ኢትዮጵያ ሕብረት ዝሰብኽ ዝነበረ) "ማሕበር ኣሕዋት ኣግኣዝያን" ዝበሃል ጥሩፍ (extremist) ጒጅለ፡ ጸረ-ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ታሪኻን እምነታታን ዝቐንዐ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ጐስጓስን ስብከትን "ብዩትዩብ" የካይድ ኣሎ። እዚ ጥሩፍ ጒጅለ'ዚ፡ በቶም "ንሕና፥ ዝጸረየ ሃይማኖት ዘለና፣ ብኣምላኽ ዝተሓረና፣ ዝበለጽና ዓሌት ኢና" ዝብል ጉራቘን ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ (outlandish racist mentality) ዘሎዎም ምኩሓት ሕሉ` 1 የማናውያን ባእታታት ዝቖመ ኢዩ። እዞም ምኩሓት ሕሉ` የማናውያን ባእታታት እዚኣቶም፡ ናይ መንነት ቅልውላው ስለ ዘሎዎም፡ ማለት ብኤርትራውነቶም ስለ ዘይተኣማመኑ፡ ንከምስሉን ከይጥርጥጠሩን ወግሐ-ጸብሐ "ንሕና እቶም ቀንዲ ደቀባት ኤርትራ ኢና" እናበሉ' እንተፈከሩ፡ ፈጺሞም ብልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ኰነ ብኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ኣይኣምኑን ኢዮም። ህዝባዊ ማዕበል ከይገፍዖም ሰጊኦም፡ ከምቶም ናይ ኢትዮጽያ "ኣንድነታውያን" 2 (Unionists) ኣብ እዋን ሓርነታዊ ገድሊ ብጋህዲ ኣንጻር ናጽነት ኤርትራ ደው ክብሉ' እንተዘይደፈሩ፡ ልኡላውነት ኤርትራን ናጽነት ህዝባን ፈጺሙ ተዋሒጡሎም ኣይፈልጥን።

 

ብርግጽ፡ እዚኣቶም ካብቶም ኣብ ወሳኒ ግዜ ህዝበ-ውሳነ (ናይ 1993 ረፈረንደም) ኣንጻር ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ዘድመጹ ኣብ ግምት ዘይኣትዉ 0.02 % ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑን ዝነጠፉን ብስዉር ምስ ጸላኢ ዝተሓባበሩ ዝነበሩ ረብሓኦም ምስ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተኣሳሰረ ዕሱባት ዜጋታት ማለት ሓምሻይ መስርዕ3 ኢዮም። ከም ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ4 ክሳብ ሕጂ ልባዊ ስምዒቶምን ሓቀኛ መርገጾምን ቀንዲ መንነቶምን ደጒሎሞ እንተጸንሑ፡ ሕጂ ግን ድንብርጽ ከይበሎም ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም ይቐልዕዎ ኣሎዉ። እንታይ ስለ ዝተረኽበ? ምኽንያቱ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ፥ኣብዚ ካብ 2001 ንደሓር (ምጽናት ጒጅለ 15) እንሓልፎ ዘሎና ናይ ጽልግል እዋን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ስምዒት ተዳኺሙ፣ ቅብጸት ተስፋ ኣንጸላልዩ፣ናይ ቃልሲ ወኒ ዛሕቲሉ፣ ዝኣሊ መሪሕ ተሳኢኑ፣ ኣንፈት ጒዕዞ ተሳሒቱ፣ ስደት ከም ፍታሕ ተወሲዱ፣ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ሓርቢቱ፣ ተቓወምቲ ውድባት ተገማሚዐን፣ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ማህሚኑ፣ ደለይቲ ፍትሒ ተበታቲኖም፣ ከምኡውን ጠርናፊ ሓሳብ ቦኺሩ ስለ ዘሎ፡ ንዓና እዚ ሃዋህው ንጡፍ ናይ ምጥቃዕ ተበግሶ ወሲድና እነግድዓሉ ወርቃዊ ወቕቲዝብል ገምጋም ሒዞም፡ ከግድዑና ኣንቂዶም ይጠራነፉን ይሸባሸቡን ይህንደዱን ኣሎው።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፥ ንተባዓት ኤርትራውያን ከፋፊልና እነንበርክኾም፣ ብኣዝዩ ክቡር መስዋእቲ ክውንቲ ንዝገበርዋ ልእልቲ እስትራተጂያዊት ሃገሮም ኤርትራ እነፍርሳ፣ ከምኡውን ንዘሐብን ታሪኾም ኣዘንቢዕና እንድውኖ ኣብዚ እዋን ጸበባኦምዩ፡ ብዝብል ተበላጽን እከይን ሰራምን ዕላማ ተጐሳጒሶም፡ ሰጋእ ከይብሉ ኣፍልቦም ገቲሮም፡ ባዕሎም ብኢደ-ወነኖም ገበርትን ሓደግትን ኰይኖም፡ ብዝመሃዝዎ ሓዲሽ ካርታ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሰረት፡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብምፍራስሃገረ- ኣግኣዝያንዝብል ስም ዝሓዘትዓባይ ትግራይ” (ካብታ ኣብ ኣርብዓታት ቅልቅል ኢላ ዝጠፍኣት ሕልማዊት ትግራይ-ትግርኚ ዝዓበየት) ክጥፍጥፉ ምዃኖም ብብድዐን ንዕቀትን ዝመልኦ ልሳን፡ኣብ ኲናት ዘይዋዓለ በሊሕከም ዝበሃል ምስላ፡ ብዋዛ ዝጭበጥ መሲልዎም ንዘይጭበጥ ሕልሚ ክጭብጡ ኣብ ኣብ ዩትዩብ እናተቐላቐሉ ይፍክሩን ይጭፍሩን ኣሎዉ። ካብዚ ሓሊፎም፡ ኣብ ባይታ ህላወ ዘይብሎምን ፍጹም ናይ ህዝቢ ደገፍ ዝሓርበቶምን ክነሶም፡ ኣብ ውሻጠ ዩትዩብ ተዳጒኖም፡ ከምዛ ዘይድፈሩ ጐባልል መሲሎም፡ ብክቱር ስድነትን ንትዕቢትን ዝተሓመሰ ኣንደበት -- መዓልቲ-መጸጠፋእኩም!” -- እናበሉ ብዘይ ገለ ኣስሓኮ (ዔብ) ንታለልን ንሽበርን፡ ንፈርሖምን ንደሃልን፡ መሲልዎም ይህድዱናን ይገንሑናን ኣሎዉ። በዚ ከይተሓጽሩ፡ ምንቅስቓሶም ብተፈጥሮኡ ቅዱስ፡ ንሳቶም ከኣ ብኣምላኽ ሕሩያት ንምምሳል፡ ትግራይነቶም ጥንታዊ ኣብርሃማዊ መንነት ከምኡውን ሃይማኖቶም ኦሪታዊ ኣይሁዳዊ እምነት ከም ዝዀነ፡ ብዘይ ገለ ዓይኒ ሕፍረት ናይ ታሪኽ ሊቃውንቲ ኰይኖም ይሰብኩናን ይምድሩልናን ኣሎዉ። ድሕሪ ምጒንጻፍ ናጽነት ሃገርና፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣካል ደምበ ተቓውሞ ኢና ብምባል፡ ብስም "ደቀባት" ተጠርኒፎም ከም ኤርትራውያን ተቓወምቲ መሲሎም ይዋስኡ ድኣ'ምበር፡ ካብ 2016 ንደሓር ጒልባቦም ቀሊዖም፥ "ኤርትራ ትበሃል ሃገር ክትፈርስ፡ ኤርትራውነት ዝበሃል ዜግነት ከኣ ክድምሰስ ኣሎዎ" እናበሉ፡ ብመሰረት ብኢደ-ወነኖም ዝመሃዝዎ ዝዀነ ታሪኻዊ ሰረት ዘይብሉ፡ ኣብ እከይ መንፈስን ክቱር ሓሰድን ሕሉ` ትምክሕትን ዝተመርኰሰ ሓዲሽ ኣግኣዝያናዊ ካርታ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሓዳስ ናይ ፈጠራ "ሃገረ-ኣግኣዝያን" እትበሃል "ዓባይ ትግራይ" (ንኤርትራ ብምልእታን ንዝተጐጠ ፍርያም መሬት ክልል ኣምሓራን ክልል ዓፋርን -- ንወረዳታት ጸገዴን ጸለምትን ሑመራን ወልቃይትን ራያ ዓዞቦን ምዕራባዊ ክፋል ዓፋርን (ጨው ዝሕፈሶ መሬት) ዘጠቓልል -- ከምኡውን ንክልል ትግራይ ዝሓቊፍ) ንምፍጣር፡ ብስም "ማሕበር ኣሕዋት ኣግኣዝያን" ኣብ ለንደንን እስራኤልን ደጂኖም ብድፍረት ኣዳዕዲዖም ይንቀሳቐሱ ኣሎዉ። "ዝብኢ ክሳዕ ዝደሉ ይሕንክስ" ከም ዝበሃል፡ ክሳዕ ንዖኦም ዝምእምእ ግዜ ዝመጽእ ተጸቢዮም፡ ሕጂ ንዓና ዝምእምእ ግዜ መጺኡ' (ብግምቶም ኤርትራና ፍጹም ዝተዳኸመትሉ፣ትግራዮም ግን ኣዝያ ዝሓየለትሉ) ኣብ ዝበልሉ፡ ኤርትራዊ ዜግነቶም ክሒዶም፡ "ንሕና 'ኣግኣዝያን' ኢና" ብምባል፡ ዜጋታት ናይታ ኣብ ዓለም ህላወ ዘይብላን ብሕጂ'ውን እንተዀነ ፈጺማ ክትህሉ ዘይትኽእልን ሃገር ሕልሚ ቀትሪ5 ("ሃገረ-ኣግኣዝያን") ከም ዝዀኑ፡ ሕንኽ ከይበሉ ይእውጁ ኣሎው። "ኣግኣዝያንነቶም" ኣብ ምእዋጅ ከይተሓጽሩ፡ ሓለይትን ተበጀውትን ተመሲሎም፡ ንነብሶምን ነቲ ወገና' ዝብልዎን (ኣብ ከበሳ ኤርትራን ትግራይን ዝርከብ ትግርኛ ዝቋንቃኡን ሃይማኖት ክርስትና -- ብፍላይ ተዋህዶ -- ዝእምነቱን) ክብ ኣቢሎም፡ ንኻልእ ዘይወገኖም (ብሕልፊ ኸኣ ንኤርትራውያን ኣስላም) ለጠቕ ንምባል፡ ከም መንፍዓት ወሲዶሞ ከናሽዉን ክዘልፉን ከነውሩን ይውዕሉ ኣሎዉ።

