ቃለ መሕትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ክፍሊ ዜና ሰልፊ - ራባዓይ ክፋል

Print

Eritrean Nahda Party

ሕቶክ / ዜ / ሰልፊ

ኣቦወንበር ሰልፊ፡ መበገሲ ናቱ ቅድሚ ምእታውና ዝነበረ ኩነታት ሰልፊ ካብ ደላይ ፍትሕን ኣሕዋትን ዝሕባእ ነገር የብሉን፡

ድምር ናይቲ ዝነበረ ኣካይዳ ኣብ ካላኣይ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ፖለቲካውን ምምሕዳራውን ውሳኔ ብምግባር ለውጢ ክግበር ኣለዎ ተባሂሉ፡

01

ነዚ ለውጢዚ ንምትግባር ድማ ከቢድ ጻዕርን ግዜን ብምሃብ ሰልፍና ንቕድሚት ክግስግሰሉ ዝኽእል መደባት ብምሕንጻጽ ጉባኤ ተዛዚሙ እዚ ጉባኤዚ ብዓወት ደኣ ይዛዘም እምበር፡ ገለ ሸነኻት ውሽጣዊ ጥሙሕ ወይ ሰናይ ድልየት ዘይነበሮም፡ ዕግበት ናይ ግስጋሴን ለውጥን ዘይእንታዮም ኣብ ውሽጦም ናይ ተሳዓርነትን ተምበርካኽነትን መንፈሰ ሒዞም ዝወጹ ምንባሮም’ዩ ዝራኣየኒ፡ እቲ ካልእ ጉዳይ ድማ ኣብ ምዝዛም ዑዉት 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ጉዳይ ጅናሕ (መንገብገብ) ሰልፊ ዝኾነ ከቢረ ፋውንደሽን ብሰንኪ ሕጽረት ግዜ ዝብል ምስምስ ኣቦ ወንበሩ ዝነብረ ሙሳ በሽር ጸብጻባቱ ውሳኔታቱን ከየተግበረ ቅድሚ ምዝዛም ጉባኤ ናብ ዝመጻሉ ቦታ ምምላሱ ውሲኽካ ነዚ ሕጂ ተቕርበለይ ዘልካ ሕቶ መንቀሊ ብዕላማ ሒዝዎ ምጽንሑን ንዝኾረዮ ኣብ ምድላይ ምንባሩ እዩ ዝርዳኣኒ፡

ብመሰረት እቲ ውሳኔታት ድሕሪ ካላኣይ ጉባኤ ዝተቀበለ መሪሕነት ኣበየናይ ጽላት እዩ ለውጢ ከምጽእ ዘለዎ፡ ኣብ ዝብል ዝገበሮ መጽናዕቲ ከም ቀዳምነት ዝተወሰደ ኣብ ፖለቲካውን ውደባውን ኩነታት ሰልፊ ዘተኮረ ስራሓት ንክጅመር ዝመሓየሽ ወይ ዝዕረ ሰነድ ራእያ ንምንጻርን ነዚ ድማ ብዝተካእለ ከኺይድና ይክእል እዩ ንመጻኢ ዝዕመሙ መደባት ስራሓት ሕጋጋትን ከስምር ይኽእል እዩ ዝበሎ ሰነዳት ብምግባር ስርሑ ፈሊምዎ ፡ኣብ ንቕሎ ናይዚ መሪሕነት ግን ንምዕንቃፉ በዞም ደሓር ሕቶ ዝመስል ውድብ ይፍረስ ዝበሉ ኣካላት ኣብ ርእሲ ሰልፍን መሪሕነቱን ኩሉ ዓይነት ዕንቅፋት ካብ ምግባር ኣይተቖተቡን፡ ናይዚ መራኣያ ድማ ቅድሚ ሙሳ ካብ ጨንፈር ዓድ እንግሊዝ ካብ ኣባልነቱ ምስሓቡ ኣብ ሱዕዲ ዓረብያ ንጥፈታት ሰልፊ ደው ንክብል ኩሉ ዝካሎም እንዳ ሰርሑ፡

