መግለጺ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብምኽኒያት ባሕቲ ጥሪ 2018

Eritrean Nahda Party

 

መግለጺ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብምኽኒያት ባሕቲ ጥሪ 2018

ወትሩ ባሕቲ ጥሪ ክመጽእ እንከሎ፡ እቲ ሕርኽርኽ ዝብል ታሪኽ ዘይብሉ፡ ንኹሉ ህዝብታት ኤርትራ ብኽብርን ማዕርነትን ዘሳተፈ፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ንነጻነት ኤርትራ እንኮ ኣጀንዳ ዝሓዘለ ጥሙር ሓይሊ ሰልፍታት ናጽነት፡ ራቢጣ-ኣሊስላምያን ብሙሉእ ሃገራዊ ፍቕሪ ወኒን፡ ምእንቲ ኤርትራ ዝስዓበ፡ ማሕበር ሸውዓተን ሓረካን፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ብልዝብን ዘተን ንምፍታሕ ዘይሕለል ቃልሲ ዘካየደን ንዝገጠሞ ኩርኳሓት ተጻዊሩ ኣብ ወሳኒ እዋን መንገዲ ቃልሲ ብምቕያር ንብረታዊ ቃልሲ ዝወለደን ክሳብ ናጽነት ኤርትራን ክኒኡን ንድፊ ዘቐመጠ፡ ታሪኻዊ ቃልሲ ንምቕጻልን፡ ነቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝተላዕለ ሕቶ ህዝብን ሲዒቡ ብገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዘሰዓቦ ካብ ዝነኣሰ መሰል ክሳብ እቲ ዝዓበየ ምምንጣልን ምኽሓድን እንታይ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ብቓልሲ ንምምምላስ ዝነቐለ ሰልፊ፡ ምምስራቱ ዘበስር ዕለት’ዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ዝቕጀል።

እዚ ኣብ ሓጺር እዋን ኣባላት፡ደገፍትን ተደናገጽትን ዘፍረየ ህዝባዊ ሰልፊ’ዚ ዝተሰከሞ ረዚን ሓላፍንነት ውጹዕ ህዝቢማለት ሃገራዊ፡ ሃይማኖታውን ብሄራውን ካብ ምውላዱ ሽቱኡ ኣንዳሃረመ መንገዲ ዓወት ጨቢጡ ይርከብ። እዚ ድሕሪ ነዊሕ ትዕግስትን ጻዕርን ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2006 ዝተወልደ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝሓለፎ መስርሕ ድሕሪት ምልስ ኢልና ከመይ ተበጊሱ፡ እንታይ ዕንቅፋት ኣጋጢምዎ፡ ከመይከ ሰጊርዎ ዝብሉ ሕቶታት ምስ ኣነልዕል ብዙሑን ዝተሓላለኸን መልስታት ከም እንረክብ ርዱእ’ዩ፡ ንሱ ድማ ነቲ ዝደልዮ ዓወታት ንምጭባጥ ብጽንዓትን ተወፋይነትን እምበር ብለማጽ መንገዲ ዝብጻሕ ከምዘይኮነ ኣብ ንቕሉኡ ኣሚኑ ዝተላዕለ ምንባሩ’ዩ።

በዚ ኮነ በቲ ግን   ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ካብ ዝተመስረተሉ ግዜ ጀሚሩ ዓበይቲ ተስፋታት መስተርሆ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ጀበርቲ ጥርዚ ዝብጻሓሉ ብሙዃኑ ዓመት መጸ ሓደ ጥሪ ኣብ ታሪኽ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ናህዳ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዝዓበየ ቦታ ከምዘለዋ ብምዝካር፡ ነዛ ውጺኢት ነዊሕ ናይ ወጽዓ ዓመታት ዝኾነት ታሪኻዊ መዓልቲ ንቕሓት ህዝብና ዝተንጸባረቀሉ፡ ሓቀኛ ህዝባዊ ሕቶታና ንምምላስ ድልውነቱ ብተግባር ንምርግጋጽ ካብ ህዝብታት ዝብገስ ናይ መሰል ሕቶ ብዘይ ዝኾነ ኢንታ ንስለ ተበዲልና ዝብሉ ህዝቢ ንምጥርናፍ ዝዓለመን ፡ብመለኽቲ ዝተጨፍለቐ መሰል ብዘይ ቃልሲን መቃልስትን ከምዘይርከብ ከም ቀንዲ ዋኒኑ ወሲዱ ብግብሪ ዝተዋሳኣ ኣላ ማዓልቲ ስለዝኮነት’ያ።   