ካብ መንጎ ህዝብና፡ ከይለኸፉ ዝነሓፍዎ ኣካል ስለ ዘየለ፡ ጤል ዘይትጠጥሞ ቆጽልን "ኣግኣዝያን" ዘየናሸውዎ ዜጋን የለን እንተተባህለ፡ ሓቂ እምበር ምግናን ኣይኰነን። ብዘየማትእ፡ እዞም "ኣግኣዝያን" ኢና ዝብሉ ዘሎዉ ዝተዓስቡ ከዳዓት፡ መብዛሕትኦም ቅድምን ድሕርን ናጽነት፡ ንረብሓን ጥቕምን ሃገሮምን ህዝቦምን ቅንጣብ ኣዎንታዊ ነገር ዘየበርከቱ፡ ደለይቲ ፍትሒ ምእንቲ ሰሚሮም ሓርነት ህዝቦም ንምርግጋጽ ከይቃለሱ፡ ሓይሎም ከፋፊሎም ከማህምንዎምን ካብ መስመር ቃልሲ ብምእላይ ከጐናድብዎምን፡ ብስም ትርጉም-ኣልቦ "ኣግኣዝያንነት" ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሃገራውያን ዜጋታት ጽልእን ቅርሕንትን ዘሪኣም ሕንፍሽፍሽ ንምእታው፡ ካባ ናይ ፈጠራ ሃገራውነትን ("ኣግኣዝያንነት") ናይ ሓሶት ሃዋርያነትን ("ኦሪትነት") ዝለበሱ ምስሉያት ዘቤታውያን ጸላእቲ ኢዮም። እዞም ምስሉያት ዘቤታውያን ጸላእቲ እዚኣቶም፡ ዘምሕረሎም ዘሎ መሲልዎም ካብ ተጋሩ ንላዕሊ ዝሓለፉ ተጋሩ ንክዀኑ ዝመጣጠሩ ዘሎዉ ምርኡያት ኣብ ልዕሊ ምዃኖም፡ ብዘይ ሕማሞም ዝረስኑ፡ ብዘይ ጒዳዮም ዝኸሱ፡ ብዘይ ርእሶም ዝሓስቡ፡ ከምኡውን ብዓሌታዊ ትምክሕቲ ዝዓወሩ ውልዶ-ናዛውያን6 (Neo-Nazists) ኢዮም። ብመሰረት ትምክሕታዊ ኣረኣእያኦም፡ ብሄሮም ጥራይ ቅዱስ፡ ካልኦት ብሄራት ግን ርኹሳት፣ ብሄሮም ጥራይ ስልጡን ካልኦት ብሄራት ግን ድሑራት፣ ብሄሮም ጥራይ ሃገር ካልኦት ብሄራት ግን እንዳታት፣ ብሄሮም ጥራይ ብልሂ ካልኦት ብሄራት ግን ደናቚር፣ ከምኡውን ብሄሮም ጥራይ ሓያል ካልኦት ብሄራት ግን ድኹማት ኢዮም።

ኣብ ክውንነት፡ ኣብ ዩትይብን ፈይስቡክን ካብ ምህትፍታፍን ምውርዛይን ምልኻፍን ሓሊፎም፡ ክንዲ ፍረ ጣፍ እውን ትኹን ዝዓመምዎ ዕማም ኰነ ዘበርከትዎ ኣበርክቶ ፍጹም የብሎምን። ህላወኦም ኣብ ዳያስፖራን ናይ ሳይበር ዓለምን እምበር፡ ኣብ መንጎ ህዝብን ኣብ ባይታ ሃገርን ኣይኰነን። ብብዝሒ ኣባልነትን ህቡብነትን ዝመጸውን እንተዀነ፡ ኣዝዮም ውሑዳትን ካብ ህዝብና ግሉላትን ኢዮም። ይኹንምበር፡ ነቶም ብቑዕን እኹልን ፍልጠት ይኹን ተሞክሮን ክእለትን ዘይደለቡ ንጹሃት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ከታልልዎምን ከስድዕዎምን ስለ ዝኽእሉ፡ "ኣብ ዝበጽሕዎ የብሎምን" ብምባል፡ ንዒቕካ ዕሽሽ ክትብሎም ኣይግባእን። ምኽንያቱ፡ እቲ "ብዩትዩብ" ብቐጻሊ ዝነዝሕዎ ዘሎዉ መርዛም መልእኽታት ዝሓዘለ ጐስጓስን ስብከትን፡ እንተደኣ ብኣድማዕነት ዘይተቓሊዑን ዘይተበዲሁን፡ ንወለዶታት ዝወራረስ ኣጽናቲ ብቐሊሉ ዘይቅህም ደማዊ ሃይማኖታውን ብሄራውን ኲናት ሓድሕድ ከባርዕ ስለ ዝኽእል (ተኽእሎኡ ኣዝዩ ንኡስ እውን ይኹን) ንነፍስወከፍ ብልኡላውነት ሃገሩን ድሕነት ህዝቡን ብሓቂ ዝቚርቈር (ዝሻቐል) ዜጋ፡ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጒዳይ ኢዩ። በዚ ዝኣክል፡ ምንቅስቓስ ጥሩፋት "ኣግኣዝያን" ብኣግኡ ክቕላዕን ብዕሸሉ ክምከትን ኣሎዎ፡፡

ብዘይንሕስያ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ኣበየቦትኡ ከቃልዖምን ክምክቶምን ሃገራዊ ግቡኡ' ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሓዋሩ ዘየጣዕስ ኣዋኑ ዝሓለወ ቅኑዕ ተበግሶ እውን ኢዩ። ንሓዋሩ ዘየጣዕስ ቅኑዕ ተበግሶ ዝገብሮ፡ ከምቲ ዘይንሕፍ ሕማም መንሽሮ እናጥቀዓካ ብዕሸሉ እንተ ዘይተሓኪምካዮ፡ ናብ መላእ ሰብነትካ ተነዚሑ ምስ ደነሰካ፡ ፈውሲ ኰነ ፈዋሲ ዘይትረኽበሉ፤ ብተመሳሳሊ፡ ነቶም ከም በዓል "ኣግኣዝያን" ዝኣመሰሉ ነገር ኣሳዊሮም ከናቕቱ ኰነ ኢሎም ዘንቀዱ ሰራማት መንሽሮሃገር፡ ብኣግኡ መስመሮም እንተ ዘይኣትሒዝካዮም፡ መዘዞም ጐዳእን ተላባዕን ስለ ዝዀነ፡ ከይሻደኑን ከይሰሰኑን ምቕጻዮም ኣድላዪ ቅድመ-ኲነት ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ካብቲ ጸኒሑ ኣብ መጻኢ ዘውርደልካ ኲነት፡ ማለት ካብ ዘይትወጽኦ ሰፍ ዘይብል ንዋታውን ሰብኣውን ክሳራ ስለ ዘድሕነካ፡ ይጽናሓለይ ከይበልካ ብውልቂ ኰነ ብሓባር ክትነጥፈሉ ዝግባእ ሃገራዊ ሓላፍነትካ ኢዩ። ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ከይከውን፡ ኣቐዲምካ ነቒሕካሉ ምጽናሕን ብቶሎ ገታኢ ስጒምቲ ምውሳድን፡ ክሳብ ክንደይ ኣገዳስነት ዘሎዎ ሃገራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብጭቡጥ ንምግንዛብ፡ ካብ ናይ ቀረባ ግዜ ተሞክሮ ሩዋንዳ ኣብነት ምጥቃስ፡ ኣዝዩ ጠቓምን መስመሩ ዝሓለወን ኢዩ። 1994 ሁቱ ዝብሄሮም ጥሩፋት ሩዋንዳውያን፡ ንሬድዮ ሩዋንዳ (ተምሳል "ዩትዩብ" ኣግኣዝያን) ተጠቒሞም ብዘካየድዎ ኣንጻር ብሄር ቱትሲ ዝቐንዐ ብርቱዕ ጽልእን ቅርሕንትን ዝሓዘለ ጐስጓስን ስብከትን፡ ሁታውያን (85%) ንቱትሳውያን (17%) ንምጽናት ተላዓዒሎም፡ ንሕስያ ዘይብሉ (ንቆልዑን ኣንስትን ከይተረፈ ዘይንሕፍ) መጥቃዕቲ ብምስንዛር፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ (ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሓምለ) ልዕሊ 800,000 ሽሕ ሩዋንዳውያን (መብዛሕትኦም ቱትሳውያን) ብዘስካሕክሕ ኣገባብ (ብጎዞሞን ብፋስን ብምጭፍጫፍ ከይተረፈ) ኣህሊቖሞም።