ተወሳኪ ድማ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ ንሱን ኑር እድሪስን ጥራይ ዝፈልጥዎ ቢኢ-መይል መጺዩና ዝብሉ ንሰልፊ ምፍርራሕ (ሓድሽ ውድብ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ) ዝብል ክንእውጅ ኢና ዝብል እውን ቢዱ ዝተጻሕፈ ምንባሩ ዲሒሩ ብመጽናዕቲ ዝረከብናዮ ምስጢር ናይ ኑር እድሪስን ናይ ሙሳ በሽርን ሙዃኑ ዝተበጽሓ ጉዳያት ብወገኖም ዝነብረ ናይ ተሳዓርነት መንፈስ ኣጓሊሑ እዩ ዘርእየካ ፡ምኽኒያቱ ጉዕዞ ሰልፊ ንምስባር ኣቐዲሞም ዝተለምዎ ምንባሩ ዝገልጾ፡ ስለዝኾነ ድማ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ናይ ጸላኢ ስልዃ ከይከውን መጽናዕቲ ክገብር ኣብ ዝተበገሰሉ በዞም ሰባት እዚኦም እቲ ጉዳይ ጠጠው ከምዝብል ተገይሩ እዚ ናቶም ጉድ ንኸይወጽእ ጥራይ ምንባሩ እዩ ዝበርሃልካ፡ ኣብዚ ቅድመ መንቀሊ ኣዚ ጉዳይዚ ዝዛረቦ ዘለኹ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝርከቡሉ ቦታታት ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ጽንኩር ከም ዓረ ዝኾነ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሕላገቱ ዕላማ ንምቑጻይን ንምስባርን ሰልፍና ንምብትታንን ዝግስግስ ጸላኢ ከምዘሎን ረሲዐ ዘይኮንኩስ እቲ ጸላኢ ግን ኣብ ውሽጥና እውን ምፍታሽ ግዴታናን ከምዘይደቀስናሉን ከብርህ ስለዝደለኹ እየ።

መረጋገጺ ወይ ድማ መርኣያ ናይዚ ድማ ኣብቲ ቐዲመ ክገልጾ ዝጸናሕኩ ክትንትኖ እከለኹ፡ ካብ ውሽጢ ሰልፊ ኣባላትና ኢና ባሃልቲ ናብ ኣቦ ወንበር ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ዝተላእከ ኢመይል (ኣብ ናይ ሰልፊ ኢመይል) መንነቶም ክሕብሩ ፍቕደኛታት ዘይኮኑን ካበየናይ ጨንፈር ከምዝተበገሱን ዘይተፈልጡ ውልቀ ሰባት ካብቲ ዝላኣኽዎ ናይ ጹሑፍ ኢመይል፡ ሰልፊ ደስኪሉ ኣብስራሕ የለን ዝብል እንተዘይኮይኑ ጉድለታት ሰልፊ ብዘየነጽር ምኽኒያት ሓድሽ ሰልፊ ንምምስራት ክንእውጅ እና ዝብልን ሰም ሰልፊ ድማ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተጠቀመ ምኻኑ፡ ዝተባህለ ውሳኔ ክሳብ ሓደ ወርሒ ለውጥታት እንተዘይገርኩም ዝተባህለ ስም ከም ዝዝርጋሕ ተቀርቡሉ ዝብል መልእኽቲ ኣለዋ ነቲ ቀዳማይ ዝገለጽክዎ ኮይኑ።

