ቃለ መሕትት ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ምስ ክፍሊ ዜና ሰልፊ - ቀዳማይ ክፋል

Print

Eritrean Nahda Partyኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ደምበ ተቓውሞን ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዘተኮረ ቃለ መሕትት ምስ ኣቦ-ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ የካቲት 2017

ብቀዳምነት ብስም ክፍሊ ዜና ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ቃለ መሕትት ክትገብር ፍቓደኛ ዝኾንካ ብስመይን ብስም ክፍሊ ዜና ሰልፊ ምስጋናይ የቅርበልካ፡ እሞ ናብቲ ሕቶታትይ ካኣቱ፡

ሕቶክ / ዜ / ሰልፊ

01

ዝበርካ ሓው ኣቦ ወንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ከምዝፍለጥ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰትን ምብትታንን ንምድሓኑ ኣብ ጹዑቕ ናይ ቃልሲ መድረኽ ይርከብ ምህላዉ ዝፍለጥ፡ ኣብዚ ኩኑታት ኣብ ህሉው ናይ ህዝብን ሃገርን ከሙኡ እውን እቲ ዘሎ ግበታዊ ስርዓት ኣብ ከመይ ኩነታት ይርከብ ?

ኣቦወንበር ሰልፊ፡ የቀንየለይ ነቲ ሃብኩምኒ ዕድል፡ ብቐዳምነት ህዝብና ካብ ሕሱም ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእን ሰናይ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ንምውሓስን ን30 ዓመታት ዝኣክል መሪር ቃልስታት ኣካይዱን ረዚን መስዋእትነት ከፊሉን ግምጃ ነጻነቱ ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኤርትራ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ዝረኸበት ልዕላዊት
ሃገር ክትኸውን በቕዐት። ነጻነት ብቀንዱ ብውጽኢት ኩሉ-መዳያዊ ክቡር መስዋእትን ወሳኒ ተራን ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ ኩሎም እቶም ነዚ ቅዱስ ሽቶ’ዚ ንምዕዋት ዝተቓለሱ ውድባት እንተላይ እቲ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝርከብ ዘሎ ዓማጺ ሰልፊ ህግደፍ ዘይትካእ ባዕላዊ ግደ ከም ዝነበሮም ዘይከሓድ ሓቂ’ዩ። ድሕሪዚ እዚ ሓቅታትዚ ግን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከቢድ ናይ ባርነት ቀንበር ተቀይዳ ምህላዋ እዩ ዝርዳኣኒ፡ ካብዚ ተበጊሰ ድማ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ክግምግም እንከለኹ፡

ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ክኒሪኦ ኣንከለና

ኣብ ኤርትራ ብድሕሪ ነጻነት ምርግጋጹ፡ እቲ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኩሉ-መዳያዊ ትጽቢታት ህዝብናን ሓድሽ ርእይቶ ዓለምን ክጠዓዓም ኣይኸኣለን። ኣብ ጽባሕ ነጻነት ነቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝነበረ ቅርሕንትታት ብምውጋድ፡ ሃገራዊ ስኒት ዘረጋግጽ ኮንፈረንስ ብምክያድ፡ ንመላእ ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ኣገደስቲ ሃገራውያን ባእታታትን ዝሓቁፍ ምምስራት ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ብሰንጠቕ ተጻረረ፡፡ ብቅዋማዊ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ከይህነጽ ብምኩላፉ ድማ ኤርትራ ኣብ እንኮ ሰልፊ ህግደፍን እሙናት መጋበርያታቱን ጥራይ ወደቐት። ካብኡ ዝኸፍአ ከኣ ኤርትራ ብቅዋምን ልዕልነት ሕግን ክትመሓደር ብዘይምኽኣላ፡ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ተሓሪማ፡ ክሳብ’ውን ንመጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናብ ከቢድ ሓደጋ ዘውድቑ፡ ከም ምምንጣልን ምንፋግን እንታይነት ሕብረተሰባት (ከም ናይ ህዝቢ ጀበርቲ) ፡ ባህላዊ ህንደሳ ፡ ብኹምራ ቛንቛታት ብምቕማጥ ብሄራት ኤርትራ ምስማይ ፡ ካለኦት ተመሳሰልቲ ኣዋጃት ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ኣብ ትሕቲ ውሑዳት ጉጅለ ወይ ውልቐ መላኺ ተደረቱ፡ ምስ ኩሎም ጉረባብቲ ሃገራት ብብእብረ ኢደ-ወነናዊ ኣዕናዊ ውግኣት’ውን ተካይዱ’ዩ።