7 ብሰንኪ' "ኣግኣዝያን" "ብዩትዩብ" ዘካይድዎ ዘሎው መርዛም መልእኽታት ዝሓዘለ ጐስጓስን ስብከትን፡ ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታውን ብሄራውን ኲናት ሓድሕድ እንተ ተባሪዑ፡ ኣበሳኡ ካብቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝተኸሰተ ኣዝዩ ዘሕዝን ህልቀት፡ ዝገደደ' ክኸውን። ምኽንያቱ፡ ኤርትራ ምስ ሩዋንዳ ብምዝማድ፡ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ስትራተጂያዊ ስፍራ ስለ ትርከብ፡ ብቐሊሉ ጣልቃ ናይ ከባቢና ሃገራት ጥራይ ዘይኰነ፡ ጣልቃ ናይ ዓለም ዓበይቲ ሓያላት ሃገራት እውን ብምዕዳም፡ ነቲ ሃገራዊ ኲናት ከምቲ ናይ ሱርያ፡ ናብ ዝተሓላለኸ ኣዕናዊ ዓውዲ ኲናት ተቐናቐንቲ ባዕዳውያን ሓይልታትን ጥሩፋት ኣሸበርትን፡ ክልውጦ ልዑል ተኽእሎ ኣሎዎ። ስለዚ፡ ነቲ "ኣግኣዝያን" ንኣሉታዊ ሳዕቤናት ምንቅስቓሶም ኣቕሊሎም ብምርኣይ፡ እናተመጻደቑ፥ "ከይንናቖር ክንብል፡ ኣብ ባርነትን ፍርሕን ኣይነብርን ኢና" ዝብልዎ ዘሎዉ፡ ብሓቂ "ኣብ ባርነትን ፍርሕን" ስለ ዘሎዉ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ግዳያቶም (ኤርትራውያን ኣስላም) ባርነትን ፍርሕን ንምስፋን ስለ ዝሕልኑ ዘሎዉ ኢዮም።

8 ደም ምትካል ቀሊል'ዩ፤ ካብ ዝተኸልካዮ ደም ምውጻእ ግን ቀሊል ስለ ዘይኰነ፡ ግሩሃት ሰዓብቲ "ኣግኣዝያን" ኣብ ሃገርና ሕነ ንምፍዳይ ብዝካየድ (ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና እውን ከይተረፈ ዝልክም) ጭካነ ዝመልኦ ዘስካሕክሕ ሓድሕዳዊ ምቅትታል ደቂ ሃገር፡ ደም ንጹሃት ዜጋታት ከም ዛራ ከይዛሪ፡ ብዓንተብኡ ንመን ይስዕቡን ብመን ይጥበሩን ከም ዘሎዉ የስተውዕሉ -- ካልእ ይትረፍ፡ ንስለ ድሕነት ህዝቦምን ቀጻልነት ልኡላውነት ሃገሮምን ክብሉ!!! ነዚ ዘይከሓድ ሓቂዚ፡ ልቢ ብምዕባይ ሳዕቤናቱ ብዓንቶቦኡ ምግንዛብ ዘድልየሉ ምኽንያት፡ ብሄራዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ብባህርዩ ብኣዝዩ ድሑር ትምክሕታዊ መንፈስን ዕዉር ሃሜናዊ ጽልእን ዝድረኽ ብቐሊሉ ዘይቅህም ገሃነብ እሳት ብምዃኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ ካብዚ ንላዕሊ፡ ሰዓርን ተሳዓርን ዘይብሉ ንኽልቲኦም ተፋለስቲ ወገናት፡ ከም ውርሻ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እናተወራረሰ፡ ዘዕኑን ዘብርስን ፈውሲ ዘይርከቦ ቀዛፊ ኣበሳ ብምዃኑ ኢዩ።

ምናዳ እቲ ቀንዲ ወኪሎምን ኣፈኛኦምን ሎኽመኛ "ተስፋጽዮን" -- ሓቀኛ ስሙ ኢዮብ ገብረስላሰ' -- ብነውራም ዘይተኣደበ ልሳኑ፡ ኣብ ሕጓ "ዩትዩብ" ተሸጒጡ ካብ ሓደ ኣርእስቲ ናብ ካልእ ኣርእስቲ እናሃውተተ፡ ብቐጻሊ ተኣንቲቱ ዘህተፍትፎ ዘሎ ሃበስቀደስ፡ ፈጺሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ትሕዝቶኡ ንዂሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይንሕስያ ዝወቅስን ዘነውርን ዘቆናጽብን፡ ኣዝዩ ሕሱርን ድሑርን ትምክሕታውን መልእኽታት ዝሓዘለ ኢዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ንሓንቲ ወይ ንኽልተ መድረታቱ ጥራይ ምስ ሰማዕካ፥ ብቐሊሉ "እዚ ኢደ-እግሪ ዘይብሉ ሃጠውቀጠው፡ ካብ ልሳን ሓደ ኣእምሮኡ ዝሰሓተ ዕቡድ ሰብ ጥራይ' ዝወጽእ" ናብ ዝብል መደምደምታ ኢኻ ትበጽሕ።

ካብዚ ዝተላዕለ፡ "ምዒድካ ኣይንልቢ፡ ሞዊጽካ ኣይንስኒ" ከም ዝበሃል ምስላ፡ ዕቡድ ተመሲሉ ንኸዕብድ እናፈለጠ ንዘዕበድበደ፡ ገኒሕካ ልቢ ስለ ዘይትሶቕረሉ፡ ንዕቕ ኣቢልካ ጐሲኻዮ ሕለፎ' ዝመጽኣካ። ንምንታይ? ምኽንያቱ፡ "ተስፋጽዮን" ኣብ ኲሉ ዘልዓሎ ኣርእስቲ፡ ካብ ኣርእስቲ ውጺኡ ምስቲ ዘልዓሎ ኣርእስቲ ንዘይምልከት ጒዳያት እናልዓለ ኣብ ርእሲ ምዂብላሉ፡ ነቲ ዘልዓሎ ኣርእስቲ ብደንቢ ከይሸፈነ ትኹብ-ግድፍ እናበለ፡ ንዝዀነ ዘቕረቦ ዘለፋ፡ ነቐፌታ፡ ወቐሳ፡ ከምኡ'ውን ኲነኔ፡ ብመርትዖን ጭብጥን ከይደገፈን መወከስታን መረዳእታን ከይሃበን (ከየቕረበን) ብድብድቡ፡ "ኣርማድዮ ምሉእ መረጋገጺታት ኣሎኒ" ብምባል፡ (ርእሱ እናነቕነቐን ኣእዳዉ እናሰንደወን፡ ዕሽነትን ስድነትን ብዝመልኦ ዘጸይን ባህርያት፡ ከምዛ ኲሉ ነገር ዝፈልጥን ኲሉ ነገር ዝኽእልን፡ ብኽቱር ኣነነትን ትዕቢትን ተሰንጢቑ፥ በቃ! -- ከምዚ ኣነ ዝብለኩም ዘሎኹበቃ! -- ከምዚ ኣነ ዘፍልጠኩም ዘሎኹጽን ኢልኩም ስምዑኒ! … ሰጋእ ከይበልኩም እመኑኒእናበለ ብነውራም ልሳን) ዝበዝሕ ግዜኡን ሕሱር ስብከቱን ኣብ ጸርፍን ላግጽን ጸለመን ጥቀናን' ዘሕልፎ። ስለዚ፡ ንኣጸያፊ መደረታት "ተስፋጽዮን" ንምስማዕ፡ ኣዝዩ ተሪር ቆርበትን ዘይጽንቀቕ ዓቕልን ኣኺል-ተሪፍ ግዜን እንተ ዘይብልካ፡ ካብ ምስምዑ ዘይምስምዑ ይሓይሽ። ዝዀነ-ዀይኑ፡ "ተስፋጽዮን" ሆየ፡ ካብ ዝዓብድ ዓመታት እኳ እንተቚጸረ፡ መብዛሕትኡ ዜጋ ዘረብኡ ቅጭ ስለ ዘምጽኣሉ፡ ኣብ ህጉም ዘእቱ ዘረባታት ይዛረብ ከም ዘሎ እናፈለጠ፡ "እቲ ደኣ ደይ ጽሉል'" ብምባል፡ ዋጋ ይኹን ዲል ይህቦ የለን። "ተጽፋጽዮን" ኣይግዳዱ ግን ብመብዛሕትኡ ዜጋ ንዒቑ ጐስይዎ ይሓልፍ ከም ዘሎ እናፈለጠ፡ "ራዕዲ ኣእተየሎም፣ ድህል ኣቢለዮም፣ ኣፎም ኣትሒዘዮም፣ ሞጒተ ረቲዐዮም" ብምባል ወግሐ-ጸብሐ ብትዕቢት ተባዒጡ የጕባዕብዕ ኣሎ። መብዛሕትኡ ዜጋ ንዒቑ ጐስይዎ ክሓልፍ ዝመረጸ፡ ብርግጽ ካብቲ "ሕሱር ብመጠን ሕስረቱ የሕስረካ፣ ክቡር ከኣ ብመጠን ክብረቱ የኽብረካ" ዝብል ልቦና ተበጊሱ' እንተዀነ፡ "ተስፋጽዮን" ዕቡይ ግን መልእኽቲ ናይዚ ልቦና' ብግቡእ ስለ ዘይተገንዘቦ፡ "ሓቅን ርትዕን ሒዙ ንዓይ ክምጒት ብቕዓት ዘሎዎ ኤርትራዊ ዜጋ የለን! " እናበለ፡ መሃይምን (ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ጥራይ ተማሂሩ ዘብቀዐ) መናፍቕን ክነሱ፡ ንነብሱ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ነፊሑ ከም ዝወጽኦ ዘይብሉ ሊቅን መዳርግቲ ዘይርከቦ ፈላስፋን ብምቝጻር፡ ብዘይ ገለ ዓይኒ ሕፍረትን ቅንጣብ ስክፍታን ኣብ ቅርዓት ዓዲ ወጺኡ ዘይኰነ፡ ኣብ ውሻጠ "ዩትዩብ" ተሸጒጡን ኣብ ጸባብ ሸላ ተዳጒኑን ቱታ! ቱታ! ቱታ! ይብል ኣሎ -- ከም ጠበቕ ርእሱ እናንቀብቀበን መልሓሱ እናወጥወጠን። ብተመሳሳሊ፡ ምስተጽፋጽዮንተሰሓሒቡ ዝተፈንጨለ ዮሴፍ ገብረህይወት ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ንጡፋትን ጥሩፋትን ዕሸላት መራሕቲ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን፡ ምስ ዕማኾ ሰዓብቱ ካልኣይቲ ሓዳስ ማሕበር ኣግኣዝያን ኣብ ርእሲ ምቛሙ፡ ዕላምኦም ካብ ናይተስፋጽዮንጒጅለ ብዘይፍለ፡ ንሃገራት ኤርትራን ኢትዮጽያን ኣፍሪስካ፡ ንክርስትያን ተዋህዶ ተጋሩን ኤርትራውያንን ጥራይ እትሓቍፍዓባይ ትግራይወይ ብናታቶም ቍንቍኛሃገረ-ኣግኣዝያንምዃኑ ኣዊጁ ኣሎ።

