ብሰውራ ኣኽሪያ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ከቢድ ምንቕናቕ ኣትዮ ምህሊዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም

Eritrean Nahda Party

ብሰውራ ኣኽሪያ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ከቢድ ምንቕናቕ ኣትዮ ምህሊዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም

ድሕሪ ናይ ዕለት 31 ጥቅምቲ ህዝባዊ ምልዕዓል (ሰውራ ኣኽሪያ) ንኣብ ካልኦት ከተማታት ኤርትራ ዝላሓመ ናዕቢ ህዝቢ፡ ግበታዊ ስርዓት ኣብ ከቢድ ምንቕናቕ ናይ ስልጣን ኣትዩ ምህሊዉን፡ ንብዙሓት ኣሳሳይቱን ህዝብን ኣብ ምእሳርን ኣብ ከቢድ ሓለዋ ናይ ስልጣኑን ኣብ ዘይምትእምማን ኩነታት ከምዝርከብን ተረጋጊጹ።

ካብዚ ድማ ትማሊ ጅምዓት 03 ሕዳር 2017፡ ዳግማይ ሰውራ ኣኽሪያ ክግበር ዝብል ጺንጺንታ ዝነብሮ ጸጥታ ግበታዊ ስርዓት፡ ካብ ሓሙስ ለይቲ ኣትሒዙ ንምብርዓኑ ምድላዋት ክገብር ከምዝሓደረን፡ ጅምዓት ንግሆ ሲቪል ዝለበሱ ፖሊስን ጸጥታን እቲ ስርዓት ኣብ ፈቖደኡ ቦታት እቲ ከተማ ብፍላይ ኣብ መሳጊድ ዝርከብዎም ከባቲታት ተዘርጊሖም ከምዝዋዓሉ ተፈሉጡ።

ብተወስሳኺ ኣብ መስጊድ ኹለፋእ ኣራሺድን ሓምሳ ዝኾኑ ኣባላት ጸጥታ ልኢኹ ኣስታት ዓስርተ ዝኾኑ ክርስቲያን ምስቲ ህዝቢ ሙስሊም ተሓዊሶም ከም ዝሰገዱን ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅድሚ እቲ ሰላት እውን ነቶም ገለ ገለ ዝጠርጠርዎም ልዕሊ 60 ሰባት ጨውዮም ከም ዝስወሰዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ድሕሪ ቀትሪ ድማ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝጸንሑ ዕጡቓት ሰራዊት ናብ ከተማ ብምእታው ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን፣ ብፍሊይ ኣብ ከባቢ ኣክሪያ ጹዑቕ ሓለዋ ክገብሩ እኳ እንተፈተኑ ህዝቢ ግን ብኹነታቶም ምንም ከም ዘይተሸበረን ክሳብ ዕለተ ለውጢ እቲ ህዝባዊ ሕቶ ብቓልሲ ክውድእዎ ሙዃኖም ኣረጋጊጾም።


ብተወሳኪ ብዕለት 04 ሕዳር 2017 ንግሆ ጸጥታ እቲ ግበታዊ ስርዓት ብትእዛዝ ናይ ኢሰያስ ከም ልማዱ ስርሑ ክገበር ክብል ንቤት ጽሕፈቱ ዝኣተወ ሓሊፊ ፖሊስ ዞባ ማእከል፡ ምኽኒያቱ ናይዚ ህዝባዊ ናዕቢ ጥራይ ክኸውን ብዝኽእል ካብ ቤት ጽሕፈቱ ተወሲዱ ከም ዝተኣሰረ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ኣረጋጊጾም።

ክፍሉ ዜና ሰልፊ ናህዲ ኤርትራ
05/11/2017

Top
We use cookies to improve our website. More details…