ቅዋምን ልዕልነት ሕግን ኣብ ዝተሓረመት ሃገር ከኣ ኩሉ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ክኽበር ፍጹም ትጽቢት ዝግበር ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ኣብ ትሕቲ ባርነታዊ መግዛእቲ ደቂ-ሃገር ብምውዳቑ ኩሎም እቶም ብኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን ዝተዋሕሱ ኣድማሳዊ ፖሎቲካዊ መሰላቱ ተገፊፉ ይርከብ። ኣብ ኤርትራ ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ካብ ናብ ምንቅስቓስ፡ መሰል ኣምልኾ፡ ነጻነት ፕሬስ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ምግባርን ስራሕ ደው ምባልን ዝኣመሰሉ መባእታዊ መሰላት ፍጹም ዝተነፍጉ’ዮም። ብቀንዱ ከኣ ልዕልነት ሕግን ፍትሕን ብሰንኪ ምብኳሩ፡ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት፡ ኣባላት ፖሎቲካዊ ውድባት፡ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ፡ ጋዜጠኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ተኸተልቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነታት፡ ዓበይቲ ዓዲ... ወዘተ፡ ንዓመታት ብዘይፍርዲ ዝተሰወሩን ዝተኣስሩን ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልዩ ከኣ ከም ሰባት ንቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስኢኖም’ዮም።ብተወሳኺ ድማ ፦

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብብሄራዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ብዙሕነትን ግርማን ትልለ፡ ብሕድሕድ ሓልዮትን ምክብባርን ህዝባ ዝማዕረገት ሃገር’ያ። ይኹን ደኣንበር መሰልን ማዕርነትን ናይዚ ጸጋታት’ዚ ዝኽበረሉ ኩነታት የልቦን። ኣብ ትሕቲ’ዚ ገባቲ ስርዓት’ዚ ዜጋታት ብብሄራዊ መንነቶም ይኹን ብሃይማኖታዊ እምነታቶም ዝሽቁረሩሉን ዝግፍዑሉን ሃዋሁ ነጊሱ ኣሎ። ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብብሄራዊ መንነት ምኩራዕ ወይ ብሃይማኖታዊ እምነት ምሕባን ንሃገራዊ ሓድነት ኣዝዩ ሓደገኛ ተርእዮ’ዩ ብዝብል ኣመለካክታ ብግብሪ ኣንጻሩ ሓያል መኸተ ዘካይድ ስርዓት’ዩ።በዚ ድማ ዕድመ ፖሎቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ከኣ (ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ) ኣብ ትሕቲ ዝብል መደናገሪ ቴማ ተሓቢኡ፡ ሓድነት ህዝቢ ንምዝራግ ብዘይዕረፍቲ ሰሪሑን ይሰርሕ ኣሎን። ሓደ ብሄር ወይ ሃይማኖት ሓላዪ ሃገር፡ እቲ ካልእ ከኣ ከም መሳርሒ ግዳም ብምቁጻር፡ ህዝብና ብመንነቱ ከይኮርዕ፡ እምነታቱ ከየክብር፡ ሕድሕዱ ተፋቒሩን ተሓላልዩን ከይነብር ክገብር ጸኒሑን ኣሎን። ብሓጺሩ ኤርትራ ንዜጋታት ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ኣላ ብምባል ክድምደም ይኽእል።