ነዚ ዕላማ ንምትግባር ዝከኣል፡ ብኣረኣእያ ወዳጀ ዮሴፍን ዕሙታት ሰዓብቱን፡ ብቐዳምነት ነቶም ቀንዲ ታሪኻውያን ጸላእቲ ብምባል ንሞት ዝፈረድዎም ማለት ንኤርትራውያን ኣስላምን (እምነቶም እስልምናን) ኢትዮያውያን ኣምሓሩን (ኣስላምን ክርስትያንን) ካብ ገጽ ምድሪ ብምጥፋእ ኢዩ። እዚ ጥሩፍ ባእታ እውን ከም ጥሩፍተስፋጽዮን ኣዝዩ ሓደገኛ ባእታ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣዝዩ ረቂቕን ለመጭን ኢዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ጸረ ኤርትራን ህዝባን እምነታታን ታሪኻን ዝቐንዐ፡ መርዛም መልእኽታት ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ከቕርቦ እንከሎ፡ ከመያ ህውታትያ ተስፋጽዮን ጽልኣቱን ውጥናቱን ድርጒሕ ኣቢሉ፡ ንሰማዒኡ ብዘስደምምን ዘህድምን ዘጸይንን ኣቀራርባ ኣየቕርቦን ኢዩ።

እንታይ ደኣ፡ ሰማዒ ነቲ ዘመሓላልፎ መርዛም መልእኽታት ወለላ ማዓር ኰይኑ ክስመዖ፡ ሓላይን ፈታውን ተመሲሉ ብልዙብ ልሳንን መሳጢ ቃላትን ኣመቓቒሩ ከቕርቦ ይፍትን ስለ ዘሎ፡ (መረጋገጺ ኰነ ሓቅነት ኣይሃልዎ ደኣምበር) ንእኹል ሓፈሻዊ ፍልጠት (ብሕልፊ ኣብ ታሪኽ) ንዘይብሎም ግሩሃትን ዘይተሞከሩን መንእሰያት ተጋሩን ኤርትራውያንን ከጋግዮምን ከታልሎምን ይኽእል ኢዩ። እቲ ንክልቲኦም ተቐናቐንቲ ጒጅለታት ኣግኣዝያን፡ ማለት ንዮሴፍን ሰዓብቱን ምስተስፋጽዮን ሰዓብቱን ዘሰሓሕቦም ዘሎ ጒዳይ፡ መሰረታዊ ናይ ስነ-ሓሳብ ፍልልይ ኣይኰነን።

እንታይ ደኣ፡ እቲ ምስ ወያነ ትግራይን ምስ ስርዓት ህግደፍን ክምስርትዎ ዝጽዕሩ ዘሎዉ ጥቡቕ ዝምድና ኢዩ። ባዕሉ ዮሴፍ ኣብ ዩትዮብ ኣብ ዘወጽኦ ክሊብ ከም ዘረጋገጾ፡ዮሴፍን ሰዓብቱን ምስ ወያን ትግራይ ጽኑዕ ዝዀነ ዝምድና ክህልወና ኣሎዎ (ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብወያነ ትግራይ ክንምራሕን ክንምወልን ክንምልመልን ኣሎና) ዝብል መውቀፍ (መርገጺ) ክሕዙ እንከሎዉ፡ ጒጅለ ምስሉይተስፋጽዮንግንናጽነት ምንቅስቓስና ክንሕሉ ኣሎናብዝብል ምስምስ ነቲ ምስ ስርዓት ህግደፍ (ብፍላይ ከኣ ምስ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ) ንክምስርቶ ዝደሊ ዘሎ ምስጢራዊ ጽኑዕ ምትእስሳር ከየበላሽወሉ ብምስጋእ፡ ምስ ወያነ ትግራይ ዘሎና ርክብ ገደብ ክንገብርሉ ኣሎና ዝብል መውቀፍ ሒዙ ኣሎ።

ጒጅለ ዮሴፍ (ዮሴፋውያን) ካብ ጒጅለተስፋጽዮን” (ተስፋጽዮናውያን) ብፖለቲካዊ ኣረኣእይኡ ብስል ዝበለ ከም ዝዀነ ንምምሳል፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ጭማራን ዋልታን ዝሓዘት ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ፡ (ናይ ጒጅለ ተስፋጽዮን ባንዴራ ታቦትን ሚናራትን ዝሓዘት ኢያ) ነቲ ናይ ኣግኣዝያን ፋሽስታዊ ፍልስፍና ከሊሱ ናቱ ሓድሽ ትረኻ (narration) ይህበሉ ኣሎ። ብመሰረት ሓዲሽ ትረኻ ዮሴፋውያን፡ ቀንዲ ዕላማ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ነቲ ኣብ ግዜ ነቢይ ኣብራሃም ዝጀመረን ዝተሃንጸንዝብልዎ ዘሎዉጥንታዊ መንነት ትግራዋይነት ንምምዕቃብን ንምሕያልን ኢዩ። ብመሰረት ብሉይ ትረኻ ተስፋጽዮናውያን፡ ቀንዲ ዕላማ ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን ነቲ ኣብ ግዜ ነቢይ ኣብራሃም ዝጀመረዝብልዎ ዘሎዉኦሪታዊ ሃይማኖት (ኣይሁድነት) ንምዕቃብን ንምሕያንልን ኢዩ። ተስፋጽዮናውያን፡ ወከልትን ተጣበቕትን ሃይማኖት ተዋህዶ መሲሎም ይቕረቡ ደኣምበር፡ንሕና ክርስትያን ኣይኰንናን።

