ቃለ መሕትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ክፍሊ ዜና ሰልፊ - 9ይ ክፋል

Print

Eritrean Nahda Party

ሕቶክ / ዜ / ሰልፊ 

ዝኸበርካ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዓብዱራሕማን ጣሃ ድሕሪ ድሕሪ እቲ ዘካየድዎ ወይ ዝገበረዎ ዋዕላ ንሰልፊ ንምብታን ዘካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቓስ ኣሎ ዲዩ ? ወይስ ኣብቲ ዋዕላ ጸብጻባቶም ንውልቀሰባት ኣስሚዖም እዮም ወዲኦም?

01

ኣቦወንበር ሰልፊ፡ ድሕሪ 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኩሉ ዓቕምታትናን ዓቕምታት ሕብረተሰብና ብሓደ ኣንፈትን ሓባራዊ ዕማምን ጸረ ስርዓት ህግደፍ ብምቕናዕ ነቲ ውሽጣዊ ባእስን ፍልልያትን ወጊድና ወይ ወንዚፍና ዕምሪ ህግደፍ ብምሕጻር ነቲ ንኹላትና እንደልዮን እንትምነዮን ሰላምን ብልጽግናን ምርግጋጽ ቅንዕ ድፍእ ኣብ ምባል እኳ እንተጸናሕና ብጎኑ እውን መቐጸልታ ናይቶም ንቓልስና ዝዕንቅፉ ተግባራት በዞም ዓንቀፍቲ ውልቀ ሰባት ብዝተፈላለየ መራከቢ ብዙሃን ከይተሓጸረ ብስመ ምእራም ዋዕላ እንዳተባህለ ንህዝቢ ዝገምዕን ንሰልፊ ንምብታንን ዝግበር ዘሎ ተግባራት ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነስ ንመጻኢ ሓደጋ ክኸውን እንዳተኻወሰ ይኸይድ ምህላዉን ካብ ምስትብሃል ኣይተቖጠብናን፡

ንሃገራዊ ቃልስናን ነቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራን እንዳ ባኣሰ ዝከይድ ዘሎ ባርነት ንምንዋሕን፡ ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ሓጋዚ ምዃኑን ካልእሲ ይትረፍ ንውሑዳት ኣዋርሓ እውን ክቕጽል እንተኾይኑ ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ከምኡውን ፖለቲካዊ ቀውሲ ኣብ ምንዋሕ ዕድመ ግበታ ዘለዎ ተራ፡ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን እየ ዝብል፡ ሰልፊ ድማ ነዚ ብምርዳእ ኣብዚ ከይዲዚ ክንዱኡን ዕጽፉን ወሲዱን ይወስድ ምህላዉን ብምዝኽኻር፡ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ድማ በዚ ከም ሓርጭ ኣብ ንፋስ ዝተዘርወ ዝመስል ዝግበር ዘሎ ሃቀነታት ምብታን ሰልፊ ከይተዳህለ ንኩሉ ዝመጽእ ከምዚ ዓይነት ነገራት ድልውነቱ ግረጋግጽ ኣለዎ ኢየ ዝብል፡ ኣብ መወዳእታ ከብርሆ ዝደሊ እንተሎ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብተባዓት ተቓለስቱ ነቲ ናይዞም ኣዕነውቲ ቃልሲ ሕልሚ ብምቕሃምን ዝተለምዎ ትልሚ ኣበርዒንዎ እዩ ዝብል። እዚ ማለት ድማ ሰልፊ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ጹኑዕ መሰረታት ዕላማታት መትካላትን ሒዙ ዝጓዓዝ ክሳብ ዝኾነ ኣንኳይ ዶ ናይዚኦም ሓቐነ ፡ነቲ ዝዓበየ ጸላኢ እውን ውድቡ ካብ ምሕላው ሰለም ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ ፡ስለዚ በዚ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ሰልፊ ዝጸዓድ ኣይኮነን።

እዚ ክብል እንከሉ ግን ብወገኖም እቶም ኣዕነውቲ ጉጅለ መሲልዎም ብፍላይ ኣብገለ ገለ ጨናፍር ሰልፊ ንዘርጊ ፈተነታት ቅድምን ሕጅን ጌይሮም እዮም ፡እንተኾነ ምንም ክበጽሕዎ ዝኽእሉ ነገር ኣይነበረን ኣይክህሉን’ዩ ኸኣ ይብል።

We use cookies to improve our website. More details…