ኣብ ኢኮኖያዊ መዳይ እተኾነ እውን

ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓትን ሰናይ ምሕደራን ዝበኾረሉ ኩነታት ክሳብ ዘሎ፡ ንረብሓ ህዝቢ ዘረጋግጽ ቅኑዕ ቁጠባዊ ፖሊስታት ክህሉ ትጽቢት ክግበር ዝኸኣል ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ህዝባዊ ልምዓትን ዕብየትን ምርግጋጽ፡ መንግስታዊ ርእሰ ማል ምግባትን ምዕባይን ብዝብል ኣዕናዊ ፖሊሲ፡ መላእ ቁጠባዊ ምንጭታት፡ ጸጋታት ሃገር፡ ኩሉ መዳያዊ ወፍርታትን ዕዳጋታትን ኣብ ትሕቲ ውሑዳት ጉጅለ ሰልፊ ህግደፍን መሻርኽቶምን ተገቢቱ’ዩ ዝርከብ። ስርዓት ህግደፍ ፖሎቲካዊ ስልጣን ካብ ዝጨበጠሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከም መንግስቲ ንህዝቢ ግልጺ ዝኾነ ንጹር ዓመታዊ ባጀትን ኣወጻጽእኡን ዝምልከት ፖሊሲ የብሉን። ስለዝኾነ ብዝተፈላለየ መልክዕ ካብ ህዝቢ ዝርከብን ብሓገዝ ዝኣቱን ቁጠባዊ ምንጭታት ከመይ ይዋፈርን ኣበናይ መዓላ ይውዕልን ህዝቢ ዝፈልጦ ጉዳይ የብሉን። ዋላ’ውን እቶም ንሽሙ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ብደረጃ ሚኒስተራት ዝተቐመጡ ዝፈልጡ ኣይኮኑን። ኩሎም እቶም ኣብ ቁጠባዊ ልምዓትን ምዕባሌን ወሳኒ ተራ ክጻወቱ ትጽቢት ዝግበረሎምን ዝተፈላለየ ድሌታትን ረብሓታትን ዘለዎም ሕ/ሰብኣዊ ክፍልታት ፍጹም ተረባሕቲ ክኾኑ ኣይኸኣሉን። ሓረስታይ ስቡሕ መሬቱ ኣልሚዑ መነባብርኡ ብምምሕያሽ፡ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባሌ ሃገር ዝለዓለ ግዲኡ ከይጻወት፡ ልሙዕ መሬቱ ብሰበ-ስልጣን ብዓመጽ እናተመንጠለን ንመሻርክቶም ብዶላራት እናተዓደለን ንከቢድ ድኽነት ክወድቕ ተገዲዱ ብሓፈሻ ኤርትራ ንወፍሪ ርእሰ-ማል ወጻኢ ብብዙሕ ምክንያታት ብኣውንታ ትጥመት ምችእቲ ሃገር ክትኸውን ኣይኸኣለትን እየ ዝብል።

ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኩነታት ክሪኦ እንከለኹ

ፖሎቲካዊ ፖሊሲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ጥዕና ዘይብሉ ክሳብ ዝኾነ፡ ውሕሉል ዲፕሎማስያዊ ፖሊሲ ክህልዎ ምሕሳብ ዝኸኣል ኣይኮነን።ገባቲ ስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን ንምንዋሕ ዕድመ ግዛኣቶም ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ብዝብል ኣጉል ትምክሕቲ ሓንሳብ ንድሌታት ህዝቢ ኤርትራን ሓድሽ ርእይቶ ዓለምን ብሰንጠቕ ተጻሪሮም ኣብ መርከብ ጥፍኣትን ዕንወትን ምስ ተወጥሑ፡ ንድሕሪት ተመሊሶም ጉዕዝኦም ብደቂቕ ክምርምሩን ፖሎቲካዊ ስልጣን ነቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ከረኽቡን ዘይሕሰብ ምዃኑ ነስተብህል። ምክንያቱ ከኣ ዝተፈላለየ ተመክሮ ገበቲ ስርዓታት ብሓፈሻ ዘቅስመና ትምህርቲ ምስ ዝህሉ፡ ካብ መንገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን ንድሕሪት ብምምላስ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ከም ዓቢ ውርደትን ፍሽለትን ኮይኑ ከም ዝስምዖም የረድኣና። በዚ ድማ ኣዮም ኣቲ ኩሉ ዓቅምታቶም ምስተጸንቅቐ ፡ንህላወኦም ጥራይ ብምስትብሃል ፡ክኒዮቲ ከካይድዎ ዝጸንሑ ዘርጊ ዝምድናታት ምስኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ፡ብትምክትን ጽበትን ብምዕብላል ንከም በዓል ጋልፍ ካንትሪስ ፡ ኢስራኤልን ወስኺካ ዝተፈላለያ ሃገራት ባሕርታት ኤርትራ ንወታደራዊ ካልእ መዓላታት ዝውዕል ከምዝዓደልዎ ፡እዚ ድማ ብዘይ ንጹር ሕግን ኣፍልጦ ህዝቢ ምግባሮም ነቲ ትሕቲ ባይታ ዛኣተወ ህላውነቶም ንምውሓስ፡ኮረቻ ዕድመ ግዛኣቶም ንምንዋሕ እምበር ንስለ ህዝብን ሃገርን ተባሂሉ ዝተሃንደሰ ዘይምዃኑ ተግባራቶም ዘነጽር ሙዃኑ ይበርሃልካ።

ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ምስ ኣንሪኢ እውን

ህዝቢ ኤርትራ ብስንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ናይዚ ስርዓት’ዚ ኣብ ታሪኹ ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ ማሕበራዊ ቅልውላው ክወድቕ ተገዲዱ’ዩ። ድሕሪ ነጻነት ሰላምን ቅሳነትን ተጓናጺፉ ደቂ-ደቁ ሓቂፉ ከሰራስር ዝነበሮ ኩሉ ሰናይ ሕልምታት ከንቱ ኮይኑ ተሪፉ። ብርክት ዝበሉ ደቁ ተማሂሮን ስድርኦም ክናብዩን ኣብ ምዕባሌ ሃገር እጃሞም ክጻወቱን ትጽቢት ዝነበሮም ምስ ዝተፈላለዩ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝተገብረ ኣዕናዊ ኲናት ሂወቶም ጠፊኡን ሰንኪሉን’ዩ። ገሊኦም ከኣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ንመወዳእታ ዘይብሉ ናብ ጊላዊ ስርሓት ህግደፍ ከም ጅሆ ተታሒዞም ስለ ዝርከቡ፡ መጻኢ ዕድሎም ጸልሚቱ ይርከብ። ካብኣቶም’ውን ንኩሉ መዳያዊ ፖሊስታት ናይቲ ስርዓት ብምቅዋም፡ ናብ ቀረባ ጎረባብቲ ሃገራት ዝተሰደዱን ካብኡ ናብ ምዕቡላት ሃገራት ክሰጋገሩ ክብሉ ኣብ ምድረ-በዳታትን ባሕርታትን ሂወቶም ዝጠፍአ ዘሎ ውሑዳት ኣይኮኑን። ስለዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ስድራ-ቤት ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓዘን ዝወደቐሉ ኩነታት ይርከብ። እቲ ሓላፍነት ዘይስምዖ መንግስቲ ህግደፍ ከኣ፡ ከም ዜጋታት ይትረፍ ብመራኸቢ ብዙሓን መግለጺ ሓዘን ክህብ ንስድራ-ቤቶም ሓዘን ከይገብሩ ዝዓግተሉ ውድዕነት’ዩ ተራእዩ፡

በቲ ካላ ሸነኽ ድማ ተወሳኺ ድርድ ድርብራብ ማሕበራዊ ውጽዓ ድማ ከምቲ ኣቀዲመ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝገልጾ ዝነበርኩ ብሰንኪ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግበታዊ ስርዓት ኣብ ማሕበረሰብ ጀበርቲ ዘውረዶን ገናእውን ዝቕጽሎ ዘሎ ውጽዓታት ክንዮ መንነቱ ምድምሳስን ምጥፋእን ንሓዳሩኡ ንምጥፋእ ብርእዮ ዘካይዶ ባህላዊ ወራር ድሚርካ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ካብዝኸፈኤ ናብ ዝባኣኣሰ ይኸይድ ምህላዉ ምግንዛብ ይካኣል ፡ስለዝኾነ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከኣ ብፍላይ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር መድመይትን ብርሰትን ዕንወትን ይኣኽል ብምባል፡ ነዚ ገባቲ ስርዓት’ዚ ብምእላይ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራን ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምርግጋጽን ብነፍሲ ወከፍ ማሕበራዊ ክፍልታቶም ክወደቡን ኣብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ተሰሊፎም ፍትሓዊ ቃልስታቶም ከበራትዑን ይግባእ። ብፍላይ ከኣ ብዘይተሳትፎ መንእስያት ወይ ደቂ-ኣንስትዮ ነዚ እከይ ስርዓት’ዚ ብምእላይ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋገጽ ከምዘይኽእል ብምርዳእ፡ እዚ ክፍልታት ሕ/ሰብ’ዚ ዳግማይ ሕሉፍ ጅግንነታዊ ቅያታት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክደግሙ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መጸዋዕታይ የቕርብ።

We use cookies to improve our website. More details…