እንታይ ደኣ፥ ካብ ነቢይ ኣብራሃም ዝወረስናዮ ጥንታዊ ታቦትን ሚናራትን ዝሕላገቱ መበቆላዊ ኦሪታዊ ሃይማኖት ዘሎና ኦሪታውያን (ኣይሁዳውያን) ኢናዝብል ጊንጢ እምነት ዘሎዎም። ብዛዕባ ጊንጢ ሃይምኖናዊ እምነቶምን ማሕበራዊ ፍልስፍናኦምን ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳቦምን ጸኒሕና ብሰፊሑ ክንድህስሶን ክንትንትኖን ኢና። እቲ ብኽልቲኦም ጒጅለታት ኣግኣዝያን ዝትረኽ ናይ ፈጠራ ትረኻ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ፍጹም ሓሶት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብዝዀነ ዓይነት ዘተኣማምን መርትዖ ዘይተደገፈ፡ ቅንጣብ መወከሲ ምንጪ ዘይብሉ፡ ከምኡውን ፍጹም ሞያዊ ብቕዓት ዝጐደሎ ከንቱ ናይ ዕሸላትን መናፍቓንን ሃጠውቀጠው ኢዩ። ብዝዀነ፡ ክልቲኡ ጒጅለታት ምንቅስቓስ ኣግኣዝያን፡ ክልተ ተመሳሳሊ ገጻት ናይ ሓደ በሊሕ ካራ ስለ ዝዀነ፡ ኣብዚ መእተዊ ክልቲኦም ጒጅለታት መለሳ ዘይብሎም ዕሱባት መሳርሒ ወያነን ከምኡውን ሽዩጣት ሃሱሳት ሞሳድን (ናይ እስራኤል ናይ ስለላ ትካል) ከም ዝዀኑ ጠቒስና ክንሓልፎ ኢና። "ንእሽቶ ፍልጠት ሓደገኛ'" ዝብል ምስላ እንግሊዛውያን፡ ንኸም በዓል "ተስፋጽዮን" ዮሴፍን ዝኣመሰሉ ጠቖም-ፈሊጣውያን ማለት ጥማዓውያን (philistine)9 ዝተመሰለ ዓቢ መልእኽቲ ዘሎዎ ምስላ ኢዩ። ጥማዓውያን፡ እቶም ቍንጫል ፍልጠት ሒዞም ዓበይቲ ዘይድፈሩ ምሁራት መሲሎም ብምቕራብ፡ ዝወራዘዩን ዝራቐቑን ብሃማት(ዳንደታት) ኢዮም።

እዞም ብሃማት እዚኣቶም፡ ፍልጠቶም ጥማዕ፣ ዓቕሞም ድሩት፣ ከምኡ'ውን ተሞክሮኦም ስሕው ክነሱ፡ ንነብሶም ነፋፊሖም ብሃራት(ዓበይቲ) ሊቃውንትን ፈላስፋታትን መራሕትን ጌሮም ስለ ዝቖጽርዋ፡ ካብ ክውንነት ርሒቖም ኣብ ኣእምሮኦም ኣብ ዝቐረጽዎ ዘይጭበጥ ሕልማዊ ዓለም'ዮም ዝነብሩ። ካብዚ ሓሊፎም፡ ንነብሶም ብብድዐ ከም መዳርግቲ ዘይብሎም ጀጋኑን ዝወጽኦም ዘይብሎም ፈላጣትን ኣበር ዘይርከቦም ቅዱሳትን ጌሮም ስለ ዝወስድዋ፡ የኽፋኣልናን የሕስረናን የኽዕበናን' ከይበሉ፡ ኣፎም መሊኦም ዓይኒ ዘንቊር ሓሶት'ዩም ዝሕስዉ፣ ንርኡይ ነገር ብጋህዲ'ዮም ዝኽሕዱ፣ ከምኡ'ውን ንፍሉጥ ታሪኽ ጠማዚዞም'ዮም ዘዘንብዑ። እዚ ዂሉ ዘነውርን ዘጸይንን ዘኽስፍን ተግባራት እናፈጸሙ፡ ከምቲ "ጭግራፍ ባዕላ ሃሪማ ባዕላ ተእዊ" ዝበሃል ምስላ፡ ንሳቶም "ሓቅን ጭብጥን" ሒዞም ንማንም ከይኣዘዩ ንመትከሎም ዝቃለሱ፡ ካልኦት ኲሎም ነቐፍቶምን ተቓወምቶምን ግን "ሓቂ መሪርዎም፡ ጭብጢ ሓርቢትዎም" ዝላኸፉን ዝዛለፉን ከም ዝዀኑ፡ ደጋጊሞም ሰማዒ እዝኒ ከም ዘሎዎም እናተመጻደቑ'ዩም ዝምድሩ።

እቲ ብዘይ ምቊራጽ፡ "ሓሶት እንተ ተደጋጊሙ ሓቂ' ዝመስል" ኣብ ዝብል ካብ ሰልፊ ናዚ ጀርመን ዝተቐድሐ ናይ ነፍሒ (ፕሮፖጋንዳ) እከይ ሜላ ተመርኲሱ ዝከየድ ዘሎ ጐስጓስን ስብከትን ምንቅስቓስ "ኣግኣዝያን" ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤናት እናፈልጥካ፡ ኰነ ኢልካ ንተኣፋፊ ሃይማኖታዊ ስምዒታት ብምምዝማዝን ዕዉር ብሄራዊ ትምክሕቲ ብምዂስኳስን' ዝሰላሰል ዘሎ። ቀዳማይ ዕላማ ናይቲ ዝሰላሰል ዘሎ ሓደገኛ ጐስጓስን ስብከትን፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ንምፍራስን ሃይማኖታውን ብሄራውን ኲናት ሓድሕድ ንምብራዕን ክኸውን እንከሎ፡ ካልኣይ ቀንዲ ዕላምኡ ኸኣ ንክልል ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ብዝተዘርፈ ወይ ዝተማእረረ ሃብቲ ድሕሪ ምብልጻግካን ምሕያልካን (ዘድልየካ ሰፊሕ ፍርያም መሬት ካብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ኦሮሚያን ጨራሪምካ ድሕሪ ምዝማትካ) ካብ ኢትዮጵያ ፈሊኻ ማለት ፈንጪልካ ምስ ኤርትራ (ብሓይሊ ወሪርካ ድሕሪ ምጕባጥካ) ብውዲ ዘይኰነ ብግዲ ምጽንባር ዝብል ኢዩ።

ነዚ ክልተ ሓደገኛ ዕላማታት ንምትግባር፡ ግድነት ነቲ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘሎዎ ኣህጉራዊ ዶባተን (ሕጋዊ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን) ከተፍርሶ፣ ንዘይገሃስ ልኡላውነተን ክትግህሶ፣ ንዘጓንፈካ ብርቱዕ ሃገራዊ ተቓዎሞታት ክትደቕሶ፣ ከምኡ'ውን ነቲ ኣንጻርካ ዝስንዘር ዓለማዊ ኲነኔን ተነጽሎን ክትጥሕሶ ኣሎካ። ምኩሓት "ኣግኣዝያን" ብትዕቢት ልቦም ዝተደፍኑን ብንዕቀት ዓንኖም ዝዓወሩን ስለ ዝዀኑ፡ ነዚ ክገጥምዎ ይኹን ክምክትዎ ልዕሊ ዓቕሞም ዝዀነ ኣዝዩ ጽንኩርን ዘይክማህን ብድሆታት፡ ክገጥምዎን ክምክትዎን ጥራይ ዘይኰነ፡ ክስዕርዎን ክመልክዎን ተኣምራታዊ መዘና ዘይብሉ ሓይሊ ከም ዘሎዎም፡ ንሰዓብቶም ከእምኑ ብዙሕ'ዮም ዝጀሃሩን ዝግዕሩን። ንኣብነት፡ ንልቢ ሰዓብቶም ንምስላብ፡ ምንጪ ሓይሎም ናይ ወገኖም ምሉእ ደገፍ ከም ዝዀነ ንምጒላሕ ከምዚ ይብሉ፦ "ንጒዳይና ፍትሓዊ ዝገብሮ፡ እቲ እነካይዶ ዘሎና "ጽዮናዊ" ቃልሲ፡ ኣብቲ ብኣምላኽ ዝተሓርየ ዝበለጸ ኦሪታዊ ሃይምኖት ተዝተሞርኰሰ ክንዲ ዝዀነን፡ ወገንና ንቃልስና ከም ቅዱስ ቃልሲ ተቐቢሉ ብንጹህ ልቢ ስለ ዝድግፎን'" 10 ነቲ ወገንና ዝብልዎ ዘሎዉ፡ ተቓውሞኡ ናብ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ... ዘይኰነ፡ ናብቶም "ታሪኻውያን ደመኛታትና" ኢሎም ዝፈረድዎም ኤርትራውያን ኣስላም ከቕንዖ ከም ዘሎዎ፡ ክጐሳጒሱ እንከሎዉ ኸኣ ብብድዐ ከምዚ ይብሉ፦ "ንኣስላም ዝኣመነን፡ ማይ ዝሓቖነን ሓደ ኢዩ፣ ኣስላም ኣረሜን ስለ ዝዀኑ፡ ፈጺምካ ዝእመኑ ፍጡራት ኣይኰኑን፣ ምስ ኣስላም ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና፣ ምስኣቶም መሬት ሓዲኣ ክትወልድ፡ ክብ ወይ ግብ ክንበሃል' ዘሎና -- ካልእ ምርጫ የብልናን።

