ቃለ መሕትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ክፍሊ ዜና ሰልፊ - 5ይ ክፋል

Print

Eritrean Nahda Party

ሕቶክ / ዜ / ሰልፊ 

ኩቡር ኣቦ ወንበር ሰልፊ፡ ነዚ ጉዳይዚ ብወገን ሰልፍን ማእከላይ መሪሕነቱን ከመይ ሪእዎ? ብሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንምፍትሑ እንታይ ዝተወሰደ ሱጉምቲ ኔይሩ?

01

 ኣቦ ወንበር ሰልፊ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ነዚ ጉዳይ ብዕምቆት ክሪኦ እንከሎ እዞም ኣዕነውቲ ነቲ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ክዓጽፍን ንቓልሲ ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ኣወንዚፉ ናይ ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ንቃልሲ ናይ ዕሱብነት ዝቓነኦም ልምድን ባህርን እቲ ስርዓት ዝተቐነተ ከምቶም ገበቲ ኮረሻ ስልጣን ካባና ከይከይድ ዝሕልሞም ኣካይዳ ንኸይድን ንሰልፊ ንድሕሪት ንምጉታት ሰልፊ ዘይቃዶን ምስ ዲሞክራስያዊ ኣምር ዝዛበጥ ዕላማ ዘለዎ ሓላሚ ስልጣን ኣብ መበል ዓሽራይ ዓመት ኣብ ክንዲ ጉባኤ ንዋዕላ ንምምላሱ ሰልፍን ዳግማይ ኮረሻ ስልጣን ንምውጣሕን ዝተበገሰ ዕላማ ዝሓዘ ምዃኑ በሪሁ ጥራይ ዘይኮነስ ማዓረ ማዓሪኡ ናብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብፍላይ ሕብረተሰብ ጀበርቲ ዘቅነዐ ኣዝዩ ሓደገኛ፣ ልዕሊ ሓይሊ ኣዕናዊ ኣጽዋር ሚሳይል ዝግመት ኣታላልን መርዛምን ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተታት ብምንዛሕ ንምቅርሕሓንን ንምብታንን ዝዓለመ፡ ንነብሶም ድማ ከም ፍሉያትን ብሉጻትን መማዝንቲ ዘይብሎም ፍጥረት ጌሮም ብምስራዕ፡ ብጉጉይ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ኣእምሮ ህዝቢ ክስምሙ ብዕቡይ ትዕቢት ክዝቅብብን፡ ኣብ ጸቢብነትን ጥሩፍነትን ዝተሓጸረ፡ በቲ ካብ ቃላት ዘይዘልልን መሰረት ዘይብሉ ጓንጋ፡ ክውንነቶም ሓቅነትን ዘይብሉን ትርጉም ኣልቦ ፍልስፍና ጭርሖ ንሕና ኢና ንመራሒኩም ብምባል ከበሮ ሓምሓም ክዘብጥ ብምዕላም። ሰልፊ ንኸይሰርሕ ንቅልኡ ንምዕጋት ብሓደነት ሰልፊ እንዳመኽነኻ ከም ሜላ ዝተሃንደሱ ክሳብ ሎሚ ከም ጸማም ሓንቲ ደርፊ ኣብኡ ደሪቖም ይርከቡ።

እዚ ሜላ’ዚ ከም መዐፈኒ ንቓልሲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ኮይኑ ለውጢ ወይ ቅያር ዘየፍቅድ ተሸይሙ ዘልኣለም ክኹየጥ ንምስራሕውን’ዩ ኔይሩ እቲ ጅማረ ስነ-ሓሶም።ብወገን ሰልፍን መሪሕነቱን ነዚ ንምእላዩ ድማ

1) ብወገን ሰልፊ ኣብቲ መጀመሪያ ካብ መጋረጃ ወጺዮም መዘክር ምስ ኣቕረቡ ፡ ነቲ መላዓሊ ጉዳይ ንምንጻር ንምእላዩን ብወገን ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ወዓል ሕደር ኣይበለን፡ ብፍላይ ነቲ ናይቲ እዋንቲ ርእሲ ኩናት ዝነበረ ኣቦ ወንበር ማእከላይ መሪሕነት ነበር ብብዙሓት ኣካላት ብውልቂን ብውድብን ረኺቡ ነቲ ሕቶታት ከነጽር ነቲ መንቀሊኡ ክርዳእን ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ክቐርብን ክራኽብን ፍቓደኛ ኣይኮነን፡ ብዙሕ ግዜ ብኣኬባን ተፈቲኑ ኣይሰለጠን ናብዚ ግን እቲ ፈኸራ ናይ ግዜ ገደብ ቀጻሊ እዩ ኔይሩ።