እዚ ድማ ብመልክዕ ሓልዮት ንህዚቢ ጀበርቲ ተባሂሉ ይግበር ምህላዉ ቅርሲ ህዝቢ ጀበርቲ ዝኾነ ሰልፊ ከይጠፍእ፤ ዝብል ዘይንጹር ሓበሬታ ዘለዎ መልእኽቲ ምስ ተቐበለ ብስሩዕ ኣገባብ ብመሰረት ሕቶኦም ናብ ኣቦ ወንበር ፈጻምን ናብ ኣባላት ፈጻሚ ኣባላት ማእከልይ መሪሕነት ድሕሪ ምብጻሓ። ብኣካል ቀሪቦም ንምዝታይን እቲ ኣሎ ዝብሃል ዘሎ ጉድለታት ንምእራም ዘተ ንምክያድ ብተደጋጋሚ በቲ ዝላኣኽዎ ኢመይል ዝተገበረሎም ዕድመ ምእባዮምን ተኸቲሉ፡ ኣብ ዝነበሩ ኣኬባታት ማእከላይ መሪሕነት ነዚ ጉዳይዚ ከም ኣጀንዳ ተላዒሉ ኣብቲ ኣኬባ ልዕሊ ክልተ ግዜ ተዘትይሉን ቡኡ ኣቢሉ ድማ ዝሃጠመን ምንባሩ ይዝከረኒ፡ እዚ ግን ብውድብ ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ ናይ ውልቀሰብ ምንባሩ ከምዝተነጸረ እዩ ዝረጋግጽ፡ ካብዚ ቀጺሉ ድማ እቲ ሕጂ ንስኻ ትሓቶ ዘልኻ እዩ፡ ንሱ እውን ካብዚ ሕሉፍ ኣቐዲሙ ዝኸደ ዝፍለ ነገር እንተ ኣሊዎ እቶም መፍረስቲ ወይ ከንፍርስ ንሰልፊ ዝብሉ ብስሞም ምጽሓፎም ጥራይ እዩ እቲ ፍሉይነት ዝርዳኣኒ፡ ብተደጋጋሚ ብቓለ መሕትት፡ ብመግለጺታትን ብመርገጺታትን ሰልፊ ገሊጽናዮ እኳ እንተለና እቲ መንቀሊኡ እዚ ክትብሎ ወላ ንዓይ ክሳብ ሕጂ ክበርሃለይ ዘይካኣለ ነገር እዩ።

ብሓፈሻ ግን ንሕጊ ዝጣሓሱ በቲ ሳልሳይ ሱሩዕ ኣኬባ ሰልፊ ዝሃቦ ውሳኔ፡ ካብ ተሓታትነት ናይ ንብረትን ጸብጻባትን ሰልፊ ንኸምልጡ ኣይትተንክፉና፡ ብምባል እዩ እቲ ኣውያት ዝተጅመረ፡ ልዕሊ ሕጊ ይኹኑ ግደፍዎም ጥራይ እዩ ዘስምዕ እቲ ቃና ቃላቶም፡ ብሕጊ ኣይቕየድን ንውሳኔታት ውድብ ኣይንቕበልን እቲ መንቀሊኦም ፡ከምዚ ዝበለ ድማ ብሕግን ብስርዓትን እምበር ኣገዲድካ ተቀበል ኣይንብል ፡ምክኒያቱ ንሕና ንዲሞክራስን ፍትሕን ብተግባር ንቃለስ ዘለና ክሳብ ዝኾና ብግዴታ ዘይኮነ ብጭብጥን ብተግባርን ጥራይ ኢና ከነእምን ንጽዕት፡ ስለዚ ነዞም ሰባት ኩሉ ዓይነት ፈተናታት ንልዕሊ ሓደ ዓመት ነቲ ጉዳዮም ከብርሁን ኣብ ውድብ ቀሪቦም ክዛተዩን፡ ጉድለታቶም ኣሚኖም ጸብጻባቶም ከቕርቡን ኢና ብምቑሉል ኣተሓሕዛ ከድናዮ።