ስለ ዝኾነ ድማ ምዕባለ ህዝብዊ ሰልፊ መስርሕ’ዩ፡ እቲ መስርሕ ክቕልጥፍ ወይ ክዝሕትል ፡ንድሕሪት ክዕጸፍ ወይ ንቕድሚት ክግስግስ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ክዕወት ወይ ክፈሽል ዝውስን ግን፡ እቲ ንሱ ዝተሰከሞ ዓይነት ፖለቲካዊ ምሕደራ ብቕዓት፡ ህዝባዊ ወጋናውነት፡ ተሓታትነት፡ ተወፋይነት ዘለዎ ኣመራርሓን ንሱ ዝቐርጾ ስትራተጂታት፡ ፖሊሲታት ግብራውነት ኣፈጻጽሙኡን’ዩ። ቅድሚዚ ራቒሒታት  ዝስራዕ ንዕብየት ዓወታትን ንውደቀትን ፍሽለትን ሓደ ሰልፊ ዝውስን መዕቀኒ የልቦን። ተሓታትነት ዘይብሉ ምልካዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ (ምሕደራ) ልዕልነት ኣብ ዝሓዘሉ ኣብ ዘለኻዮ ጋም ማን ምባልን ኣይሙዉት ኣይስሩር ኮንካ ምስሓግ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ፍሽለት ምዃኑ ኣየጠራጥርን። ሕጋዊ ውልቃዊ ሰልፋዊ ተሓታትነት ዘልዎ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ ልዕልና ኣብ ዝሓዘሉ ድማ ፡ሰልፊ ደረጃ ብደረጃ እናማዕበለን ናህሪ እንዳወሰኸን ኣብቲ ዝድለ ዓወት ከምዝበጽሕ ኣይጠራጠርን

እዚ ኮይኑ ድማ ሃገርና ኤርትራ ነጻነታ ካብ እንትጎናጸፍ ልዕሊ ርብዒ ዘበን ኣቑጺራ እኳ እንተሃለወት ሉኡላዊት ሃገር ካብ ምእዋጅን ተራ ሃገራዊ ናጽነት ካብ ምርግጋጽን ንላዕሊ ክከይድ ዘኽእሎ ዲሞክራስያዊ ድሕረ ባይታ ኣየርኣየን። ይኹን እምበር እቲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእታዊ ዝተቓለሰ ካብ መጀመሪያ ኣርባዓታት ኣትሒዙ ታሪኻዊ ምዕራፍ ብምቕማጥ ብወሳኒ መልክዑ ሓርበኛዊ ሃገራዊ ተራኡ ተጻዊቱ ነዚ ሃገራዊ ነጻነት በቂዕዎ እኳ እንተበልና፡ ካብዚ ንድሕሪት ኮረሻ ስልጣን ዝተወጠሓ ጉጅለ ግበታዊ ስርዓት ግን ገዛእ ርእሱ ኣብ ገዛኢ ጉጅለ ተሰጋጊሩ፡ ፈታዊ ዘይኮነስ እስትራተጂካዊ ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ ኮይኑ ከሙኡ ስለዝኾነ ኸኣ ንምዕባለ ሃገርን ህዝብን ዓጊቱ፡ ናይ ምንቁልቛል መንገዲ ተኸቲሉ ክጸድፍ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ኣሉታዊ ታሪኽ ተሓንጊጥካ ንቕድሚት ክምርሽ ዘኽእሎ ወሽጣዊ ባህሪን መንነትን ስለ ዘይነበሮ ነቲ ኤርትራዊ ናጽነትን ሃገራዊ መንነትን ብጸቢብ ረብሓታት እናቓናየ ክብርዞን ከዳክሞን ዝካኣሎ ገይሩን ይገብር ኣሎን።

ብኻልእ ሸነክ ድማ ካብቲ ኣብ መስርሕ ሰላማዊ ቃልሲን ሲዒቡ እውን ሓርነታዊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕቶ ሓድነት ሕቶ ምርግጋጽ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲ ዘጋጠመ ዕንቅፋታት ይኹን ዲሒሩ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነት ምእንቲ ዲሞክራሲ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየዱ ቃልስታት፡ ብውልቀ ውድባት ይኹን ዝተመስረቱ ግንባራት ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ እተን ዝበዝሓ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሲቪክ ማሕበራትን መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዝጠርነፈ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ምምስራቱ ኣትሒዙ ዘጋጠሞ ዕንቅፋታትን ንምውጻእ ሰልፊ ዓሚቕ ስራሓት ኣብ ምክያድ ተሓጺሩ ምህላዉን፡ በዚ ድማ ዝተበታተኑ ስድራ ቤታት ተኣኪቦም ቀዋሚ ቦታ ረኺቦም ብማዕርነት፡ መስተርሆት ዝነብሩሉ፡ ዝዓነወ ቁጠባ ብሓድሽ ቅዲ ህወት ዘሪኡ ታተ ዝብለሉ፡ ዲሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ዲሞክራስያዊ ትካላትን ዝዕንብብሉ፡ ማሕበራዊ ትካላት ተሃኒጾም ግቡእ ኣገልግሎት ዝህብሉ፡ ሃገር ኣብ ዓለማዊ መድረክ ግቡእ ቦታ ሒዛ ኣወንታዊ ተራኣ እትጻወተን፡ጸጥታዊ ስግኣት ተወጊዱ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ተኣታትዩ፡ ልዕልና ሕጊ ብሓሳብን ብግብርን ዝነግሰሉ መጻኢት ኤርትራ ንምፍጣሩ’ዩ ሰልፍና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ኣግእዞ እዚ ሕሉፍ ዓመታት ዝተጸምደ።