2) ብወገን እቶም ኣብቲ በተሽን ዘለዉ ባእታታት ነቲ ጉዳይ ገየግፍሕዎ እንከለዉ ናብ ማእከላይ መሪሕነት ቀሪቦም ክዛራረቡ ኣብ ዝተገብረ ቀጻሊ ፈተነ፡ ካብቶም ዓንቀፍቲ ንቓልሲ ንውክሎም ኢና ብማለት ምስ ማእከላይ መሪሕነት ኣብ ኣኬባ ተረኺቦም፡ ኣንደገና ነቲ መዘክር ክደግሙ እኳ እንተፈተኑ ማእከላይ መሪሕነት ግን ንሰናይ ሓድነታዊ ድልየትን እቲ ጉዳይ ንደገ ክወጽእ የብሉን ብዝብል ሕቶታቶም ከነጽሩ ኣብ ምንታይ ከምዝርከብ እቲ ጎዲልና ዝብልዎ፡ ግን ካብ ሕጊ ከይወጻእካ ክግበር ከምዘልዎ ብምርድዳእ፡ ንሱም ማለት መሓመድ ሲዒድ ጣህርዓብዱረሺድን፣ ኣንዋር ኢብራሂምን ከም ወከልቲ ነቲ ጉዳዮም እተጽንዕ ሽማግለ መሓመድ ሲዒድ ጣህር ዝርከቦም 5 ዝኣባላት ሽማግለ ነቲ ጉዳይ ኣጽኒዓ ናብ ማእከላይ መሪሕነት ከተቕርብን ቡኡ ድማ መፍትሒ ክንኣቱ ተባሂሉ መብሩክ ተባሂሉ ምስ ወጹኡ እቲ ዘስደምም ድሕሪ ገለ መዓልታት ነቲ ጉዳይ ንሕና ኣይተቐበልናዮን ብምባል ቃሎም ዓጺፎም፡

3) እቲ ዘገርም እዚ ኩሉ እንዳኾነ ብወገኖም ኣብ ጎደናታትን ኣብ መሰረታትን ሰልፊ ወሪዶም ጎስጓስ ናይ ዕንወቶም ጀሚሮሞ እዮም፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ሕጂ እውን ኣይፋልኩምን እዚ ንዕንወት ንህንጸት ውድብ ኣይጠቅምን ብምባል ጉዳይ ሰልፊ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ጥራይ እዩ ዝርከብ መፍቲሒ ዝብል ዝነበረ፡ ኣብዚ ኩነታትዚ ድማ እዩ ኣቦ ወንበር ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ነበር ኑር እድሪስ ንሃገረ ኢትዮጵያ ብምምጻእ ኣቐዲሙ ብቐጥታ ንከተማ ሽሬ ከይዱ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ስደተኛታት ምስ 12 ስደተኛታት ብምርካብ ኣነ እየ ኣቦ ወንበር ውድብ ካልእ ማንም የለን ብምባል እቲ ሕልሙ ገሊጽሎም፡ ካብቲ መዘከር ወጻኢ ንሰልፊ ንማእከላይ መሪሕነቱን ንዕላማታት ውዳብን ከጽልም ምስ ሰምዕዎ ዓገብ ብምባል ናብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ደዊሎም ሓበሬታ ሂብናዮም፣