ቀንዲ ክድርዓሙ ዘሎዎም ጸላእትና ኣስላም ኢዮም። ሓይሎም ምህሙን ኣብ ርእሲ ምኻኑ፡ ሓሞቶም ፍሱስ ማለት ጃጀውቲ ስለ ዝዀኑ፡ ሓንቲ ጋንታ ኢያ ትኣኽሎም። ዕድመኦም ዝናዋሕ ዘሎ፡ ስርዓት ...ፍን ስርዓት ...ትን ትንፋስ ይሰኽዑሎም ስለ ዘሎዉ ኢዩ። እዞም ክልተ ስርዓታት እዚኣቶም፡ ንቀንዲ ጸላእትና ኣስላም ገጢምና ከይነቃብጾም (ከይነጽንቶም) ይከላኸልሎም፡ ይጣበቑሎም፡ ከምኡ'ውን ይሕብሕብዎም ኣሎዉ።" 11 ካብዚ ብዘይፍለ፡ እቲ "ኣግኣዝያን" ዝብል ስም ዘጠመቕዎ፡ ሃይምኖት ተዋህዶ ዝኽተልን ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብን ኣብ ከበሳ ኤርትራ ዝነብርን፡ ብብሄር ትግርኛ ዝፍለጥ ኣካል ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕሊ ኲለን ብሄራት ኤርትራ (ብሕልፊ ኸኣ እቶም እስልምና ዝእምነቶም) ሓለፋ ዘሎዎ "ብሉጽ ብሄር" ከም ዝዀነ ብምምሳል፡ ትምክሕቲ ንምዝራእ ክሰብኩ እንከሎው ከምዚ ይብሉ፦ "እዚ ቅዱስ ህዝቢ'ዚ፡ ኣብ ኤርትራ ኰነ ኢትዮጵያ (ትግራይ ማለቶም) እቲ ዝሰልጠነ፣ ካልኦት ኣብ ከባቢኡ ዘሎዉ ድሑራት ማሕበረሰባት (ብሄራት ኣስላም ማለት) ኣብ ትሑት ደረጃ እንዳን ቀቢላን ተሓጺሮም ክተርፉ እንከሎው፡ ንሱ ንበይኑ ግን ብተፈጥሮኡ ምዕቡል ስለ ዝዀነ፡ ናብ ክብ ዝበለ ደረጃ ብሄር ዝበጽሐ፣ ካብ ጥንቲ ኣጥሒዙ ብታቦት ዝምራሕ ናይ ገዛእ-ርእሱ ፍሉይ ሃይምኖት ዝነበሮ፣ ፊደል ግእዝ ምሂዙ ንታሪኹ ብጽሑፍ ዝሰነደ፣ ከምኡ'ውን ሓወልትታት ቀሪጹ ስልጣነ ከም ዝነበሮ (ስልጣነ ንግስነት ኣኽሱም) ዘረጋግጽ ዘይበርስ ቅርስታት ዝገደፈ፡ መዳርቲ ዘይርከቦ ጐይታ ማለት ብትውልዱ ጭዋ ዝዀነን ብኣምላኽ ዝተሓርየን (ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንኽገዝእ ዝተፈጥረ) ብሄር ኢዩ።" 12 እዚ ትምክሕታዊ ኣረኣእያ'ዚ፡ ካብቲ ናይ ጀርመን ሰልፊ ናዚ እምንቶ፥ "እቶም ንዓለም ክገዝእዋ ዝግበኦም፡ ብኣምላኽ ልዕሊ ዂሉ ህዝብታት ሓለፋ ዝተዓደሉ ብሉጻት ህዝቢ፡ ንሕና ጽሩያት ኣርያን ዝዓሌትና -- ጀርመናውያን -- ጥራይ ኢና" ዝብል ሓደ ካብቲ ቀንዲ ጠንቅታት ናይቲ ልዕሊ ሓምሳ ሚልዮን ንጹሃት ሰባት13 ዘህለቐ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝዀነ ትምክሕታዊ ኣረኣእያ፡ ፈጺሙ ዝፈልዮ ኣብነት የብሉን።

ሓደ ንኽልቲኦም ምኩሓት ጒጅለታት ዝፈልዮም ነገር እንተሎ፡ ናይ ጀርመን ናዛውያን ኣብ ኣዝያ ምዕብልትን ብልጽግትን ጀርመን ክፈርዩ እንከሎዉ፡ ናይ ኤርትራ "ኣግኣዝያን" ግን ኣብ ኣዝያ ድኻን ድሕርትን ኤርትራ ምፍራዮም ኢዩ። እዚ ኸኣ፡ ካብ "ከይኣኽላ ሕግለታ፡ ዓወረት ብትዕቢታ" ሓሊፉ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል?! እቲ ብዝያዳ ብተበላጽን መናፍቕን መሃይምን መደናገርን "ተስፋጽዮን" (ብዛዕባ መንነቱ ጸኒሕና ክንምልከቶ ኢና) ተዋዲዱ፡ ጸርፍን ዘለፋን፡ ወቐሳን ባጫን፡ ከምኡ'ውን ብድዐን ንዕቀትን ብዝመልኦ ብዕሉግ ቋንቋ፡ "ብዩትዩብ" ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ዝተፈነወ ዝተፈላለየ ኣርእስታት ዝሓዘለ ስብከትን ጐስጓስን ምኩሓት "ኣግኣዝያን" ኣዝዩ ብዙሕ (ልዕሊ 120 ቪድዮ ክሊፓት) እኳ እንተዀነ፡ እቲ እናተደጋገመ ዝቐርብ ዝነበረ ትሕዝቶኡ ኣብዞም ዝስዕቡ ዓሰርተ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ወይ ንኡስ-ኣርእስታት ክጠቓልል ይኽእል ኢዩ። ንሳቶም ድማ፥ (1) መን'ዮም ኣግኣዝያን? (2) ዕላማኦም እንታይ ኢዩ? (3) ንምንታይ ኣብዚ እዋን' ተላዒሎም? (4) መን' ብድሕሪኦም ኰይኑ ዝደፋፍኦምን ዝምውሎምን ዘሎ? (5) እንታይ' ስነ-ሓሳቦም ወይ ሕመረት ፍልስፍናኦም? (6) እቲ ዝኽተሎዎ ናይ ቃልሲ ሜላ ከመይ ዝኣመሰለ ኢዩ? (7) ንምንታይ ንዘይምልከቶም ህዝባዊ እምነታት (እስልምና፡ ካቶሊክ፡ ከኒሻ፡ ጀሆቫ፡ ጰንጤ) የነውሩን የጥቅዑን ኣሎዉ? (8) ንምንታይ ንዂሎም ኣባላት ብሄራት ኤርትራ (ምእመናን ኣርቶዶክሳዊ ክርስትያን ተዋህዶ ዘይኰኑ) ብምቍንጻብ፡ መሬቶም ክምንዝዕዎምን ብኣካል ከጽንትዎምን ኣንስቶም ክዘርፍዎምን ባህሎም ክድምስስዎን ይሕንሕኑ ኣሎዉ? ንብሄር ኣምሓራኸ ዶብ ሰጊሮም፡ እንታይ ስለ ዝኣበሱ'ዮም "ኣውራ ጸላእትና" እናበሉ ከንበርክኽዎም ዝፍክሩሎም ዘሎው? (9) ንምንታይ ንተጋሩ ኢትዮጵያውያን፡ ብኢደ-ወነኖም ገበርትን ሓደግትን ዋሃብትን ከላእትን ኰይኖም፡ "ኣብ ፍርያም መሬት ኤርትራ ከነጣይሰኩም ኢና" ከምኡውንቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ምስ ደሴታቱ ክንህበኩም ንዑ ናባናእናበሉ ብምስውንዋን፡ ኣብ ጐኖም ከሰልፍዎም ይሽሕጥዎም ኣሎዉ? (10) ንምንታይ ንሃይማኖት ተዋህዶ "ኦሪታውን ጽዮናውን" ሃይምኖት' ብምባል፡ ምስ ሃይማኖት ኣይሁድን (ኣይሁድነት) ምፍጣር እስራኤልን (ጽዮንነት) ኣተኣሳሲሮም ክብርዝዎ (መስቀል ኣይትሳለሙ፣ማዕተብ ኣይትውደዩ፣ ጥምቀት ኣይትጠመቑወዘተ. ብዝብል ርኹስ ስብከት) ህርድግ ይብሉ ኣሎዉ? ምስ ናይ እስራኤል ናይ ስለያ ትካል ሞሳድ እንታይ ምትእስሳር ስለ ዘሎዎም ኸ፡ ባንዴራ እስራኤል እናንበልበሉ፡ ንሕና ሽርክናና ምስ ጽዮናዊት እስራኤል እናበሉ፡ ክንዲ ዝሓፍሩን ዝሰትርዎን፡ ዝንየትሉን ዘጋውሕዎን ዘሎዉ? (11) ንምንታይ ንታሪኽ ኤርትራ (ብሕልፊ፡ ንታሪኽ ሓርነታዊ ገድሊ) የደውኑን ንናይ ትማልን ሎምን ሰብ ሞያን ቅያን ጀጋኑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት የቃልሉን የነውሩን ኣሎዉ? ከምኡ'ውን፡ (12) ንምንታይ ካብ ዝዀነ ግዳማዊ ሓይሊ ናጻ ከም ዝዀኑ ንምምሳል፡ ከም ጲላጦስ ኢዶም ኣንጺሆም እናተመጻደቑ፡ ንስርዓት ህግደፍን ስርዓት ወያነን "ሕሉ`ፋት ጸጋማውያን" እናበሉ ብምስልባጥ፡ እምብዛ ዝነቕፍዎምን ዝዂንንዎምን ዘሎዉ? ኣቐዲሙ ከም እተጠቕሰ፡ ምንቅስቓስ "ኣግኣዝያን" ንልኡላውነት ኤርትራ ንምፍራስን ንናጽነት ህዝባ ንምቕንጣጥን ከም ዝተላዕለ ብጋህዲ ዝኣወጀ፡ ብዕሊ ጸረ-ሃገር ኤርትራን ጸረ-ህዝቢ ኤርትራን ከም ዝዀነ ዝኣወጀ ሓምሻይ መስርዕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንወለዶታት ዝወራረስ ዘይቅህም ሃይምኖታውን ብሄራውን ኲናት ሓድሕድ ብምብራዕ፡ ክሳብ ህልቀት ህዝባን ፈቖድኡ ምብትታን ዜጋታታን ከብጽሕ ዝኽእል እከይ ስጒምታት ንምውሳድ ድሕር ከም ዘይብል ብብድዐ ዘፍለጠ፡ ጥሩ` ምንቅስቓስ ምኩሓት የማናውያን ባእታታት ኢዩ።