መርኣያ ናይዚ ድማ ብፍላይ ኣብዚ ነፋንዎ ዘላና ዓመት፡ ኣብ መበል ቀድማይ ዓመት 3ይ ጉባኤ ሰልፍና፡ ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ሰልፍና ዝሓፈሶም ዓወታት ቃልሱ ምንጋር ዘድልዮ ኣይኮነን፡ እቲ እንኮ ከይተጠቕሰ ዘይሓልፍ ግን፡ እቲ ንኩሉ ፖለቲካዊ ውጽዓታት ገበቲ ንምምካት ኣሚኑ መሰሉ ብቓልሲ እምበር ብምጽዋት ከምዘይርከብ ኣስሚሩ ነዚ ገስጋሲ ሰውራ ምብቅዑን ቀጻልነቱ ኣብ ቃልስን ድሕሪኡን ንምውሓሱ  ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ዝተበገሰ ንኹሉ ኤርትራዊ ዓቢ በር ተስፋ ዘንጸላለወ ሰውራ ኣኽሪያን ፡ዝተኸፈሎ ከቢድ ዋጋን፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ከም ስልፊ ናብ ዓወት ንምብቅዑን ታሪኹ ክስነድን ኣብ ከቢድ ቃልሲ ከምዝርከብን ይፍለጥ፡ ነቲ  ሓድነታዊ ሰሚናር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክስዊሲያዊ ለውጢ እንተኾነ እውን ኣብ ምስማሩን ኣብ ምቅርራብን ዝወሰዶ ድልየትን ህንጡይነትን ናይ ሓባር ቃልሲ ብምቕዳም ዝተረባረቦም መስገደላት ሕጂ እውን  እቶም ናይ ምዕንቃፍ መርገጽ ዝወሰዱ ዳግማይ ርእቶ ገይሮም ናብቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ከተኩሩ እንዳጸወዐ፡ ነዞም ዓበይቲ ተረኽቦታት ግን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብዕምቆት ከምዝሰርሓሎምን  ግብራዊ ንጥፈታትን ኣዳቒቑ ኣብ መደምደምታ ዓወት ከብጽሖም፡ ብድምሩ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ኣረኣእያ ፖለቲካዊ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ጉዕዞ  ዓመታት ሰልፊ ብዓወትን’ዩ ዝመዝኖ።

ኣብ መደምደምታ ብምክኒያት እዚ መዓልቲ ጀማሪ ምንዳይ ፍትሕን ማዕርነትን ቃልስና ዝኾነ ክቡር ዕለት ባሕቲ ጥሪ ክንድቲ ዝተነበሮ ተስፋን ዘሰከምና ረዚን ናይ ሓርነትን ክኒኡን መስተርሆ ሃገርናን ህዝብናን ሓላፍነት፡ ብማዕርነትን ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ንምብጹሑ፡ ነቲ ዝስገር ዘይመስል ህሉው ፖለቲካዊ ኩነት ሃገርናን ሶንኮፍ ኣተሃላልዋ እቲ ግበታዊ ስርዓት፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብምስጋርን ብሙሉእ እምነት ነቶም ብውሽጣውን ግዳማውን ዝበዱሁና፡ ከምተሞክሮ ቃልሲ ብምውሳድን፡ ሓቀኛ ቃልሲ ቀዳሞት ብምድጋም ምዚ ዓጋቲ ዘይብሉ ነቒሉ ዝርከብ ገስጋሲ ሰልፍና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ፡ሙሉእ ሓርነት ፍትሕን ዲሞክርስን ዝሕላገታ ሰላማዊት ኤርትራ ከም እነምጽእ ኣይንጠራጠርን ። ኣብ መዛዘሚ መግለጺና ድማ ጥሉልን ሰናይን ሓድሽ ዓመት 2018 ንኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ንምነ።

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

31 ታሕሳስ 2017

                 

Top
We use cookies to improve our website. More details…