ግብረ መልሱ ግን ኣይተዓወተን ኢልና ትም ኣይበልናን ክምለሱን ክቃልሱን ክእረሙን ኢና ሰሪሕና፡ ቃልሲ ኣወንዚፍካ ነዚ ከምዚ ሕጊ ዝሰገረ ክተጓሲ ስለዘይትከርም ክንኒየው 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ሕጋዊ ሱጉምቲ ወሲድና መዕለቢ ጌርናሉ’የ ዝብል ፡ ኣብዚ ክበርህ ዘልዎ እዞም ውልቀ ሰባት ኣዚኦም፦ብቀዳምነት ስሪዒኣታዊ ዘይተኸተለ ቅድምከ ኩነት ምቕማጦም ንሱ ድማ ትማሊ ጸገም ነይርና ዘይበሉ ሰማዒ ሲኢና ዘይተባህለሉ ጉዳይ ዘሊልካ ቢኢድ ዝተጻሕፈ መዘክር 5 ሰባት ዝፈረሙሉ ንሰልፊ ሊኢኾም እቲ ጹሑፍ ናብ ኣቦ ወንበር ማእከላይ መሪሕነት ነበር ዝብል ክነሱ ኣቦ ወንበር ማእከላይ መሪሕነት ሚንድምኖም ሓደ ፈራሚ እዩ ኔይሩ፡ ኣብዚ ንባዕልኻ እትውንኖ ወይ እትመርሖ ውድብ ምስ ጉጅለ ኮይንካ ዘይንጹር ሕቶ ከተቅርብ ኣይኮነን ፡ብጉጅለ ዝሕተተሉ ሕጋዊ መስርሕ ከምዘየለ እንዳነጸርካ ከመይ ኢልካ ኢኻ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ንነብስኻ ትሓትት?

ካቡኡ ቀጺሉ እውን እቲ መዘክር ዝብሎ፡ ውሳኔታ ሳልሳይ ሱሩዕ ኣኬባ ውድብ ብሙሉኡ ውዱቕ ክኸውን፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ብሙሉኡ ነብሱ ከደስክል ፡ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ከምቲ ቕድሚ ሳልሳይ ሱሩዕ ኣኬባ ዝነበሮ ክቕጽል ዝብል ኔሩ፡ እዚ ባዕሉ ዘይንጹር ጥራይ ዘይኮነስ ዘስደምም ኣጸሓሕፋ’ዩ፡ ንሰልፊ ካብ ቃልሲ ንምርሓቕን ዝዓለመ ኣጸሓሕፋ ድማ እየ ዝብሎ፡ ሱሩዕ ኣኬባ ናይ ውድብ ሕጋዊ ኣኬባ ምዃኑን ነቲ ዝባሃል ዘሎ ስሩዕ ኣኬባ ብኣቦ ወንበር ማእከላይ መሪሕነት ነበር ዝተዳለወን ዝተባረኸን ምንባሩ ብሰነዳት ዝተሕዘ እዩ ፡ኣብዚ ንቲ ኣኬባን ውሳኔታት ውድቕ ክገብ ዝክእል የለን፡ ምናልባት ዘይተጣዓዓሞ ውሳኔ ዳግማይ ርእቶ ክሓተሉ እንዳኻኣለ ነታ ዘይተሳማማዓቶ ውሳኔ ክብል ምሉእ ኣኼባ ክስርዝ ማለት ክሳብ ክንደይ ጥሕሰት ሕጊ ንምፍጻም’ዩ ዝህንድስ ዘሎ እከላይ ሽማግለ ምድስካል በየናይ ሕጋዊ ስልጣን’ዩ፡ ነዚ ሕዚናዮ ዘለና ቃልሲ ንምንእኣስ ዲዩ ወይስ ንጉባኤ ንምፍራስ ?

ብካልእ ሸነኹ ድማ እቲ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝብሎኸ ብዘይ ማእከላይ መሪሕነት ዲዩ ክቕጽል ?

ዘገርም ሓጋውነት ስሪዕትን ዲስፕሊንን ዘይብሉ መዘከር ኣብቲ መዘክር ሰልፊ ዝሃቦካ ሓላፍነት ብኢደ ዋኒንካ ኣከለ ኣብ ክንዳይ ኮናካ ነቲ ማእከላይ ሽማግለ ምርሓዮ ምባል ኣፍልጦ ሕጊ ሕንጻ ሰልፊ ድዩ ሓጺርካስ ወይስ እቲ ቦታ ተሓዚኢልካ ክጸንሕ ስለ ዝሓለምካ ኢካ?