እዚ ጥሩ` ምንቅስቓስ'ዚ፡ ብዕሱባትን ከዳዓትን "ኣግኣዝያን" ኢና በሃልቲ ንኽትግበር ዝተወጠነ ኣዕናዊ ተልእኾ ናይ ውሽጥን ግዳምን ጸላእቲ ምዃኑ ንምግንዛብ፡ እስከ ቀጺልና ነቶም ኣቐዲሞም ዝተዘርዘሩ ዓስርተ ክልተ ንኡስ-ኣርእስታት፡ ሓደብሓደ ተንቲና ብዕምቆትን ብደቂቕን ንመልከቶም። ኣብዚ ንሓደገኛ ስብከትን ጐስጓስን "ኣግኣዝያን" ንምብዳህ ቀሪቡ ዘሎ ግብረ-መልሲ፡ ንዝተኸሰቱ ንእዝኒ ኣንባቢ ጋሻ ዝዀኑ ዘይዝውቱራት ናይ ትግርኛ ቃላት፡ ፍረ-ነገር መልእኽቱ ኣብ ምትሕልላፍ ወይ ኣብ ምርዳእ ዕንቅፋት ከይፈጥሩ፡ ኣብ ሓጹር ብመማዝንቶም ናይ እንግሊዚኛ ቃል ወይ ብመማስልቶም ናይ ትግርኛ ቃል ተሰኒዮም ቀሪቦም ኣሎው። ብተመሳሳሊ፡ ተወሳኺ መብርሂ ዘድልዮም ኣምራትን ፍጻሜታትን ከም ኣድላይነቱ ኣብ እግረ-ጽሑፍ (footnote) ከከም ተርታ ልዕለ-ቍጽሮም (superscript) መብርሂ ተዋሂብዎም ኣሎ። እዚ ግብረ-መልሲዚ፡ ብትሕዝቶኡ ዕሙቕ ዝበለ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብኣተናኡ (scope) ስፍሕ ዝበለ ስለ ዝዀነ፡ ንኣንባቢ ንምርድኡን ንምክትታሉን ክቐለሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ክልተ ክፋላት ተዋዲዱ ቅቐርብ ኢዩ። እዚ ክፋል መእተዊ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ክፋሉ ኣብ ዝስዕብ ግዜ ክቐርብ እንከሎ፡ እቲ ዝተረፈ ክፋላት ከኣ በብግዜኡ ብተኸታታሊ ክስዕብ ኢዩ። ሰናይ ምክትታል! እገረ-ጽሑፍ 1. መጥበቒት ጨረት ` (ኣብ ኪቦርድ፡ ልዕሊ ናይ ታብ ኪን ቅድሚ ቍጽሪ ሓደ ኪን ዘላ) ኣጥቢቕካ ንዝድመጽ ቃል ንምምልካት ተጠቒመሉ ኣሎኹ። ኣብ ትግርኛ ኣጥቢቕካን እፍኲስካን ዝድመጹ ቃላት ስለ ዘሎዉ፡ ነቶም ኣጥቢቕካ ዝድመጹ ቃላት ብመጥበቒት ጨረት ኣሰኒና ክንጽሕፎም ኣሎና። ንኣብነት፡ ሕሉ` ጸጋማዊ (ultra-leftist) ኣብ ዝብል ሓረግ፡ ነታ ኣብ ሕሉ` ዘላ ኣጥቢቕካ እትድመጽ` ” ካብታ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዘላ ኣፍኲስካ እትድመጽንምፍላይ፡ ብመጥበቒት ጨረት እሰኒና ክንጽሕፋ ይግባእ።

2. “ኣንድነታውያንዝብል መጸውዒ ናይቶም ብናጽነትን ልኡላውነት ሃገርና ኤርትራ ዘይኣምኑ፡ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከሕብርዋ ዝደልዩ ዝነበሩ ኢዮም። ኣብዚ እዋን ተላዒሎም ዘሎዉ ኣግኣዝያን ግን ገሊኦም ደቂ ኣንድነታውያን ክዀኑ እንከሎዉ፡ ገሊኣኦም ከኣ ናይ መንነት ቅልውላው ዘሎኦም ማለት ተውልጀ ኢዮም። 3. ሓምሻይ መስርዕ ዝብል ሓረግ፡ ኣብቲ ኣብ እስጳኛ (Spain) 1936 ንርእሰ-ከተማ ማድሪድ ንምሓዝ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ዝተኸሰተ ወተሃደራዊ ኲነታት ተሞርኲሱ ፍሉይ ፖለቲካዊ ትርጒም ዝሓዘለ ታሪኻዊ ኣምር ኢዩ። ኣብቲ እዋንቲ፡ ዲክታተር ፍራንሲስኮ ፍራንኮ ንማድሪድ ንምቍጽጻር ብመሳርዕ ዝፍለጣ ኣርባዕተ ብሪጌዳት ኣሰሊፉ ምስ ከበባን ኣጥቃዓን፡ ነቲ ኲናት ክመርሖ ዝተመዘዘ ጀነራል ኢምልዮ ሞላ ተኣማሚኑ ማድሪድ ብቐሊሉ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽርና ክትኣቱ ኢያ፡ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ኰይኑ ምሳና ዝተሓባበር ሓምሻይ መስርዕ (quinta columna) ኣሎና በለ። ከምቲ ዝበሎ፡ እተን ኣርባዕተ መሳርዕ ብኣርባዕተ ሸነኻት ንማድሪድ ምስ ኣጥቀዓኣ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ብስዉር ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ሓምሻይ መስርዕ፡ ምስተን ኣርባዕተ መሳርዕ ተጸንቢሩ ብጋህዲ ተሓባበረን። ኣግኣዝያን ክሳብ ሕጂ ምስ ጸላኢ (ደርግን ወያነን) ብስዉር ክተሓባበሩ ድሕሪ ምጽናሖም (ንኣብነት፡ ኣብ ሻድሻይ ወራር) ሕጂ ሃገራዊ ሓይሊ ኤርትራውያን ተዳኺሙ ኣሎካብ ዝብል ገምጋም ተበጊሶም፡ ብጋህዲ ጉልባቦም ቀሊዖም ደገፍቲ ወያነ ጥራይ ዘይኰኑ ካብ ወያነ ንላዕሊ ጭው ዝበሉ መበቆላውያን ተጋሩ ምዃኖም ብምፍላጥ፡ እንሆ ንልኡላውነት ኤርትራን ናጽነት ህዝባን ንምፍራስን ንምቕንጣጥን ተበጊሶም ብስም ናይ ፈጠራ ኣግኣዝያንነት ዓባይ ትግራይ ንምፍጣር፡ ሓምሻይ መስርዕ ከም ዝዀኑ ኣዊጆም ከጽንቱና ይህንደዱ ኣሎው። 4. ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ፡ ገስጋስን ሃገራውን ተመሲሉ ብምቕራብ ክሳብ ሕጂ ሓቀኛ መንነቱ ብውሕልነት ጋሪድዎን ደጒልዎን ጸኒሑ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ከይቀውም ንምሕንኳል፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ (ወይ ምስ ናይ ሽዑ መንግስቲ ወያነ) ዝተፈጥረ ናይ ዶብ ግጭት ክንዲ ብዓቕልን ብሜላን ብሰላም ንምፍትሑ ዝጽዕር፡ ነቶም ብሰላም ንፍታሓዮ ብምባል ዝቃወምዎ ዝነበሩ ላዕለዎት መራሕቲ ብተንበርካኽነት ከሲሱ ንምጥቃዕ ክጥቀመሉ ስለ ዝደለየ፡ ብጐነጽን ድርቅናን ክፈትሖ መሪጹ። ነቶም ዝተቓወምዎ ላዕለዎት መራሕቲ ከምቲ ዝወጠኖ ብተንበርካኽነት ከሲሱ ምስ ኣጽነቶም፡ ምልካዊ ስርዓቱ ንምትካል ዕድልን ግዜን ክረክብ፡ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዛዕባ ቅዋምን ደሞክራስን ምዝራብ ምህውታት ኢዩ-- ፍጹም እዋኑ ዝሓለወ ኣይኰነንብምባል፡ ሃገራዊ ምርጫ ከይግበርን ቅዋም ከይትግበርን ደሞራሲያዊ ስርዓት ከይምስረትን ብምዕንቃጽ፡ ብርኡይን ብግብርን ገስጋሲ ከም ዘይኰነ ኣመስኪሩ።

