ሓሊፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

Print

Eritrean Nahda Party

 

 

ሓሊፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ሃገረ ጀርመን ተራኺቡ

 

ኣብ ጉዳይ ህለው ኩነታት ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ፡ ስደተኛታትን ፡ ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሱራት ናይ ፖለቲካ፡ ሃይለ ወልደ ትንሳኤ ቢትወደድን ኣስቴርን ጉዳይ ተዘራሪቡ፣፡
ሓሊፊ ወጻኢ ዝምድናታት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዶ/ር መሓመድ ብርሃን እድሪስ ምስ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ንህለው ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ምግሊጽ ንህለው ንጥፈታትን ራኢ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራን ብዓሚቕ ኣብ ኣብሪህሎም።


ቀጺሉ ዶ/ር መሓመድ ብርሃን እድሪስ፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኤርትራውያን መናእሰያት ናይ መጻኢ ዕድሎም ተበታቲኑ፡ ብዘይ መደብ እታ ዝፈትዉዋን ዘፍቅርዋን ሃገሮም ራሕሪሖም፡ እግሮም ናብ ዘምርሖም ንሓደገኛ ጉዕዞ ይዋፈሩ ኣለዉ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ጎደና ናይ’ዚ ጉዕዞ መሰረታዊ መሰሎምን ክብሮምን፡ ንብረቶም ይዝረፍ፡ ጅሆ ይተሓዙ፡ ዝተሓተትዎ ገንዘብ ምስ ዘይከፍሉ ከኣ ኩሊቶም ይዝረፉ መዓንጠኦም ይዝርዘር ምህላዉ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ውን መንእሰያት ኤርትራ ኣብቲ ዝኸድዎ ናይ ሰደት ቦታታት ተውሳኽ ግዳይ እቲ ብመግዛእቲ ኣሰናቢዱ ካብ ሃገሮም ዘውጾኦም፡ ሓደ ግዜ ኣብ ናይ እኩባት መዓስከር ይእሰር፡ ካልኣይ ግዜ ብጥርዝያ እናተሰናበደ እንደጌና ኣብ ንቀጻሉ ስደት ይደፋፋእ ምህላው ብዕምቆት ዘርዚርሎም።
በቲ ሓደ ሸነኽ ኣብ ልብያ ተቀጥቂጡን ተኣሲሩን ብኣሸበርቲ ተሓሪዱን ትንፋሶም ተዓፊኑ፡ ምስ ብኣሽሓት ኣብ ባሕሪ ይሃልቁ ኣለዉ ድሕሪ ምባል ነዚ ዘጉሂ ተረኽቦ ምኽንያት ዘይብለ ባህርያዊ መቅዘፍቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ እንኮ ሰባዊ ስርዓት ዝሕተተሉን፡ ሰብኣዊ እንታይነቱን ዓይነት ኤርትራዊ መንነቱ ከመይ ከም ዝኾነ ዝሕብርን’ዩ ብምባል እዚ ናይ ኤርትራውያን ኣሕዋት ዋሕዚ ስደት ብዓቢ ስእሉ ክንጥምትዎ ከምዝግባእን ብወገኖም ክሳብ ሕጂ እኩል ጠመተ ከይገበሩሉ ምጽነሖም ብምዝኽኻር፡ ምስዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ገጢሙ ዘሎ ከቢድ ናይ ብርሰት ሽግር መዓረ መዓረ ክርኤ ዘለዎ ዓበይቲ ሓደጋታት ናይ ስደት መንእሰይ ዘስዕቦ፡ንልዑሊውነት ኤርትራ ዝካላኸል ሓይሊ ኣይህሉን እዩ ድሕሪ ምባል፣፡

ሃገር ሃናጺ ሓይሉ ኣይህልውን ልዑልነት ሃገርን ህንጸት ሃገርን ማእከል ኤርትራውነት ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ’ዩ ኢልና ንምስክሮ ዘለና ምዕብልና ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ከስተብህልሉ ከምዘለዎምን ናይቲ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ግበታዊ ኩነታትን ኤርትራ ኣብ ሕንፍሽፍሽ እትርከብ ኣላይ ዝሰኣነት ሃገር ኮይና ምህላዋ ብዕምቆት ክሪኢዎን ሓቢሩ። እቲ ምዕብልና ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍሊይ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ከስተብህለሉ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ፡

ብተወሳኺ ድማ ዶ/ር መሓመድ ብርሃን ፡እቲ ካብ ውሽጢ ሃገር ንሰልፊ ዝተዋህቦ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይቶም ንልዕሊ 16 ዓመታት ኣብ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ እሱራት ፖለቲካ፡ ንሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብዘለዎ ሓበሬታ መሰረት 3 ካብቶም እሱራት ማለት ሃይለ ወልደ ትንሳኤ ቢትወደድን ኣስቴርን ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ከምዝርከቡን መንግስቲ ጀርመን ዝካኣሎ ሃለዋቶምን ኩነታቶም ክሓትት ተማሕጺኑ፣ ኣብ መወዳእታ ዶ/ር መሓመድ ብርሃን እድሪስ ወጻኢ ጉዳያት፣ ሃገረ ጀርመን ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ርክባት ክገብሩ ጸዊዑ።

ብወገን እቲ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ዝምድናታት ሃገረ ጀርመን ድማ እቲ ዝተዋህቦም መብሪሂ ኣዝዩ ኣዕጋቢ ምንባሩን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት እውን ከምዘተሓሳሰቦምን ፡ነቲ ዝተዋህብዎ ለበዋታት ክሰርሑ ሙኳኖም ቃል ብምእታው፡ ብፍላይ ምስ ኤርትራውን ደምበታት ፍትሒ እውን ቀጻሊ ርክባት ክገብር ሙዃኖም ኣስሚሮምሉ ፡ንሰብኣዊ ኩነታት ናይቶም እሱራት ዝምልከት እውን ብወገኖም ንኩነታቶም

ከምዝሓቱ ኣረጋጊጾም ።
ወኪል ክፍሉ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ
ካብ ፍራንክፎርት
14 ሓምለ 2017

We use cookies to improve our website. More details…