እቲ ዝገርም ድማ ኣብቲ ዝቐረበ መዘክር ሰልፊ ካብ ቃልሲ ንሓደ ዓመት ደው ክብል ምእዋጆም ፡ህዝባዊ ክትከውን ወይ ልዕሊ ጀበርታዊነት ይስማዓኒ እዩ እንዳበልካስ ነቲ ንህዝቢ ጀበርቲ ዘጽንት ሰሎ ስርዓት ሎሚ ቅድሚ ጽባሕ ተጥፋኣዮ ኣብ ክንዲ ምባልሲ ንሓደ ዓመት ሰልፊ ካብ ቃልሲ ደው ይበል ምእዋጅ እንታይ እዩ ቅንቅኑኡ?

እቲ መዘከር ዝምስክሮ ጸብጻብ ኣቕርቡ ከይትብሉና ዝመስል ኣጸሓሕፋ ድማ እቲ መስርሕ ቃልሲ ሰልፊ ኣንፈቱ ይቀይር ንሕና ኦዲት ዝገብሩ ክንስይመልኩም ኢና ጸብጻባት ገንዘብን ሰነድን ሰልፊ ንሶም ይርእዎ ፡እዚ ድማ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ሚንድምኖም ሙሳ በሽር ኢና ንህበኩም ዘለና ፡ ማለትከ እንታይ ክግበር ስለዝሓለሙ ገንዝብ ህዝቢ ክጥፍእ ድዩ ?ተሓታታይ እንከሎ፡
ተወሳኺ ናይቲ ዝቀረበ መዘከር ድማ ብክልተ ሸነኽ ሽማግለ ኣውጺኣና ዋዕላ ክንኣቱ ዝብል ኔይርዎ፡ እቶም ክልተ ሸነኽ ዝተባህሉ ውድብን 4 ሰባትን ዲዮም ወላ እንታይ? ብዋዕላ ውድብ ንክምቀል ዲዩ ሓሳቦም? እምበር 4 ሰባት ምስ ውድብ ዋዕላ ክእውጁ ንሰልፊ ዘገረመ ነገር’ዩ ኔይሩ ?ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ፈታውን ሓላይን ኣብቲ ሓፈሻዊ ትሕዝቶኦምን ኣብዚ ጉዳዚኡ ድማ ብፍላይ እንታይ ከምዝበሎም ይተሓተቱ ባዕሎም?
ናይ ዕለት ገደብ ብምግባር ብምፍርራሕ ድማ ኣብቲ መዘከር ዝተጠቕሰ ነገር’ዩ ኔይሩ፡ እዚ እንተዘይ ተማሊኡ ሰልፊ ናብ ክልተ ከም ዝፍንጨል ከምዝእውጁ ጥራሕ ኣዮም ገሊጾም ። እቲ ዘአገርም እዚ ኩነታት እዚ ንሰልፊ ሓድሽ ተርእዮ ደኣ ይኹን እምበር ብወገኖም ብመጽናዕትን ብመደብን ውድብ ካብ ቃልሱ ክዕንቀፍን ንምፍራስን ዝተለምዎ ምንባሮም ትንታነ ዘድልዮ ኣይነበረን።

ብሓፈሻ ግን እቲ መንቀሊ ጉዳይ ክሪኦ እንከለኹ እዚ ሕቶታት ዘይንጹር ደኣ ይኹን እምበር ውሽጣዊ ኩነታቶም ንናይ ደገ ሓይሊ መሳርሒ ብምዃንን ፡ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን ፡ ንውዳባዊ ሕጊ ዘይምምእዛዝን ንውስኔታት ውድብ ዘይምቕያድን ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ውድባዊ ዕላማን ራእያን ንላዕሊ ናይ ውልቂ ዝናን ናይ ውልቃዊ ጥምሑን ምቕዳም ምንባሩ ጥራይ እዩ ዝርዳኣኒ ሰልፊ እውን በዚ እዩ ገምጊምዎ።

We use cookies to improve our website. More details…