ጸኒሑ፡ ድሕሪ ምምጻእ . ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን፡ ኢትዮጽያ ብዘይ ቅድመ-ኲነት ነቲ ዶብ ንምሕንጻጽ ዝተገብረ ስምምዕ ኣልጀርስን ናይ ዶብ ኮሚሽን ውሳነን ብምልኡ ከም ትቕበሎን ከም ትትግብሮን ብዕሊ ምስ ኣፍለጠት፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ንዕስራ ዓመታት ዝገዓረሉ ቃል ኣዕቢሩ፡ምሕንጻጽ ዶብ ኣድላዪ ኣይኰነን፣ ንኽልቲአን ኣሓት ሃገራት ኣብ ሓደ ንምጥማር ኪኖ ዶብ ክንጥምት ኣሎናዝብል ሓድሽ ናይ ጥልመት ፍልስፍና ኣምጺኡ፡ ዘይወጽኣሉ ኣድሓርሓሪ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብናጽነትን ልኡላውነትን ሃገርና ኤርትራ ዘይኣምን ከዳዕ ( ወይ ብትኽ ዝበለ ቃል፡ ንዓና መሲሉ ብስዉር ንጸላኢ ዘገልግል ዝነበረን ዘሎን ሃሱስን ሰላይን ማለት መስራትን መራሕን ሓምሻይ መስርዕ) ምዃኑ ቊልጭ ኣቢሉ ኣረጋጊጹ። 5. ሃገር ሕልሚ ቀትሪ ዝብል ኣበሃህላ፡ ኣብዚ ኣጠቓቕማ ብፍላይ ነታ ኣግኣዝያን ክምስርትዋ ዝሓልምዋ ዘሎዉሃገረ-ኣግእዝያንዝሰመይዋዓባይ ትግራይዝምልከት ኢዩ። ብለይቲ ዝሕለም ሕልሚ ምስቲ ብቐትሪ ዘጓነፈካ ስለ ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ገሊኡ እዋናት ንክውንነት ከንጸባርቕ ይኽእል ኢዩ። ይኹንምበር፡ ከይደቀስካ ብቐትሪ እትሓልሞ ሕልሚ፡ ንባህግኻን ሃንቀውታኻን ዘንጸባርቕ ህውተታ ኢዩ። ኣግኣዝያን ንዂለን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎዋ ብሄራት ናብ ጸላእቲ ለዊጦም፡ ብሕልፊ ኸኣ ንኤርትራውያን ኣስላምከንቱን ድኹማትን ርኹሳትን ስለ ዝዀንኩም፡ ብጋህዲ ከነጽንተኩም ኢና!” ኣናበሉ ብምህዳድ፡ (ብሃገራት ኣስላም ከም ዝተኸቡ ብምዝንጋዕ) ብኢደ-ወነኖም ቃሕ ንዝበሎም መሬት ኤርትራን ኢትዮያን ገቢቶም ብሓይሊ ብምምንዛዕ፡ዓባይ ትግራይክፈጥሩ ዝከኣል መሲልዎም፡ኣብዚ ከባቢ ብጀካና ዓቕሚ ዘሎዎ ሓይሊ የለንብዝብል ኣጉል ትምክሕቲ ሰኺሮምን ዓዊሮምን ብቐትሩ ንኸንቱ ይሓልሙ ኣሎዉ። 6. ብርግጽ፡ ኣግኣዝያን ውልዶ-ናዛውያን ኢዮም። ምኽንያቱ፡ ከም ናይ ጀርመን ናዛውያንንሕና ዝበለጽና ዓሌት ኢና፣ ንዓና ክስዕርን ከንበርኽን ዓቕሚ ዘሎዎ ሓይሊ ከቶ የለንዝብል ብሄራዊ ትምክሕታዊ ኣረኣእያ ኣብ ርእሲ ምህላዎም፡ንሕና ብኣምላኽ ዝተሓረና ፍሉያት ቅዱሳት ፍጥረታት ኢናዝብል ትምክሕታዊ ሃሜናዊ (dogmatic) እምነት እውን ኣሎዎም።

ናይ ጀርመን ናዛውያን፡ ኣብቲ ዝሓየልሉ እዋን (ከባቢ 1935) ኣብ ዓለም ብስልጣነኦምን ፍልጠቶምን ጸብለል ኢሎም ይረኣዩ ብምንባሮም፡ ትምክሕቶም ካብ ናይ ልዕልነት ስምዒት (superiority complex) ዝመንጨወ ኔሩ። ሓሸ`ካ፡ ተጋሩ ናዛውያን (ኣግኣዝያን ኤርትርን ትግራይን) ግና ኣዝዮም ድሑራትን መሃይምን ስለ ዝዀኑ፡ ትምክሕቶም፡ ከምቲ ንዕኦም ንበይኖም ዝመስሎም ዘሎ ዘይኰነ፡ ብዘይጥርጥር ካብ ናይ ትሕትነት ስምዒት (inferiority complex) ዝመንጨወ ኢዩ። 7. ብዛዕባ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ህልቀት ዝምልከት ዝርዝር ሓበሪታ ንምርካብ፡ ኣብ ዊኪፐድያ (Wikipedia) “ህልቀት ሩዋንዳ” (Ruwandan Genocide) ብዝብል ኣርእስቲ ቀሪቡ ንዘሎ ዘገባ (report) ተወከስ። እዚ ሓበሬታ ካብኡ ዝተወሰደ ኢዩ። 8. እዚ ጥቕሲዚ፡ ካብቲ ናይ ተስፋጽዮንከይንናቘር ኢልና ኣብ ባርነትን ፍርሕን ኣይንነብርን ኢናብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዩትዩፕ ዝዘርግሖ ቪድዮ ክሊፕ ዝተወስደ ኢዩ። 9. ጠቖም-ፈሊጣዊ ወይ ጥማዓዊ ተባሂሉ ዝውገዝ ሰብ፡ እቲ ቊሩብ ፍልጠት ሒዙ ከምዛ ዂሉ ነገራት ዝፈልጥ ሊቅ ኰይኑ ብምቕራብ፡ ልክዕ ከም ተስፋጽዮን ሆየ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ዓይነት ኣመት ዘይብሉ ኣርእስታት ከይተረፈ እናልዓለ፡ ዝፈላሰፍን ዝራቐቕን ዝትንትንን ዓይኒ ሕፍረት ዘይብሉ ብሃም ማለት ዳንደ ሰብ ኢዩ።

ጥማዓውያን፡ ንታሪኻዊ ክውነታት፡ ንስነ-ፍልጠታዊ መርትዖታት፡ ንባህላዊ ቅጥዕታት፡ ንሃይማኖታዊ ደምብታት፡ ከምኡውን ንስነ-ጥበባዊ ክብርታት የነውርዎ፡ የቆናጽብዎ፡ ወይ ከኣ ፈጺሞም ከምዛ ዘይነበረን ከምዛ ዘየሎን ይኽሕድዎ። ኣብ ኲሉ ሰብ ዝነብረላ ዘሎ ክውንቲ ዓለም ዘይኰኑ፡ ኣብ ባዕላቶም ኣብ ኣእምሮኦም ዝቐረጽዋ ዘይትጭበጥ ማለት ህላወ ዘይብላ ዓለም ኢዮም ዝነብሩ።ይዋኣት -- ንዓኣቶም ምሕረት የውርደሎም !!! ንዓና ኸኣ ካብ ሸርመሮም ይኽደነና!!! 10. እዚ ኣበሃህላዚ፡ ካብቲ ተስፋጽዮን ኣብ ዩትዩፕጽዮንነትን ኣግኣዝያንነትን ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲምብዝብል ኣርእስቲ ዝፈነዎ ቪድዮ ክሊፕ ዝተወስደ ኢዩ። 11. ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዝሃቦ ቃል ንምስማዕ፡ ነቲንኣስላም ዝኣምነን ማይ ዝሓቖነን ሓደብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዩትዩብ ዘውጽኦ ክሊብ ተወከስ። እዚ ጥቕሲ ካብኡ ዝተውስደ ኢዩ።

12. ብዛዕባ ትምክሕታዊ ኣረኣእያዚ፡ ተስፋጽዮን ብስም ኣግኣዝያን ዝህቦ ቃል ኣብ መብዛሕትኡ መደረታቱ ተደጋጊሙ ይጠቐስ ድኣምበር፡ ብሰፍሑ ብፍላይ ኣብዘን ዝስዕባ ማለትትግራይ ዓደይ፡ መሬት ስልጣነይን መንነተይን ናጽነተይን ተስፋይንግእዝ ጥራይ ወደባት ኣብ ኤርትራህዝቢ ኣግኣዝያን ምእንቲ ምፍጣር ትሽዓተ ብሄራት ሞባእ ክኸውን ዝተፈርደ ህዝቢከምኡውንጽዮንነትን ኣግኣዝያንነትንዝብላ ቪድዮ ክሊፓት ስለ ዘሎ፡ ተወሳኺ ዝነጸረ ሓበሬታ ንምርካብ ንዓኣተን ተወከስ። 13. ብዛዕባ ክሳራታት ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ዊኪፐድያ ቀሪቡ ንዘሎ ዘገባ ተወገስ።እዚ ሓበሬታ ካብኡ ዝተወስደ ኢዩ።

We use cookies to improve our website. More details…