ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ጅዳ ዕዉት ኣኼባ (ተንዊር) ኣካይዱ

Print

Eritrean Nahda Party

 ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ጂዳ ሱዑዲ ዓረብያ፣ ዕዉት ኣኼባ (ተንዊር) ኣካይዱ

 ብዕለት 13 ጥቅምቲ 2017 ወከልቲ ውድባትን ኣባላት ባይቶን ዓበይቲ ዓድን ህዝቢ ጅዳን ኣባላት ማእከላይ መሪሕነትን ኣባላት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ጅዳን ዝተሳተፍዎ ዕዉት ናይ ሰሚናር ተንዊር ተኻይዱ. ቅድሚ ኣኼባ ምጅማር ናይ ሓባር ምሳሕ ድሕሪ ምግባዝ፡ መኽፍቲ ኣኼባ ብቁርኣነል ከሪም ተኸፊቱ፡ ቀጺሉ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ጅዳ ንተሳተፍቲ እንኵዕ ዳሓን መጻእኩም ብምባል፡ እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ህዝቢ ጅዳ ምስ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብምርኻብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ደምበ ተቃዎምን ኩነታት ሰልፍና ብሓበር ንምስማዕን ዘለና ሕቶ ምሕታትን መልሲ ምርካብን ኢዩ ድሕሪ ምባል። ቀጺሉ ምክትል ኣቦ- መንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ ህሉው ኩነታት ሰልፊ ድሕሪ ምግላጽ፡ ናብቲ ኣብ ዕለት 22 ሓምለ ብሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተኻየደ ዕዉት ሰሚናር መራሕቲ ውድባትን ኣባላት ባይቶን ህዝብን ዝተሳተፍዎ ኣመልኪቱ ትሕዝቶ ሰሚናርን፡ ኣብ ሰሚናር ዝቀርቡ ጽሑፍትን ዝተኻየደ ዘተን ዝወጽሉ ትሕዝቶን ሰፊሕ መግለጺ ኣቅሪቡ።

ብምቅጻል ንተሳተፍቲ ኣኼባ ዕድል ብምሃብ ካኣ ንዘቅረብዎ ሕቶታት፡ ብምክትል ኣቦ-መንበር ሓው መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ፡ ኣዕጋቢ መልሲ ተዋሂቡ። ከምኡ’ውን ብካድራት ጨንፈር ጅዳ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተዳለወ ጽሑፍ ብዛዕባ ዝጽበየና ዘሎ ዕማምት ጉዳይ ሽግር ሕብረተሰብና ፍታሕ ንምርካብ ብግብረ-ስናይ ከቢረ ከምኡ’ውን ካለኦት ግብረ-ሰናይ ዘካይደኦ ዘለዋ ጻዕሪ ሕጂ እውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዓቢ ኣድህቦ ብምግባር ካብቲ ዝጽንሐ ናብ ዝሓሸ ክዓቢ ናይ ግድን ክስራሓሉ ዘለዎ ሓዲሽ ኣገብብ ስራሕን ተሳትፎን ክህሉ ክምዘለዎ ብስፊሕ መግለጺ ቀሪቡ።

አብ መጨረሻ ክምዚ ዓይነት ኣኼባ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝሳተፎ ብቀጻሊ ክካየድ ለበዋ ድሕሪ ምሕላ ምክትል ኣቦ-መንበር ንኣሳናዳእቲ ናይዚ ኣኼባ ጨንፍር ጅዳ ምስጋና ኣቅሪብሎም።


ክፍሊ ዜና
ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
14/10/2017

 

We use cookies to improve our website. More details…