ቃለ መሕትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ክፍሊ ዜና ሰልፊ - 6ይ ክፋል

Print

Eritrean Nahda Party

ሕቶክ / ዜ / ሰልፊ  ኩቡር ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዓብዱራሕማን

ከምቲ ክትገልጸለይ ዝጸናሕካ ሰልፊ ከይተሓለለ ነቲ ጉዳይ ንምእራሙን ነቶም ውልቀ ሰባት ናብ ንቡር ናይ ቃልሲ ቦቶኦም ክምለሱ ምግባሩ ክትዝርዝረለይ ጸኒሕካ እንተኾነ ብዘይ ምዕዋቱ ሰልፊ ንመጣጠን ሱጉምቲ ወሱዱ

01ኢልካኒ እቲ ብወገን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እዞም ውልቀ ሰባት ዝወሰዶ ውሳኔ መዓስን እንታይ ዝብል ውሳኔ’ዩ ኔይሩ? መን እዮም ከ እቶም ውሳኔ ዝተወሰደሎ ?

ኣቦወንበር ሰልፊ፡ ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ክሕብረካ ዝጸናሕኩ እቲ ዝተገብረ ፈተነታትን ሉስሉስ ኣተሓሕዛን ነዚ ህዝብዊ ቃልሲ ኣብ ሓደጋ ከያኣቱን ሓድነት ሰልፊ ንምሕላውን ተቢሂሉ እኳ እንተበረ ብወገኖም ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ዝዓይነቱ ኣካይዳን ንጸላኢ ዕድል ዝህብን ዝሕግዝን ኣካይዳ ካብ ምኻድ ኣይተቖተቡን ስለ ዝኾነ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ርእሲ ሰልፊ ዝተገብረ ጸለመ ኣዕናዊ ስራሓትን ራስያን ንድሕነት ሰልፊ ተባሂሉ ቅድሚ ዝተወሰደ ሱጉምትታት ብዕምቆት ዘትዩን፡ ነቲ ጥሕሰት ዝቐረበሉ ጭብጥትታት ሓደ ብሓደ ምስተራእየ ነቶም ዝጠሓሱ ሕጊ በብደረጃ ጥሕሰት ሕጎም ብምቕማጥ’ዩ ውሳኔ ኣመሓላላፉ።

እቲ ዘሕለፎ ውሳኔ ድማ ብመሰረት ሕጊ ህንጻ ሰልፊ ኣቦ-መንበር ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብድምር ዝገበሮም ጥሕሰታት ሕጊ ኣዕናውቲ ተግባራት ኣብ ሰልፊ ተራእዮም፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናህድ ኤርትራ ብሙሉእ ድምጺ ኣቦ ወንበር ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ሓው ኢንጅ/ኑር ኢድሪስ ካብ መዝነቱ ኣውሪድዎ።

ኣቦ ወንበር ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ነቲ ጥሕሰት ሕጊ ክብደቱ ብምምዛንን ኣዕናዊ ተግባራት ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ብዕምቆት ብምርኣይን ካብዚ ዕለትዚ ካብ ኣባልት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ከም ዝተወገደ፡ ንሰለስተ ኣባላት ማእከላይ መሪሕነት ነበር ሰልፊ ዝምልከት ማለት በቲ ዝገብረዎ ጥሕሰት ሕጊ ብደረጃ ሓላፍነቶም ተራእዩ ካብ መዝነቶም ወሪዶም ኣባልነቶም ኣብ ሰልፊ ክሳብ 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ይድስክል ዝብል ኔይሩ፡

ጉዳይ ኣባል ሰልፊ ግን ኣቶ ሙሳ በሽር ኣብዘይ ምልከቶ፡ ብመሰረት ኣብዚ ዘይሕጋዊ ጉዳይ ብዝገበሮ ኢድ ምትእትታው ካብ ኣባልነቱ ካብ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ክውገድ ተወሲኑ እዩ ዝብል ኔይሩ፣ ብተወሳኺ ድማ ነዚ ብማእከላይ መሪሕነት ዝተዋህበ ውሳኔ … ክሳብ ንጹር መንቀሊ ጉዳዮም ሓቢሮም ንጉባኤ መጺዮም ይቕረታ ሓቲቶም ጸብጻባቶም ዘየቅረቡን ውላእውን ኣብቲ ኣብ ምድላው ዝነበረ 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተዋሃቦም ዕድል ናይ ምስታፍን ኣብ ቕድሚ ኩሉ ኣባል ጸብጻባቶም ከቕርቡ፣ ከምኡ ውን ኣብ ጉባኤ ቀሪቦም ጉዳዮም ከነጽሩ ዘለዎም ዕድል ክሳብ ዘይተጠቀሙ ቀያዲ እዩ ዝብል እዩ ኔይሩ።

We use cookies to improve our website. More details…