ቀጺሉ ምስ ገለ ውድባት ተራኺቡ ከም ኣብነት ገለ መራሕቲ ውድባት፡ እቲ ዝኾዶ ዘሎ ኣካይዳ ዘይቅኑዕ ሙዃኑን ካልኣውን ምምሕዳራውን ጉዳያት ኣብ ውሽጢ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ጥራይ ከምዝፍታሕ ምስ ሓበርዎ፡ንመንግስቲ እውን ብወኪሎም ዝፈተኖ ርክብ ኣይሰለጦን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ምስ ወለንተኛ ንሽምግልና ዝኾነ ውልቀ ሰብ ተራኺቡ፡ ንሱ እውን ብወገኑ ምስ ሰልፊን ኣቦ ወንበርን ተራኺብካ ተዘራረብ ምስ በልዎ ኩሉ ከምዘይከውን ተረዲኡ ምሳይ ሳልሳይ ወገን ዘለዎ ተራኺቡ፡ ኣብቲ ርክብ እውን ዝበዝሕ ቃልቱ ጥሙሕ ናይ ውልቁ እምበር ንህዝቢ ዝሓሊ ኣይነበረን ፡ብወገና ግን ሕጂ ውድባዊ መፍትሒ ክንገብረልካ ምስ ውድብ ተራኺብካ ተዘራረብ’ዩ እኔሩ እቲ ሕመረት ናይቲ ርክብ፡

4) ቀጺሉ እውን ዝተፈተነ ሽምግልና ኔይሩ በዚ ኣጋጣሚ ምስጋናይ ዘቕርበሎም ሽማግለታት ኣቦታት ካብ ርያድ ነዚ መቐጸልታ ሽምግልና ዝነብረ፡ ንዑኡ ምስ ውድብ ክሽምግልዎ ዘቕረብዎ ሕቶ ኔይሩ እንተኾነ ግን እቲ መዘከር ናይ ኣቡ ኣድሪስ ብወገኖም ተደጊሙ ምምጹኡ ጥራይ ከይኣክል፡ ንዘተ ዕድል ዘይምንባሩን ንውሳኔታቶም ዝጽበ ኣካል ምህላው ብምሕባር ናይ ግዜ ገደብ ተወሳኺ ናቶም ምግባሮም ነቲ ሽምግልና ከዕውቶ ኣይካለን። 

5) ማዕዳታት ናብ ኣቦ ወንበር ማእከላይ መሪሕነት ነበር ብውልቀን ብውድባትን ከምዝተዋህቦም፡ ነቶም ሰዓብቱ እውን ብወገን ውሽጣዊ ሰልፊ ጉዳዮም ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ኣቕሪቦም ክዝትዩ ተማዒዶም፡ ማእከላይ መሪሕነት ብወረቐትን ብቅሉዕ ጻዊዒት ገይሩሎም ከይተሓለለ፡ ድሕሪዚ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ሽማግለ ኣውጺኡ ኣዘራሪብዎም ንሶም ብዝኸድዎ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ሽማግለታት ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ፡ ዓበይቲ ዓዲ ጀበርቲ ብወገኖም ዝተላእኩ ሽማግለ ቀሪቡ ኣዘራሪቡ ሽማግለታት እውን ተቀቢሉ ካብ ሱዑድያ ተደጋገምቲ ፈተነታት ጌይሩ’ዩ ማ/መ/ሰ/ ነዚ ጉዳይዚ ንምእላይ እኹል ፈተነ ጌይሩ’የ ዝብል።

ብሓፈሻ ክሪኦ እንከለኹ ሰልፊ ንምእላዩ ኣይተሓለለን ተደጋጋሚ ፈተነታት ናብ ልቦም ክምለሱን ሕቶ ውድብ ክምልሱ ኩሉ ዝካኢሎም ንኩሉ ጻዊዒትን ለበዋን ሕውነታዊ ሉስሉስ ኣተሓሕዛን ንምግታእ ነዚ ኣዕናዊ ተግባርዚ ንዝተገበረሉ ኩሉ ዓይነት ኣተሓሕዛ ፡ ሕቶታትን ፈተነታትን ናብ ልቦም ንምምላስን ብዘይካ ብመንጎኛታትን ሽማግለታትን ፡ ታሪኽ ቃልሶም ክብሮም ብዘይትንክፍ ዝተኸዱ ኩሉ ዲስፕሊናዊ መንገድን ኣይሰለጠንን፡ ኣብ መወዳእታ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንድሕነትን ሓድነትን ሰልፍን ህዝብን ጀበርትን ኢሉ ተመጣጣኒ ዝሱጉምቲ ብውድባዊ ውሳኔ ኣብ ርእሲ እዞም ኣዕነውቲ ቃልሲ ወሲድሎም።

We use cookies to improve our website. More details…